"ነቶም ድሑራት ኣብ መወዳእታ ክንቀብሮም ኢና" ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ብቀዳም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጀነራላት ዝተፈጸመ ቅትለትን ኣመልኪቱ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ሓይልታታ "ኣብ መወዳእታ ክንቐብሮም ኢና" ኢሉ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣስዒቡ እዚ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ስጉምቲ ዝወሰደ ሓይሊ፡ ብጉልበት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝደልን፡ ብምርጫ ናብ ስልጣን ክድይብ ዘይክእል ምዃኑ ዝፈለጠን ኣካል'ዩ ኢሉ። ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ'ውን ንግምት ነይርና ኢና ኢሉ።

ኣብ ጥሮታ ዝጸንሐ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኢታ ማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ሰዓረ እዮም ብዓጃቢ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ተቐቲሎም።

"ጀነራል ሰዓረ መኮነን ንሃገር 'ምበር ንኽልል ይሰርሕ ኣይነበረን። ይኹን 'ምበር እቲ መጥቃዕቲ ናይ ክልተ ሰባት ጉዳይ ኣይኮነን፡ ስርዓት ንምፍራስ ዝዓለመ'ዩ። መንነት'ውን መሰረት ዝገበረ'ዩ" ይብል ዶክተር ደብረጽዮን።

"ህዝቢ ትግራይ ከየንበርከኽካ ስልጣን ከም ዘይርከብ ፈሊጦም ብጽልኣት ዝወሰድዎ ስጉምቲ'ዩ፡ ናበይ ከም ዘምርሕ'ውን ኣይፍለጥን፡ እዚ ዝተጠናነገ መሓውር ክፍለጥን ናብ ሕጊ ቐሪቡ ክበታተኽን ኣለዎ" ብምባል ነቲ ተግባር ኮኒንዎ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብምቕጻል "እዚ ብትልሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክቅጽል ከም ዝኽልእ ክንፈልጥን ክንዳሎን ኣለና፡ ይኹን 'ምበር በዚ ፈረኽረኽ ዝብል ትግራዋይ የለን" ድሕሪ ምባል ህዝቢ ቆቋሕ ኮይኑ ከባቢኡ ክሕሉ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ቅንጸላ ቅድሚ ምርጫ ተጀሚሩ ስለ ዘሎ ክቕጽል ከምዝኽእል'ውን ኣመላኺቱ።

"እዞም ድሑራት ሓይልታት ከም ቀደሞም 'የሻል' [ኣላሽ ] ከነብሎም ኢና፡ ተወዲቦም የጥቅዑና ስለ ዘለዉ ተወዲብና ከነጥፍኦም ኢና። ኣብ መወዳእታ'ውን ክንቀብሮም ኢና" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ "ህዝቢ ኣምሓራ፡ ከምቲ ኣብ ሓጎሶም ኣብ ጎኖም ዝነበርና ኣብ እዋን ሓዘኖም'ውን ኣብ ጎኖም ደው ክንብል ኢና" ብምባል ንህዝቢ ኣምሓራ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።