ጀነራል ሰዓረ መኮነን ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኖም

ምንጪ ስእሊ, YIDNEKEW ABRIHA
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ መዓልቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ወሳኒ መዝነት ንዝጸንሑ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ብጡረታ ኣሰናቢቶም።
ጀኔራል ሰዓረ መኮንን ኢታማዦር ሹም ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ዝተሸሙ እንትኾኑ፡ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ ድሕንነት ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ድማ ብጀነራል ኣደም መሓመድ ተተኪኦም።
ጀነራል ሰዓረ ንነዊሕ እዋን ንዘገልገሉ ጀኔራል ሳሞራ የኑስ እዮም ክትክኡ።
ብተመሳሳሊ ዜና፤ ቅድሚ ሕጂ መዓርጎም ተላዒሉ ንዝነበረ ሜጄር ጀኔራል አለም እሸት ደግፌን ብርጋዴር ጀኔራል አሳምነው ጽጌን መዓርጎም ክምለስን ሙሉእ መሰሎም ተሓልዩ ብጡረታ ክሰናበቱን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ውሳነ ሂቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ መዝነት ዝጸንሑ ክልተ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ብጡረታ ተሰናቢቶም።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ነበር፡ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ነበር ኣቶ ግርማ ብሩን ብጡረታ ተሰናቢቶም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







