ምርኢት 'ርእሰ-ኩርመጃ' ናይጀሪያ

ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫለ

ነበርቲ ናይጀሪያዊት ከተማ ላራ ሞኪን፡ ንእዋን ቀውዒ 'ኒው ያም' ብኣገራምን ዘይልሙድን ዘኾነ ኣገባብ ማለት ንገዛእ ርእሶም ብስላዕ ብምግራፍ የብዕልዎ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት፡ ተሳተፍቲ ምስ ኣዝዩ ዝሰንበረን ዝተሃስየን ግሩፍ ዝባኖም ገለ ስቓይ ኣብ ገጻቶም ከይተነበ ብሓጎስ ክስዕስዑን ክዘሉን ውዒሎም።

እቲ ምርኢት ብዙሓት ሰባት ዝተዓዘብዎ ክኽውን እንከሎ፡ ነበርቲ ከባቢ ዓድታት ከተማ ላራ ድማ ኣብቲ ምርኢት ክሳተፉ ተራእዮም።

ካብቶም ኣብ ካልእ ከባቢታት ዝቕመጡ ተወለድቲ ላራ ሞኪን'ውን ነቲ ምርኢት መሳተፊ ዘኽእሎም ኩርማጅ ኣቐዲሙ ተዳልዩ ንኽጸንሖም ንኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ገንዘብ ከምዝሰዱ'ዩ ዝፍለጥ።

ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫለ

ንጉስ ላራ ሞኪኒ፡ ኦባ ኣደረሚ ኣደፈሂንቲ፡ ነዚ ጎዳኢ ዝኾነ ምርኢት ርእሰ-ግርፈት (ምኹርማጅ) ንምትራፍ እኳ እንተፈተነ፡ ህዝቡ ግን ከም ባህሊ ዘኽብርዎ፡ ኣዝዩ ዘሐጉሶምን ብዙሓት ተሳተፍቲ ዝስሕብን ምርኢት (ፌስቲቫል) ብምዃኑ ንህዝቢ ንምእማን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከም ዝኾኖ ንቢቢሲ ዩሮባ ሓቢሩ።

እቲ በዓል ብጸሎተ ቡራኬ ዝለዓለ ገዛኢ ናይቲ ዓድን ቀንዲ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ከባብን'ዩ ዝኽፈትን ናይ ዝመጽእ ዓመት ሰናይ ትምኒት ዝግለጸሉን'ዩ።

ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫለ