ብሸውዓተ ወርሒ ዝደሓረት ከተማ እስጳኛ

ምንጪ ስእሊ, Oliver Guiberteau
ጎደናታት እዛ መንደር ብናይ ኣውደ ኣመት መጋየጺታት ማዕሪጎም ይረኣዩ። 12 ፍረ ወይኒ ብምብላዕ ሰናይ ትምኒት ዝግለጸሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ፍርቂ ለይቲ ድማ ይጽበዩ።
በርቹለስ፡ ሓድሽ ዓመት ክተብዕል ትሸባሸብን ትጸባበቕን ስፔናዊት ከተማ እያ።
ከመይ ከመይ'ዩ እዚ ነገር? ንዝበልኩም፡ በርቹለስ ሎሚ ወርሒ ነሓሰ እንትብሕት ኣብ ዘሎ ፈላማይ ሰሙን'ያ ሓድሽ ዓመት እትቕበል። ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ድማ ብኸምኡ እያ መጺኣ።
ቀደም ግን ከምኡ ኣይነበረትን፡ ከም ዓለማ ኣብ ወርሒ ጥሪ እያ ሓድሽ ዓመት ትጽምብል ዝነበረት።
እቲ ሓድሽ ታሪኻ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት 1993 እዩ ዝፍልም። ሓድሽ ዓመት 1994 ንምቕባል ዝተገብሩ ምድላዋት ተጻፊፎም ነይሮም፤ ሃንደበት ግን ነገራት ተቐያይሩ። ሰዓት ዑደታ ደው ዘበለት መሰለት።
"ሽዑ ወዲ 11 ዓመት ነይረ" ይብል ናይ ሕጂ ከንቲባ ከተማ በርችለስ፡ እስማዒል ፓዲላ ገርቪላ። "ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት መብራህቲ ናይታ ከተማ ግስም ኢሉ"።
እዚ ብሕማቕ ኩነታት ኣየር ዘጋጠመ ምቁራጽ መብራህቲ፡ እዛ ንኡሽቶ ከተማ ብዘይ ዝኾነ ምድላው ሓድሽ ዓመት ክትሳገር እንትፈርዳ፡ ዓመተ 1994 ድማ ብጸልማት ክትቕበሎ ምኽንያት ኾይኑ'ዩ።
"ሽምዓ ወሊዕና ተደሪርና" ብምባል ዝኽሩ ዝገልጽ ከንቲባ ኢስማዒል፡ ንኣርባዕተ ሰዓታት ድማ ወለደይ ካብ ጀርመን ብዘምጽኡዋ ብኣረጊት ባትሪ ዝተኸፈተት ሬድዮ ክንሰምዕ ኣምሲና። እዛ ሬድዮ ፍጹም ሰሚዕናላ ዘይንፈልጥ ኣብዚ ምሸት ዘኪርናያ" ይብል።
እቲ ዝተቛረጸ መብራህቲ ንጽባሒቱኳ እንተተመለሰ፡ ሓድሽ ዓመት ግን ብዘጣዕስ ሃዋህው'ዩ ጀሚሩ። ኣብ ወርሑ ድማ፡ ናብ ትካል ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ ከተማ ብምኻድ ናይ ቑጥዐን ጥርዓንን ሰልፊ ተኻይዱ።
ከተማ በርችለስ፡ ካብዚ ንደሓር እያ ብሸውዓተ ኣዋርሕ ድሒራ ሓድሽ ዓመት ኣብ ነሓሰ ክትጽምብል ዝጀመረት። ኣብዚ ጽምብል ዝሳተፉ ሰባት ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጽሮም ይውስኽ ኣሎ።
"ዝሓለፈ ነሓሰ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ነይሮም" ይብል ፕሬዝደንት ማሕበር ድሮ ሓድሽ ዓመት እታ ከተማ ኣንቶኒዮ ካስቲሎ ሳንቼዝ።
"ክሳብ ወርሒ ነሓሰ ክንጽበ ዘበገሰና ነገር፡ መብራህቲ ክቋረጽ እንከሎ ከቢድ ኪሳራ ዝበጽሖም ወነንቲ ባራት፣ ቤት ብልዒ፣ ሹቓትን ክለባትን ክሳብ ገንዘበን ዝመልሳ ዝብልን ኣብ እዋን ክረምቲ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ'ውን ክሳተፉ ንምግባርን'ዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚርና ሓድሽ ዓመትና ኣብዚ ወርሂ ምኽባርና ግን ዓብዪ ዓወት'ዩ" ይብል ከንቲባ እታ ከተማ።

ምንጪ ስእሊ, Sergio Camacho
ናይ ሓድሽ ዓመት መዓልቲ ምቕያር ዝከኣል እንተኾይኑ፡ መበል 31 መዓልቲ ወርሒ ታሕሳስ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ዝስገር ኣረጊት ዓመት ኣይኮነትን ማለት'ዩ።
ክሳብ 46 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጁሊየስ ቄሳር ናይ ሮማውያን መቑጸሪ ግዘ እንትሰርሕ፡ ሓድሽ ዓመት ሓደ ጥሪ ኢሉ ከም ዝጅምር ዝኣወጀሉ ግዘ ነይሩ።
ኮይኑ ግን ኣብ እዋን ማእኸላይ ዕድመ እዚ ኣቆጻጽራ ተቐባልነቱ እናወደቐ መጺኡ። ቄሳርን እዚ ቀመር ዝሰርሐሉ ሰብን ንውሓት ጸሓይ ኣብ ዓመት ብ 11 ደቒቕ ጥራሕ'ዮም ሓሲበሞ። እዚ ጌጋ ስልሒት ድማ፡ ኣብ ፍርቂ መበል 15 ክፍለ ዘመን ኣብ ዓመት 10 መዓልታት ክውሰኻ ገይሩ።
በዚ ኣቆጻጽራ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ከም ልደት ዝበሉ ሃይማኖታዊ በዓላት ሓርዮም መጀመሪ ሓድሽ ኣመት ክኸውን ገይሮም።
ደሓር ግን ጳጳስ ግሪጎሪ 13ን እቲ ቐመር ዝሰርሕሉን ናይ ጸሓይ ንውሓት ዳግም ኣስሊሖም፡ ኣቆጻጽራ ግሪጎራሳውያን ኣተኣታትዮም። ሓደ ጥሪ ድማ ዳግም መጀመሪት ሓድሽ ዓመት ኮእና።
ኣብዚ ግዘ ስፔን ሓዊሱ ካቶሊክ ዝኾና ሃገራት ኤውሮጳ እዚ ኣቆጻጽራ እንትቕበላ ፡ ኢንግሊዝ ክሳብ 1752፡ 25 መጋቢት ሓድሽ ዓመት ትቕበል ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Oliver Guiberteau
ህንጻታት በርቸለስ፡ ቀለልትን ጸዓዱን፣ ጸበብትን ዛሕሊ ዘለዎምን'ዮም። በርቸለስ፡ ብኣይረን ብዝበልጸገ ማይን ፍርያት ድንችን'ውን ትፍለጥ።
ንሓድሽ ዓመት እትገብሮም ምድላዋት ግን ካብ ወርሒ ጥሪ'ዮም ዝጅምሩ።
ከንቲባ ፓዲላ ግረቪላ፡ "እቲ ኣሉታዊ ህሞት ናብ እወንታ ቐይርና ሕጂ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ነተኣናግድ ኣለና። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ነይረ፤ ሓደ ብዛዕባ እዛ ከተማ ዝሰምዐ ሰብ ረኺበ ኣዝየ ተገሪመ" ይብል።
ኣብ ጎደናታት እስጳኛ ብርክት ዝበሉ ናይ ጎደና ምርኢታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ዝብል እዚ ከንቲባ፡ "ወርሒ ነሓሰ ዝኽበር ሓድሽ ዓመት ግን ኣብ ብራቸለስ ጥራሕ ኢኻ ትረኽቦ" በሃሊ'ዩ።
እዛ ብሸውዓተ ወርሒ ዝደሓረት ከተማ ዘመሓድር ዘሎ ኢስማዒል ዲላ፡ እዚ ጽቡቕ መዓርግ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







