ንሓዳሽ ኣፍቃሪቱ ናብ ፈረንሳይ ፓሪስ ንምውሳድ ካብ ኣፍቃሪቱ ነበር ገንዘብ ዝሰረቐ

ምንጪ ስእሊ, Caters News Agency
ኤንጅል ኤክስፎርድ፡ ኣፍቃሪኣ ነበር ንሓዳሽ መፃምዱ ናብ ፓሪስ ንምውሳድ ገንዛባ ሙልጭ ኣቢሉ እንትሰርቃ፡ ትማሊ ዘሕለፍናዮ ፍቕሪ ይዓብ ኢላ ስቕ ክትብል ኣይመረፀትን።
ጓል 29 ዓመት ኣፍቃሪት ሚካኤል ዝኾነት ኤንጀል፡ ወዲ 26 ዓመት ኣፍቃሪኣ ሚካኤል፡ ሓዳሽ ንዝሓዛ መፃምዱ ናብ ከተማ ፓሪስ ንምውሳድ፡ ካብታ ፍቕረይ ኢሉ ዝፅውዓ ዝነበረ ኤንጅል ገንዘብ ክወስድ ሕንኽ ኣይበለን።
እቲ ገንዘብ ሰሪቑ፡ ሓዳሽ መፃምዱ ሒዙ፡ ናብ ከተማ ፓሪስ ንምብራር ኣብ መዕርፎ ፈርቲ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን፡ ኤንጅል ንፖሊስ ሒዛ፡ ንሚካኤል ፊትንፊት ክትጋፈጦ ቆሪፃ፤ ንበረራ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝተረፎ ድማ፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ በፂሓ ተጋፊጣቶ።
ፖሊስ ጉሒላ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ ኣሲርዎ እኳ እንተነበረ፡ ናይ ኤንጅል መከራ ግና ኣብኡ ኣየብቅዐን።
ሚልተን ዝነባርነቱ ሚካኤል ፈሽላንድ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጃህራን ገበንን #FraudBae ዝብል ደርፊ ኣሕቲሙ።

ምንጪ ስእሊ, Caters News Agency
እዚ ሓድሽ ብምስሊ ዝተሰነየ ደርፉ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ዩቲዩብ፡ ዝተፅዓነ እንትኸውን፡ ክሳብ ሕዚ 62 ሽሕ ተመልካቲ ረኺቡ እዩ።
ኤንጅል ንራድዮ 1 ኒውስቢት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ " እዚ ደርፊ ምውፅኡን እዚ ብምግባሩን ኣይተደነቐንን። ብጣዕሚ ሕንከት ዘይብሉ ወዲ እዩ። እዚ ንዓይ ብፍፁም ክርብሸኒ ኣይኽእልን"
"ይቕልድ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ፡ ገበን ፈፂሙ እዩ። ጉሒላ እዩ፥ ንገበን እዩ ከም ፅቡቕ ተግባር ገይሩ ኣፀቢቑ ዝገልፆ ዘሎ፡ እዚ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክነኣድ ኣይኽእልን"
" እዚ ናይ ሙዚቃ ቪድዮ፡ ይቕረ ዝብሎ ኣይኮነን። እዚ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብቲ ኩነታት ንባዕሉ ከድሕን እዩ ዝፍትን ዘሎ" ክትብል ገሊፃ።

ምንጪ ስእሊ, Caters News Agency
ንክልተ ወርሒ ዝዘለቐ ፍቕሪ ኤንጅልን ፈሸንላንድን፡ ሓደ ምሸት እንትዘናግዑ ናይ ገንዘብ መትሐዚ ቦርስኡ ከምዝሰኣኖን፡ ቪዛ ካርዳ ንከተለቅሖን፡ መሊሱ ከምዝኸፍላን ይገልፀላ።
ይኹን'ምበር ሚካኤል ኣብ ቃሉ ኣይፀነንዐን፡ ክመልሰልኪ እየ ኢሉ ዝተለቅሖ ገንዘብ ስለዘይመለሰ፡ ምዝርራቦም የቋርፁ።
ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰሙናት፡ ካብ ሒሳብ ባንካ ሃንደበታዊ ገንዘብ ከምዝተልዓለ፡ ፈሊጣ።
"ንሱ ጥራሕ እዩ ካርደይ ተጠቒሙ ነይሩ። ኣብ ፓሪስ ንምዝንጋዕ ንበረራ፣ ንሆቴልን ካልእ መዘናግዕን፡ ካብ ናህተይ ካርዲ እዩ ከፊሉ" ትብል ኤንጅል።
"ካልእ ይትረፍ ነታ ሓዳሽ ዝሓዛ ኣፍቃሪቱ፡ ካብ ናህተይ ሒሳብ ባንኪ ዝተኸፈለ ዕምበባ፡ ናብ ስራሕ ቦትኣ ሊእኹላ"

እዚ ዝፈለጠት ኤንጅል፡ መረዳእታታት ብምእካብን ምስ መሓዙታ ብምምኻርን፡ ንፖሊስ ኣፍሊጣ። በዚ ድማ እዩ፡ ናብ ፓሪስ ክበርር ሒደት ደቓይቕ እንክተርፎ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ።
ሚካኤል ፈሽላንድ በዚ ዝሰርሖ ገበን፡ ን26 ሰሙናት ንክእሰርን ን150 ሰዓታት ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት ንክህብን ተፈሪድዎ።
በዚ ፍርዲ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ትገልፅ ኤንጅል፡ ሚካኤል ግና ኮነ ኢላ ከምዘፀለመቶ ክገልፅ ጀሚሩ።
እዚ ተግባሩ ኤንጅል ንክትውስንን፡ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝገበሮን እቲ ዝኾነን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክተዋርዶ ወሲና።
"ኣነ ንባዕለይ ክሳብ ሕዚ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ሰባት እንትነግሮም ይድንግፁ እዮም፡ ግና ኩሉ ብመረዳእታ ዝተተሓዘ እዩ"
ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ልዕለይ ምፍፃሙ እናገረመኒ፡ መሊሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሙዚቃ ከሕትም ኣይተፀብኽዎን፡ ኢላ።
ብኣሉታዊ መንገዲ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ" ኣብ ቀረባ እዋን ኩሉ እቲ ሓቂ ክርድኦ እዩ፡ ኣነ ግና በቲ ተግባሩ ኣይሓዝነሉን፡ ክትብል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈፀመ ክሕደትን፡ ጉሕለትን ገሊፃ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







