ደቂ ኣንስትዮ ምብቃዕ እቲ ማሕበረሰብ ካብ ጸገም ምንጋፍ'ዩ፡ ወይዘሮ ዱሬቲ ታደሰ

ዱሬቲ ታደሰ

ምንጪ ስእሊ, Duretti Tadesse

መግለጺ ስእሊ, ዱሬቲ ታደሰ

ኣብ ኣሜሪካ እትነብር እዛ ወይዘሮ ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምብቃዕ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ትካል ብምጥያሽ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ህይወት ንምምሕያሽ ትሰርሕ ኣላ።

ካብ ሃገራ ካብ ትወፅእ 20 ዓመታት ሓሊፉዋ። ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከምዝሰገረት ትዛረብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ፅዕንቶ ንምትራፍ እጃማ ክተበርክት ትፅዕር ከምዘላ ድማ ትገልፅ።

ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓልፈኦ ህይወት ይግንዘቦ እየ ነዚ'ዉን'ዩ ብሽም እነ ሓጎይ ማሕበር መተሓጋገዚ ብምጥያሽ ዝሰርሕ ዘለኹ ክትብል ትዛረብ።

"እነ ሓጎይ ዝነበረት ጨዋቄ ጉተታ ናተይ ጅግና ዝብላ ሰበይቲ ነይራ። ጨዋቄ ልክዕ ከምተን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ገጠር ብዘይ ድሌታ ኣብ ህፃንነታ ሓዳር ዝመስረተት ኮይና ካብዚ ሓሊፉ በዓል ገዝኣ ካልእ ሓዳር መስሪቱ ቆልዑ ወሊዱ ሓዲጉላ ከይዱ ትብል" ዱሬቲ።

እንተኾነ ግና እነ ሓጎኣ ደቀንን ደቂ ደቀንን ሓዊሱ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ኣምሂረን ናብ ጽቡቕ ብርኪ ዘብጸሓ ሰብ ነይረን።

"ተግባራን ዘለዋ ጽንዓትን ካባይ ሓሊፉ ንኻልኦት መርኣያ ስለዝነበረ ብሽማ ኣብ ህንጸት ዓቕሚ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ትካል ኣጣይሸ ኣለኹ" ትብል።

ካብ ሽሕ ቃላት ተግባር ሓለፋ ኣለዎ ትብል ወይዘሮ ዱርቲ፡ እቲ ትካል ሙሉእ ትኹረት ዝገብር ኣብ ገጠር ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኾይኑ፡ ማሕበራዉን ቑጠባዉን ዓቕመን ከዐብዩ የኽእሉ'ዮም ኣብ ዝበሃሉ ተግባራት ይሰርሕ።

ደበሬ

ምንጪ ስእሊ, Duretti Taddesse

መግለጺ ስእሊ, ኣፈጻጽማ ስርዓት ደበሬ

ኣብ ናይ ኦሮሞ ባህሊ፡ "ደበር" ዝበሃል ስርዓት ምትሕግጋዝ ኣሎ። እዚ ስርዓት መሰረት ብምግባር ክሳብ ሕዚ፡ 144 ከፍቲ ንድኻ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲጋ ሂባ ኣላ።

ሓንቲ ሰበይቲ ካብታ ትሕለብ ላሕሚ፡ ጸብኣ ትጥቀም፡ ቢተይ እታ ላሕሚ እንትዓቢ ድማ፡ በቲ ስነ ስርዓት ንኻልእ ድኻ ሰበይቲ ይወሃብ ትብል።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምርባሕ ከፍትን ቑጠባን ስልጠናታት ብምሃብ ኣቐወሚ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጥንኻር ንሰርሕ ኣለና በሃሊት'ያ ወይዘሮ ዱሬቲ።

እቲ ትካል ብሓይሊ ጸሓይ ዝሰርሓ ኣምፑላት ን500 መራሕቲ ስድራ ከምዘከፋፈለ'ዉን ትዛረብ።

ነዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸበቶ ተሞክሮ ከምዝሓገዛ ድማ ትገልጽ። ''ፈለማ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ እንትመጽእ፡ ኣብ ዉሽጠይ ዝነበረ ጽጉማት ህጻናት ምሕጋዝ'ዩ። ዉሑዳት ህጻናት ረኺበ ምሕጋዝ'ኳ እንተጀመርኹ ክንድቲ ዝተጸበኹዎ ዉጽኢት ዘምጸኣለይ ግና ኣይነበረን።

ስለዚ መገደይ ቀይረ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ትኹረት ገይረ"።

ንቕድሚት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንምንጋፍ ክሰርሕ'የ ትብል ወይዘሮ ዱሬቲ።