ንሓዳሽ ኣፍቃሪቱ ናብ ፈረንሳይ ፓሪስ ንምውሳድ ካብ ኣፍቃሪቱ ነበር ገንዘብ ዝሰረቐ

ኤንጀል ኤክስፎርድ

ምንጪ ስእሊ, Caters News Agency

ኤንጅል ኤክስፎርድ፡ ኣፍቃሪኣ ነበር ንሓዳሽ መፃምዱ ናብ ፓሪስ ንምውሳድ ገንዛባ ሙልጭ ኣቢሉ እንትሰርቃ፡ ትማሊ ዘሕለፍናዮ ፍቕሪ ይዓብ ኢላ ስቕ ክትብል ኣይመረፀትን።

ጓል 29 ዓመት ኣፍቃሪት ሚካኤል ዝኾነት ኤንጀል፡ ወዲ 26 ዓመት ኣፍቃሪኣ ሚካኤል፡ ሓዳሽ ንዝሓዛ መፃምዱ ናብ ከተማ ፓሪስ ንምውሳድ፡ ካብታ ፍቕረይ ኢሉ ዝፅውዓ ዝነበረ ኤንጅል ገንዘብ ክወስድ ሕንኽ ኣይበለን።

እቲ ገንዘብ ሰሪቑ፡ ሓዳሽ መፃምዱ ሒዙ፡ ናብ ከተማ ፓሪስ ንምብራር ኣብ መዕርፎ ፈርቲ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን፡ ኤንጅል ንፖሊስ ሒዛ፡ ንሚካኤል ፊትንፊት ክትጋፈጦ ቆሪፃ፤ ንበረራ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝተረፎ ድማ፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ በፂሓ ተጋፊጣቶ።

ፖሊስ ጉሒላ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ ኣሲርዎ እኳ እንተነበረ፡ ናይ ኤንጅል መከራ ግና ኣብኡ ኣየብቅዐን።

ሚልተን ዝነባርነቱ ሚካኤል ፈሽላንድ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጃህራን ገበንን #FraudBae ዝብል ደርፊ ኣሕቲሙ።

ሚካኤል ፈሸንፍለድ

ምንጪ ስእሊ, Caters News Agency

መግለጺ ስእሊ, ሚካኤል ፈሸንፍልድ ኣብመዕርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ ዝተኣሰረ እንትኸውን፡ ፀኒሑ ድማ ብገበን ስርቂ ተኸሲሱ እዩ

እዚ ሓድሽ ብምስሊ ዝተሰነየ ደርፉ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ዩቲዩብ፡ ዝተፅዓነ እንትኸውን፡ ክሳብ ሕዚ 62 ሽሕ ተመልካቲ ረኺቡ እዩ።

ኤንጅል ንራድዮ 1 ኒውስቢት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ " እዚ ደርፊ ምውፅኡን እዚ ብምግባሩን ኣይተደነቐንን። ብጣዕሚ ሕንከት ዘይብሉ ወዲ እዩ። እዚ ንዓይ ብፍፁም ክርብሸኒ ኣይኽእልን"

"ይቕልድ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ፡ ገበን ፈፂሙ እዩ። ጉሒላ እዩ፥ ንገበን እዩ ከም ፅቡቕ ተግባር ገይሩ ኣፀቢቑ ዝገልፆ ዘሎ፡ እዚ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክነኣድ ኣይኽእልን"

" እዚ ናይ ሙዚቃ ቪድዮ፡ ይቕረ ዝብሎ ኣይኮነን። እዚ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብቲ ኩነታት ንባዕሉ ከድሕን እዩ ዝፍትን ዘሎ" ክትብል ገሊፃ።

ኢንጅል ኤክስፎርድ

ምንጪ ስእሊ, Caters News Agency

መግለጺ ስእሊ, ኤንጅል ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ኩሉ፡ ብዕምቆት ኣብ ትዊተር ፅሒፋ እያ

ንክልተ ወርሒ ዝዘለቐ ፍቕሪ ኤንጅልን ፈሸንላንድን፡ ሓደ ምሸት እንትዘናግዑ ናይ ገንዘብ መትሐዚ ቦርስኡ ከምዝሰኣኖን፡ ቪዛ ካርዳ ንከተለቅሖን፡ መሊሱ ከምዝኸፍላን ይገልፀላ።

ይኹን'ምበር ሚካኤል ኣብ ቃሉ ኣይፀነንዐን፡ ክመልሰልኪ እየ ኢሉ ዝተለቅሖ ገንዘብ ስለዘይመለሰ፡ ምዝርራቦም የቋርፁ።

ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰሙናት፡ ካብ ሒሳብ ባንካ ሃንደበታዊ ገንዘብ ከምዝተልዓለ፡ ፈሊጣ።

"ንሱ ጥራሕ እዩ ካርደይ ተጠቒሙ ነይሩ። ኣብ ፓሪስ ንምዝንጋዕ ንበረራ፣ ንሆቴልን ካልእ መዘናግዕን፡ ካብ ናህተይ ካርዲ እዩ ከፊሉ" ትብል ኤንጅል።

"ካልእ ይትረፍ ነታ ሓዳሽ ዝሓዛ ኣፍቃሪቱ፡ ካብ ናህተይ ሒሳብ ባንኪ ዝተኸፈለ ዕምበባ፡ ናብ ስራሕ ቦትኣ ሊእኹላ"

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

እዚ ዝፈለጠት ኤንጅል፡ መረዳእታታት ብምእካብን ምስ መሓዙታ ብምምኻርን፡ ንፖሊስ ኣፍሊጣ። በዚ ድማ እዩ፡ ናብ ፓሪስ ክበርር ሒደት ደቓይቕ እንክተርፎ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ።

ሚካኤል ፈሽላንድ በዚ ዝሰርሖ ገበን፡ ን26 ሰሙናት ንክእሰርን ን150 ሰዓታት ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት ንክህብን ተፈሪድዎ።

በዚ ፍርዲ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ትገልፅ ኤንጅል፡ ሚካኤል ግና ኮነ ኢላ ከምዘፀለመቶ ክገልፅ ጀሚሩ።

እዚ ተግባሩ ኤንጅል ንክትውስንን፡ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝገበሮን እቲ ዝኾነን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክተዋርዶ ወሲና።

"ኣነ ንባዕለይ ክሳብ ሕዚ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ሰባት እንትነግሮም ይድንግፁ እዮም፡ ግና ኩሉ ብመረዳእታ ዝተተሓዘ እዩ"

ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ልዕለይ ምፍፃሙ እናገረመኒ፡ መሊሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሙዚቃ ከሕትም ኣይተፀብኽዎን፡ ኢላ።

ብኣሉታዊ መንገዲ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ" ኣብ ቀረባ እዋን ኩሉ እቲ ሓቂ ክርድኦ እዩ፡ ኣነ ግና በቲ ተግባሩ ኣይሓዝነሉን፡ ክትብል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈፀመ ክሕደትን፡ ጉሕለትን ገሊፃ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space