ፈተነ ምጭዋይ ቆልዑ ብሽም ዋንጫ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰበስልጣን ናይጀርያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተጨዊዮም ናብ ሩስያ ይጓዓዙ ዝነበሩ 9ተ ደቂኣንስትዮን ሓደ ወዲ ታዕታይን ዝርከብዎም ቆልዑት ኣድሒኖም።
ንጉዕዞ ናይ'ቶም ዝተጨውዩ ህጻናት ከምዘተሓባበሩ ዝተጠርጠሩ ፖሊስ ዝርከቦም 5ተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው'ውን ተፈሊጡ።
እቶም ግዳያት ካብ ሌጎስ ናብ ሞስኮ እትጎዓዝ ነፋሪት ክኣትዉ ክብሉ'ዮም ተረኺቦም።
እቶም ግዳያት ናብቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ይኸይዱ ከምዘለዉ ንምምሳል ናይ ደገፍቲ ኩዕሶ መለለዪ ካርዲ ክሕዙ ተገይሩ ነይሩ።
ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን እቶም ቆለዑ ኣብ መጽለሊ ግዳያት ጭውያ ተዓቑቦም ከምዘለው ኣንጻር ጭውያ ዝቃለስ ሃገራዊ ትካል ሓቢሩ።
ካልኦት 5ተ ግዳያት መጭወይቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተገመቱ ቆልዑት'ውን ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምድያቦም ሰራሕተኛ መምለሲ ትኬት ብዘይምህላዎም ካብ ጉዕዞኦም ደው ከምዘበልዎም ተፈሊጡ።
እቲ ኣንጻር ጭውያ ዝቃለስ ሃገራዊ ትካል ከምዝሓበሮ ብዙሓት ገበነኛታት ንናኣሽቱ ናይጀርያውያንን ወለዶምን ነዚ ዕድል ናይ ዋንጫ ዓለም ተጠቂሞም ቪዛ ከወስዱ ጸቕጢ ይገብሩ ከምዘለው ሓቢሮም።
እቶም ግዳያት ሓንቲ ግዜ ካብ ሃገር እንተወጺኦም ብጨወይቲ ክምዝመዙ ከምዝኽእሉ እቲ ትካል ኣረዲኡ።
መብዛሕቶም ግዳያት ጭውያ ካብ ኣፍሪቃ ተወሲዶም ንኤውሮጳ ዝሽየጡ ናይጀርያውያን'ዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ግዳያት ካብ ናይጀርያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ከምዝኣተው የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







