ብዛዕባ ስእሊ ኣብያተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, ABEBAW AYALEW
ኢትዮጵያ ንልዕሊ 3 ሽሕ ዓመታት ዝሳገር ታሪኽ ስነ-ጥበብ ከምዘለዋ ተመራመርቲ ታሪኽ ይዛረቡ።
ኣብዚ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝለዓለ ግደ ከምዘለወን ዝምስክሩ፡ ኣብ ግድግዳ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ሃይማኖታዊ ድርሳናት ከምኡ'ውን ካብ ዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሑ ብርክት ዝበሉ ስእልታት፡ ንዋሕዚ ዘመናት ከይተንበርከኹ መጺኦም'ዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራራማርን ታሪክን ስነ ጥበብ ኣበባው ኣያለው፤ "ኤ-ግሊምስ ኦፍ ኤ ስሪ ሚሊኒያ ኢትዮጵያን ኣርት" ኣብ ዝብል ጽሑፎም፡ ኣብ ከባቢ ሳልሳይን ራብዓይን ክፍለ ዘመን ዓወት ስነ-ጥበባዊ ክርስትና ተመዝጊቡ ነይሩ ይብሉ።
ኣብዚ እዋን ዝነበረ ስርወ መንግስቲ ኣክሱም፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ካልኦት ሃገራትን ዝገብሮም ምንቅስቓሳት ኣዝዮም ዕውታት ምዃኖም፡ ብፍላይ ንሰብ ሙያ ስነ ህንጻን ቕርጻ ቕርጽን ሓገዝ ኣበርኪቶም'ዮም።
ኣብ ራብዓይ ምእተ ዓመት፡ ክርስትና መንግስታዊ ሃይማኖት ኣክሱም ምስ ኮነ፡ ንመዘከርታ ሙታን ዝኾኑ ቕርጻ ቕርጽን ገዘፍቲ ሓወልታትን ጠጠው ምባል፡ ነቲ እምነት ዝጻረር ኮይኑ ምርኣዩ፤ ካልእ ድማ ልምዲ ኣረማዊ ዘመን ተገይሩ ምውሳዱ ስዒቡ፡ ጥበብ ቅርጻ ቕርጺ እናተዳኸመ መጺኡ፡ ብኣንጻሩ ክርስቲያናዊ ስእሊ ዓምቢቡ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዘመነ ኣኽሱም ካብ ዝተሰርሑ ክርስቲያናዊ ስእልታት ዝበዝሑ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብምኽንያት ሕድሳት ጠፊኦም'ዮም።
ካብ ቅድመ ክርስቲያናዊ ጥበብ ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ ስእልታት፡ ኣብ ውሽጢ ድርሳን ወንጌል ኣቡነ ገሪማ ዘሎ ስእሊ፡ ክሳብ ሐዚ ኣሎ።

(ከም ኣቆጸዓጽራ ፈረንጂ፡ ካብ 1150 ክሳብ 1270) ዝነበረ ስርወ መንግስቲ ዛግዌ፡ ብስነ ጥበብ፣ ኪነ ህንጻን ጽሑፍን ዝዓበየ ኾይኑ፡ ክርስቲያናዊ ስእሊ ብሓንሳብ ዓብዩ ምንባሩ ካብ ዕንወት ዝተረፉ፡ ኣብ ግድግዳ ዝርከቡ ስእልታት ከምዝምስክሩ ጹሑፍ ኣበባው የረድእ።
ብፍላይ፡ ኦርቶዶክሳዊ ክርስትና እናሰፍሐ ኣብ ዝመጸሉ 14 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ ክርስትናዊ ጽሑፍን ስነ-ስእልን ዓምቢቡ ነይሩ።
ስነ ጥበባዊ ውርሲ ኢትዮጵያ፡ ብዘይዛረየ ዘመን ርኽክብ ክቕጽል ዝኸኣለሉ ምክንያት ድማ፡ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙዋ ዝነበሩ ብድሆታት ተጻዊራ ከምሃገር ምቕጻል ምኽኣላ'ዩ ክብሉ፡ "ኢትዮጵያን ኣይከን" ኣብ ዝተብሃለ መጽሓፎም፡ ፖላንዳዊ ተመራማሪ ታሪክን ስነ-ጥበብን ስታኒስላቭ ኮይኒስላቭ የረድኡ።
ክርስትናዊ ስእሊ ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕሉ ዝኾኑ መግለጽታት ከምዘለውዎ ድማ የቐምጡ።
ኮይናትስኪ፡ በብግዚኡ ምስ ምዕራባውን ምብራቓውን ኽፍሊ ዓለም፡ ኢትዮጵያ ዝሃነጸቶም ርክባት ኣብ ልዕሊ ስነ ስእሊ ቤተ ክርስቲያን ናይ ባዕሎም ዓሸራ ከምዝገደፉ'ውን ይገልጹ።
ነዚ፡ ኣሰር ግሪክ፣ ኮፕቲክ ቤተክርስቲያን ግብጺ፣ ኒብያን ኣርመናውያንን ከምዝተርኣየ የልዕሉ።

ምንጪ ስእሊ, ABEBAW AYALEW
ቅዱሳት ቀለማት
ካብ መልክዓት ስነ-ስእሊ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ውሑድ ቑጽሪ ዘለዎም ቀለማት ኣብ ኣገልግሎት ውዒሎም'ዮም።
ጻዕዳ፣ ጸሊም፣ ሓምለዋይን ቢጫን ንስእሊ። ጽሑፍ ኣበባው ከምዝገልጾ፡ እዞም ቀለማት ቅዱስን መለኮታውን ተገይሮም ይቑጸሩ።
ክሳብ መበል 17 ክፍለ ዘመን፡ ቀይሕ፣ ቢጫን ሓምለዋይን ቀለማት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ኣቑጽልቲ ተጸሚቑ፡ ይስርሑ ዝነበረ እንትኾን፡ ሰማያዊ ድማ ካብ ሃገራት ወጻኢ ይመጽእ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, ABEBAW AYALEW
እንታይ ይገልጹ?
ኣብ ውሽጢ ስነ-ስእሊ ኣብያተ ክርስቲያን ዕምቆት፣ ርሕቐትን ቕርበትን ከምኡ'ውን ናይ ድሕሪት ከባቢ ዘርኢ ምስሊ ምርኣይ ዘይተለመደ'ዩ።
ኢትዮጵያውያን፡ "ቕርጺ ጥራሕ ዘይኾነ ሓሳብ'ውን እዮም ዝስእሉ" ይብሉ "ሜጀር ቲምስ ኢን ኢትዮጵያን ፔይንቲንግ" ኣብ ዝተብሃለ መጽሓፎም ዘስፈሩ ኮይናትስኪ።
እዚ ዝኾነሉ ምክንያት እንተረድኡ ድማ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ስእሊ፡ ትምህርታዊ እምበር ስነ መልክዕ ዋግኦም ዝተሓተ ስለዝኾነ ንውልቃዊ ስብእና ኣውሮፓውያን ዝህልዎ ጽልዋ ትኹረት ስለዘይወሃቦ'ዩ ይብሉ።
ስእሊ እቶም ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ክንድቲ ሰብ ዝሪኦም፡ እቶም ስእልታት ክንድኡ ዝኣክል ይሪኡ'ዮም ተባሂሉ ይእመን።
እዚ ስእሊ ሓይሊ ከምዘለዎ ክሕሰብ ይገብር።
ኣቀማምጣ ገጽ ሰብ
ምስልታት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣይብሎምን። ኣብዝሓ ግዘ፡ ሰባት፣ ቅዱሳትን መላእኽትን እንትስኣሉ ምንቅስቓእ የብሎምን።
ሓል ሓሊፉ፡ ፈረስ ዝጋልቡ ቅድሳት ኣብ ውሱን ምንቅስቓስ፡ ኮይኖም ይረኣዩ።
ናይ ደቂ ሰባት ገጽ፡ ሰለስተ ዓይነት ጥራሕ ኣቀማምጣ ኣለዎ።

ቅድሳንን ጻድቃናትን፡ ገጾም ሙሉእ ኾይኖም ወይ ሳልሳይ ገጾም እናተርኣየ ይስኣሉ።
እዚ ዝኾነሉ ምክንያት፡ እቲ ምስሊ፡ ኣብቲ ዝርኢ ብሙሉእ ሓይሉ ክበርህ ብዝብል'ዩ።
ሓጥያት ዝሰርሑን ዘይተቐደሱን ድማ ብጎኒ ወይ'ዉን ሓደ ዓይኖም ክርአ ይግበር።
ዘይተፈለጡ ሰኣልቲ
ኣብ ውሽጢ ድርሳናት ዝሰኣሉ ስእልታት፡ መን ከምዝሰኣሎም ዝገልጽ ስም ዝረኣየሎም ኣጋጣምታት ኣለው።
ኮይኑ ግና፡ ሃይማኖታዊ ስእልታት ምስራሕ ከም ሃይማኖታዊ ተግባር ስለዝቑጸር፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ስም ሰኣልቲ ኣይርከብን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







