እስራኤል ኣብ ጋዛ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ፍልስጤማውያን ናብ ግዝኣት እስራኤል ሮኬትን ሞርታርን ድሕሪ ምትኳሶም ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ጋዛ ዕጡቓት ዝቆፃፀርዎ ቦታታት ከምዘጥቀዓ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ስራዊት እስራኤል ከምዝበሎ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ዝዛመዱ 25 ናቑጣታት ተወቂዖም፤ እዚ ድማ ምላሽ ናይቲ ደብዳብ ኣስታት 30 ሮኬታትን ሞርታርን ምዃኑ ገሊፁ።
ነበርቲ ከምዝበልዎ ክልተ ኣባላት ፀጥታ ሓማስ ቀሊል መጉዳእቲ በፂሕዎም፤ ብወገን እስራኤል ዝተገለፀ መጉዳእቲ የለን።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዶብ ጋዛ ንዝነበረ ንሰሙናት ዝፀንሐ ምትፍናን ስዒቡ ዝመፀ እዩ።
ኣብቲ ዶብ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝተኣከቡሉ ተቓውሞ ብስናይፐራት እስራኤል ልዕሊ 100 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ነይሮም።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ተጠቒማ ክብሉ ወቒሶም።
እስራኤል ግን ወተሃደራታ ነቲ ዶብ ክጥሕሱ ናብ ዝፈተኑ ሰባት ጥራሕ እዮም ተኩሶም ኢላ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







