ጓል 41 ውላዳ፡ ብህይወት ምትራፋ ዘይትፈልጥ ወላዲት

መሊሳ ኦህደን
መግለጺ ስእሊ, መሊሳ እዚ ሐቂ ዝፈለጠት በፅሒ ምስኮነት እዩ ነይሩ

መሊሳ ኦህደን፡ ነቲ ዘሰንብድ ነገር ማለት'ውን ኣዲኣ ንኣኣ ጥንስቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ክትንጽላ ፈቲና ምንባራ፡ ጓል 14 ዓመት ምስ ኮነት ኢያ ዝፈለጠት። ኣብ ውሽጢ ናይ ሆስፒታል ጓሓፍ ክትበኪ ዝሰምዓታ ነርስ ኢያ ኣድሒናታ።

እዚ ዛንታ፡ መሊሳ ከመይ ከም ዝደሓነትን ሞይታ 'ያ ኢላ ትሓስብ ዝነበረት ኣዲኣን ዝጥምት እዩ።

"ቅድሚ 9 ወርሒ ምምለአይ ከም ዝተወለድኩን ብኣደ ጡብነት ከም ዝዓበኹን ኢየ ዝፈልጥ ነይረ" ጓል 41 ዓመት መሊዛ ንቢቢሲ ተዘንቱ።

"ንሞት ተዋሂበ ከም ዝነበርኩ ግናኸ ብህይወት ከም ዝተረፍኩ፤ እዚ ኩሉ ምስጢር ኣይፈልጥን እየ ነይረ።"

ኣብ 1977 ኣዮዋ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፤ ጓል 19 ዓመት ሓሙሽተ መዓልታት ዝወሰደ ምንጻል ጥንሲ ኣካይዳ።

ትሕቲ 1.3ኪግ ሒዛ ኣብ ሸሞንተ ወርሓ ዝተወለደት መሊዛ ምስቲ ካልእ ርስሓት ኣብቲ ጓሓፍ ናይቲ ሆስፒታል ተደርቢያ።

ኣብዚ ህሞት ሓንቲ ካብተን ኣለይቲ ሕሙማን ድኹም ብኽያትን ገለ ምንቅስቓሳትን ምስ ረኣየት፤ መሊዛ ብቕልጡፍ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ተወስደት።

ሓካይም፤ የዒንታ ክዓዉር ከም ዝኽእል ክግምቱ ከለዉ፤ ሓደገኛ ናይ ልቢ ጸገም ከም ዘለዋ'ዉን ኣሚኖም ነይሮም።

ግና ካብ ግምቶም ወፃኢ ፡ መሊዛ ከዕብይዋ ኣብ ዝወሰድዋ ስድራ፤ ጥዑይ ህይወት ክትመርሕ ከኣለት።

ሓካይም፤ መሊዛ ከቢድ ዝኾነ ናይ ጥዕና ጸገማት ክህልዋ ከም ዝኽእል ገሚቶም

ምንጪ ስእሊ, Melissa Ohden

"ዘደንቕ ዩ"

ብዛዕባ ተሞክሮኣ መጽሓፍ ዝጸሓፈት መሊዛ፤ ካብ ምስዳድ ጥንሲ ሙላቕ ከም ዝኾነት ምስ ሓፍታ ትታረኽ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከም ዝፈለጠት ትገልጽ።

"ትፈልጢ ዲኺ መሊዛ፤ ካልእ እንተተረፈ ንኣይ ዝወለዱኒ ወለዲ ይደልዩኒ ኢዮም" ከይሓሰበት ጨዲራትለይ።

መሊዛ ፈለማ ክርድኣ ኣይከኣለን፤ ምስቶም ዘዕብይዋ ዝነበሩ ወለዳ ኮፍ ኢላ ምስ ተዘራረበት ግና፤ ሞራላ ብሓንሳብ ኣንቆልቆለ።

"መግቢ ኣብዩኒ፤ ቅጥዒ ዘይብሉ መስተ፤ ንርእሰይ ጸሊአያ።"

እቲ ቃንዛ ክሳብ ጓል 19 ዓመት ዝኸዉን፤ ንሓሙሽተ ዓመታት ቀጺሉ። ብድሕሪ'ዚ ንወላዲተይ ክደልያ ከምዘሎኒ ወሲነ።

ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ ዝወሰደ ምንዳይ ምስ ረኸበታ ዘሰንብድ ነገር ሰሚዓ።

"ወላዲተይ ከም ዝሞትኩ እመበር ብህይወት ከም ዘለኹ ትፈልጥ ኣይነበረትን። ከም ዘይሞትኩ ኣይተሓበራን" ትብል።

ንሳ ከይፈለጠት ናብ ካልኦት ዘዕብዩኒ ወለዲ ተሰጋጊረ።"

ስለዚ ኢዩ ድማ ክልቲአን፤ ሰለስተ ዓመት ኢመይል ክጸሓሓፋ ድሕሪ ምጅማረን፤ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸባ፤ መሊዛ ኣብ የዒንቲ ወላዲታ ብዝረኣየቶ ጣዕሳ ዉሽጣ ዝተተንከፈ።

ነቲ ፈለማ ዝተራኸቡሉ ህሞት ንምግላጽ ትጽገም ግና "ከምዚ ሕልሚ ኢዩ" ትብል።

ወላዲታ ነቲ ምንጻል ጥንሲ፤ ብዓባያ ተገዲዳ ከም ዝገበረቶ ገሊጻ።

ዓባያ ኣብቲ ሆስፒታል ትሰርሕ ፍልጥቲ ነርስ ሰለ ዝነበረት፤ እታ ዕሸል መሊዛ ኣብቲ ጓሓፍ ክትድርበ ብምግባር ነተን መሳርሕታ ዝኾነ ሓገዝ ከይገብራ ኣዚዛ።

"ዓባየይ በዲላትኒ እኳ እንተኾነት፤ ምሕረት ገይረላ ኢየ። ኩላትና ንጋገ ኢና" ትብል መሊዛ።

መሊዛ ብህይወት ምህላዋን እቶም ዘዕበይዋን ወላዲታ'ዉን ኣብ ጎና ምህላዎም፤ ኣብ ዓለምና "ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዕደለኛታት" ከም ዝኾነት ትዛረብ።