ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ "ማስክ ዘይገበርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ" ክፍትሑ ጸዊዑ

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብታ ከተማ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ዝረኸቦም ሰባት ከምዝኣሰረ ክግለጽ ከሎ፤ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰታት ኢትዮጵያ እቶም ሎሚ ማስክ ዘይገብርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ላይበርያ፡ ነቓፊ ፕረዚደንት ኣብ ፌስቡክ ብዝለጠፎ ሓበሬታ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

    ማኒፓኬ ዱሞ

    ምንጪ ስእሊ, Menipakei Dumoe/Facebook

    ፖሊስ ላይቤርያ፡ ንሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢተት ዝነጥፍ ሰብ ብምኽንያት እቲ ብፌስቡክ ዝለጠፎ ሓበሬታ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።

    እቲ ማኒፓኬ ዱሞ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ነቲ መንግስቲ ዝተወጠነ ናይ መግቢ ፕሮግራም እዩ ነቒፉ።

    ንሱ ብሰኑይ “ብነጻ ዝዕደል ሩዝ ኣይኮነን ዘድልየን፡ ንሕና ኣብ ሞንሮቭያ [ርእሰ ከተማ ላይቤርያ] እንርከብ ድኻታት፡ መራሕትና ኣቓልቦ ምእንቲ ክህቡና፡ ካላሽንኮቭ እዩ ዘድልየና” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

    ፖሊስ እቲ ጽሑፉ፡ ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

    ዱሞ ግና ቅድሚ ምእሳሩ፡ እቲ መልእኽቱ ተምሳሌት ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ብሓቂ ካላሽን ማለቱ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።

    ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻርቲ ፕረዚደንት ጆርጅ ዌያ ኣብ ቁጠባ ዝኽተሎ ኣተሓሕዛ ብምቅዋም ዝተኻየደ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት ዘዋደደ እዩ።

    ጠበቕኡ፡ ዱሞ በዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝተኣስረ ብምግላጽ ክፍታሕ ጠሊቡ ኣሎ።

    ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ሞሰስ ካርተር ግና፡ እቶም ሰብ መዚ ክሲ ንምምስራት 48 ሰዓታት ከም ዘለዎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ላይቤርያ ካብ 10 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ኮይና፡ ካብ ሰዓት 3 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 6 ቅ.ቀ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን።

    ሰብ መዚ ግና ነቶም ድራር ዕለቶም ንምምዕራር ዝወጽኡ ሰባት ደው ንምባል ተጸጊሞም ኣለው።

    መንግስቲ፡ 25 ሚልዮን ዶላር ብምስላዕ ነቶም ዝያዳ ተጠቃዕቲ መግቢ ክቕርብ ዝብል እማመ ባይቶ ኣጽዲቕዎ ኣሎ።

  2. ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ መጻኢ ንዝግበሩ መገሻታት መምርሒ ኣውጺኡ

    እቲ ሕጊ ዝነድፍ ኣካል ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባል ሃገራት ነዚ መምርሒታት ተግባራዊ ክገብራ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

    • ናይ ባቡርን ኣየርን ገያሾ ዕድጊ ትኬት ብኦንላይን ክፍጽሙ
    • ኣብ እዋን ፈተሻን ባልጃ ምርካብን ኣካላዊ ርሕቐት ክሕሎ
    • ምትንካፋት ንምጉዳል፡ መግቢ፡ መስተን፡ ካልእ ኣቕሑትን ኣብ በረራ ከይሽየጥ
    • ኣብ ነፋሪት፡ ኣውቶቡስን ባቡራትን ቁጽሪ ገያሾ ሒደት ክኸውን
    • ብሓደ ዝነብሩ እንተዘይኮይኖም፡ ገያሾ ተፈናቲቶም ኮፍ ክብሉ
    • መጽሪዪ ኢድ ሳኒታይዘር ኣብ ተሽከርከርቲ፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መደበራት ባቡርን ካልእ ማእከላትን ክቕረብ
    • ኩሎም ሰራሕተኛታት ግቡእ መከላኸሊ ክለብሱ
    • ኣብ ነፈርትን ህዝባዊ መጉዓዝያን እኹል ምዝውዋር ናይ ኣየር ክህልው ይግባእ ኢሉ
  3. ኣብ ኣፍሪቃ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ዝጸንሐት እንኮ ሃገር፡ ፈላማይ ሰብ ኣመዝጊባ

    ሌሴቶ ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ሙቐት ዓቐን እናተኻየደላ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሌሴቶ፡ ፈላማይ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ተገገሊጹ።

    ምሉእ ብምሉእ በታ ልዕሊ 11 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዘለውዋ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸበበት ሌሴቶ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሰብ ከየመዝገበት ዝጸንሐት እንኮ ሃገር እያ።

    ኣብዚ ሰሙን ግና ብርክት ዝበሉ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተበጊሶም ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፉ፡ ሰባት ኣብ ዝተመርመርሉ፡ ሓደ ሰብ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ ኣሎ።

    ተወሳኺ ካብ ኣፍሪቃ

    • ኒጀር መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዕጽዋ፡ ዳግም ይኽፈቱ ኣለው። እቲ ህንጻታት ብጸረ-ባክተርያ ክንጸግ ከሎ፡ በጻሕቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ክገብሩ ይግደዱ። ሴኔጋል’ውን ኣብዚ ሰሙን ስፍራታት ኣምልኾ ኸፊታ እያ።
    • ታንዛንያ ሓደጋ ወራር እቲ ቫይረስ ኣንጸላልይዋ ከም ዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቑ፤ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ግና ክሳብ ክንድዚ ዝጋነን ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ነቲ ሓበሬታ ነጺገምዎ። ብለይቲ ስነስርዓት ቀብሪ እናተኻየደ ዘርእይ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ብዙሓት ነቲ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ክጠራጠርዎ ገይሩ እዩ።
  4. ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ኣመዝጊባ

    ረስኒ ሰብነታ እትዕቀን ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ምዃኑ ዝተገለጸ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ቁጽሪ ሞት ኣመዝጊባ።

    ኣብታ ሃገር ብሰሉስ 881 ሰባት ድሕሪ ምምዋቶም ድምር ቁጽሪ ምውታት 12,400 ምብጽሑ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    በዚ ድማ ብራዚል ኣብ ዝርዝር ዝበዝሐ ሞት ዘመዝገባ ሃገራት ኣብ መበል ሻዱሻይ ተሰሪዓ ኣላ።

  5. "መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ይፈትሑ" ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

    ኣርማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Human Rights Commission

    ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ዝተረኸቡ ሰባት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ እናውዓሎም'ዩ።

    ነዚ ኣመልኪቱ ብማእኸናት ዜና እታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባትን ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዝበጽሑ ጥርዓናትን ዋና ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ኣይተ ዳንኤል በቀለ እቲ ስጉምቲ ትኽክል ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

    "ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ኣድላዪ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ክተግብሮ ዝግበእ መምርሒ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

    ኣስዒቡ ድማ "ብርግጽ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኾነ ሰብ ናብ ከም ዕዳጋ ዝበሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታት፣ ሹቓት፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ካልኦት ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታትን ክኽይድ ከሎ ማሕበራዊ ምፍንታት [ኣካላዊ ምርሕሓቕ] ምዕቃብ ስለዘይከኣል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ይገድድ እዩ" ክብል ኣረዲኡ።

    እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ነቲ መሸፈኒ ከይገበሩ ኣብ ዝርከቡ ሰባት ዝውሰድ ስጉምቲ ማእሰርቲ ግን ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝኾነ ገሊጹ እቲ ኮሚሽነር።

    "ካብዚ ብዝሰገረ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ስጉምትን ነቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ዝጻረርን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ። በዚ ኩነታት ዝተኣሰሩ ሰባት ድማ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም" ኢሉ።

  6. ኣብ ሊባኖስ ዝነብራ ኢትዮጵያውያን “ኣብ ከቢድ ጸገም ንርከብ” ኢለን

    ገዛ እተጽርይ ሰራሕተኛ

    ምንጪ ስእሊ, THIS IS LEBANON/FB PAGE

    ሊባኖስ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ዝኾነ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ውሳነ ኣሕሊፋላ። በዚ ምኽንያት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብራ እናኸበዶም ይመጽእ ከምዘሎ ኣብኡ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ

    ብፍላይ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ተቖጺረን ዝርከባ ደመወዝ ከምዘይኽፈለን ወይ ብፍርቂ ክፍሊት ክሰርሕ ከምዝግደዳ ይግለጽ። ገሊኤን ድማ ዘስርሕወን ሰባት ስለዘባረርወን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይነን ከምዘለዋ ንቢቢሲ ተዛሪበን።

    ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ብምምጽኡ ምሉእ ብምሉእ ገደብ ምንቅስቓስ (ኣዋጅ ዕጽዋ) ተኣዊጁ እዩ።

    እቲ ኣዋጅ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ኮይኑ ክሳብ ሰኑይ ክጸንሕ እዩ። ቅድም ክብል ዝተነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብዝለዓለ መጠን ከምዝወሰኸ ይዝረብ።

  7. መወሸቢ ማእኸላት ትግራይ እንታይ ይመስሉ?

    ሓደ ካብ መወሸቢ ማእኸላት ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, HAGOS GEDEFAY/TWITTER

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብ27 መጋቢት 2020፡ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ናይ ወጻኢ ዜጋ ከም ዝረኸበ ምስ ኣፍለጠ፡ መንግስቲ ትግራይ ካብ ኩለን ክልላትን መንግስቲ ፌደራልን ኣቐዲሙ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንምእዋጅ ዝወሰደሉ ግዜ 14 መዓልታት ጥራሕ እየን።

    ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ሳምንታት፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእሉ ኣንፈታት ከሰላስል ከም ዝጸንሐ ክግለጽ እንከሎ፡ ካቢኔ እቲ ክልል ድማ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ እገዳታት ከንብር ጀሚሩ።

    ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን፣ ካፌታትን ባራትን፣ እንዳ ጫትን ብዙሕ ሰብ ዝርከበሎም ዕዳጋታትን ኩሎም ክዕጸው ብምግባር፡ ሰባት ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሕልው፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

    ድሕሪኡ ብ2 ሚያዚያ 2020 ኣብቲ ክልል መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዝተጀመረ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

    ግን ድማ ኣብታ ሃገር ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክውስክ ስለ ዝተርኣየ፡ ብ10 ሚያዚያ 2020 ካቢኔ እቲ ክልል እቲ ኣቐዲሙ ኣዊጁዎ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዘናውሐ ይገልጽ።

  8. ሆስፒታላት ታንዛንያ ኮሮናቫይረስ ብዝተትሓዙ ሰባት ተጨናኒቐን

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝወደዩ ታንዛንያውያን

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መንግስቲ ታንዛንያ እኹል ሓበሬታ ኣብ ዘይህበሉ ዘሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቑ።

    በቲ ቫይረስ "ብዝለዓለ መጠን" ዝተሓዙ ሰባት ዝርከቡላ ድማ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዳሬ-ስላም ከምዝኾነት መግለጺ እቲ ኤምባሲ ኣመልኪቱ።

    ፕረዚደንት ታንዜንያ ጆን ማጉፉሊ ግን ሰብመዚ ጥዕና ሃገሩ ነቲ ቅልውላው የጋንንዎ ከምዘለዉ ይዛረብ።

    ብ29 ሚያዝያ ወጺኡ ዝነበረ ወግዓዊ መግለጺ እታ ሃገር ከምዘመልክቶ 509 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም'ዮም።

    ካብዚኦም ድማ እቶም 21 ሞይቶም።

  9. ኣብ ኢትዮጵያ 2 ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም

    ሚኒስትሪ ጥዕና

    ምንጪ ስእሊ, MOH

    ሓደ ኣብ ትግራይ ዝነባርነቱ መራሒ መኪናን ካልእ ነባሪ ክልል ሶማልን ብዝተገበረሎም ምርመራ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 2650 ምርመራታት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ’ሎ።

    በዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ 263 በጺሑ'ሎ።

    ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ ብድምሩ 41698 ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብታ ሃገር 148 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ድማ፡ 108 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ይግለጽ።

  10. ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ

    ሑመራ

    ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ምውሳኹ ስግኣት ዝሓደሮም ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

    እቶም ሸቃሎ ኣብ ናይ ክልቲኡ ሃገር ሕርሻዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝናበሩ ዝነበሩ እዮም።

    ብፍላይ መንግስቲ ሱዳን ሰብ ካብ ቤቱ ከይወፅእን ከይወሳወስን ብመሰረት ዘውፅኦ መምርሒን ኣዋጅን ስራሕ ስለዝተዳኸመ እቶም ሸቃሎ ናብ ሃገሮም ምምላስ ከምዝቐንዖም ይዛረቡ።

    እቶም ሸቃሎ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘሎ ጎልጎል ናብ ኢትዮጵያ እንትኣትዉ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ተቐቢሎም ናብ መወሸቢ ቦታ የእትዉዎም ከምዘለዉ ተገሊፁ'ሎ።

    ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ሰበሆ ሓጐስ ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ ብርክት ዝበሉ ሸቃሎ ብፍላይ ኣብ ማይካድራ ተዓቝቦም ኣለዉ።

    ኣብ ሱዳን ዛጊት 1661 ሰባት በቲ ቫእረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ 80 ሰባት ድማ ሞእቶም እዮም።

  11. ሜክሲኮ፤ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶምዋ

    ሜክሲኮ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ሜክሲኮ ትማሊ 353 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም። እዚ ድማ፡ ዛጊት ኣብታ ሃገር ካብ ዝተመዝገበ መዓልታዊ ብዝሒ ሞት ዝዓበየ እዩ።

    ቅድም ክብል ዝለዓለ ብዝሒ መወትቲ ዘመዝገበቶ 100 እዩ ነይሩ። ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ 1,997 ሰባት ከምዝረኸበ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

  12. ኮሮናቫይረስ፡ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ጸገማት ኣለውዋ?

    ስዑዲ ዓረብ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ኣብ ሓደ እዋን ንዜጋታት ግብሪ ዘይተኽፍል ተባሂላ ዝተፈልጠት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ኣቅሑትን ኣገልግሎትን ንዝክፈል ቐረጽ [ቫት] ብሰለስተ ዕጽፊ ከም እተዕብዮ ገሊጻ እያ።

    እዚ ካብ 5 ሚኢታዊት ናብ 15 ሚኢታዊት ክብ እንትብል፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ንዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ወርሓዊ ድጎማ ጠጠው ከተብል እያ።

    እዚ ድማ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየ ምንካይ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ቁጠብኣ ሃሰያ የውርድ ብምህላዉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብቲ ዓውዲ ዝረኽቦ ኣታዊ ብ22 ሚኢታዊት እንትንኪ፡ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ፕሮጀክታት ደው ክብሉ ገይሩ ኣሎ።

    መንግስቲ ዝውንኖ ሳውዲ ኣራምኮ ዝተብሃለ ኩባኒያ ነዳዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝረኽቦ ዝነበረ ዝተጻረየ መኽሰብ ብ25 ሚኢታዊት ጎዲሉ።

  13. ገዲም ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ለንደን ዓሪፉ

    ኣፈወርቂ

    ገዲም ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ሰንበት 10 ግንቦት 2020 ኣብ መበል 71 ዓመቱ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ለንደን ዓሪፉ።

    ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ከባቢ ኪዳነ ምህረት ተወሊዱ፡ ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሩስያን ዓባይ ብሪጣንያን ብስነ-ቀመምን ፖሊቲካል ሳይንስን ብልዑል መዓርግ ክልተ ዲግሪታቱ ዘጠናቐቐ ገዲም ተጋዳላይ ኣፈወርቂ ኣብራሃ፡ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝጀመሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብዕጥቂ ብረት ክቕጽሎ ኣብ ፈለማ 1975 ናብ ቃልሲ ተሰሊፉ።

    ኣፈወርቂ ኣብርሃ ፈለማ ኣብ ክፍሊ ኢደ ስርሓት፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ኣላይን መራሕን ጉጅለ ባህሊ፡ ሓላፊ ጨንፈርን ሞያውን ክፍሊ ስነ-ቐመም ብምዃን ክሳብ ዕለተ ናጽነትን ድሕሪኡን ኣብ ሓያሎ ክፍልታት እቲ ውድብን ተዋጋኢ ሰራዊትን ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ኣገልጊሉ።

  14. ኣብ ኣስመራ ንግዳዊ ትካላት ዳግማይ ይኽፈታ ኣለዋ

    መደበር

    ኤርትራ ኣብ 21 መጋቢት 2020 ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፈ ሰብ ምስ ረኸበት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝተፈለለየ ስጉምታት እያ ወሲዳ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ተግባራዊ ዝኾነ ድማ ምሉእ ዕጽዋ ንሰለስተ ሰሙን ክትእውጅ ከላ፡ ብድሕሪኡ'ውን ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ ክሳብ ሕጂ ይቅጽል ኣሎ።

    ዛጊት ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዝኾነ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከም ዘይተመዝገበ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ የነጽር።

    ጠቕላላ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ ባዶ ናብ 39 ክብ እኳ እንተበለ፡ ብዘይካ ሓደ/ሓንቲ እቶም 38 ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን በብግዚኡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከም ዝተፋነው ሚኒስትሪ ጥዕና ብሰኑይ ገሊጹ እዩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ድማ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ትካላት መሸጣ ናውቲ ህንጻ፡ መጸገኒ ብሽክለታ፡ ትካላት ጽርበት ዕንጭይትን ሓጺንን ከምኡ'ውን ጋራጃትን ክኸፍታ ተነጊርወን ድሮ ስርሐን ጀሚረን ምህላወን ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

  15. ሲንጋፖር ን 323 ሽሕ ወጻእተኛ ሰራሕኛታት ክትምርምር እያ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ሲንጋፖር ዝነብሩ ዘለው ኩሎም 323 ሽሕ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሎም እዩ።

    ኣብ ምዕጋት ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ክስርሑ ንዘለዎም ስራሕቲ ብኣብነት እትስመ ሲንጋፖር፡ ኣብ ሃገራ ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ብዚ ቫይረስ ሓሚሞምዋ እዮም።

    ኣብታ ሃገር፡ ካብ ደቡብ ኤስያ ዝመጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት እንትህልው፡ መብዛሕትኦም ኣብ ስራሕቲ ህንጻ ዝተዋፈሩ እዮም።

    እዚኦም ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ክሳብ 16 ኮይኖም ጽቕጽቕ ኣብ ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ይነብሩ።

    ኣብ ሲንጋፖር ዝርከቡ ኣሽሓት ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ክውሸቡ ተገይሩ’ኳ እንተሃለወ፡ መዓልታዊ ግን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ይርከቡ ኣለው።

    ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 32 ሽሕ ሰራሕተኛታት [10 ሚኢታዊት] በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው። ሲንጋፖር ድማ መዓልታዊ ክሳብ 3 ሽሕ ሰባት ትምርምር ኣላ።

    ኣብዚ እዋን 24,672 ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ከምዘለውን፡ ዳርጋ ኩሎም ድማ ስደተኛ ሰራሕተኛታት እዮም። ካብዚኦም 21 ሞይቶም ኣለው።

  16. ኣውስትራልያን ቻይናን ብስጋ ይዋጠጣ ኣለዋ

    ኣብ መንጎ ቻይናን ኣውስትራልያን ሓድሽ ውጥጥ ይምዕብል ኣሎ። እዘን ሃገራት ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚረን እየን ናብ ምውጣጥ ኣትየን።

    ኣውስትራልያ ልክዕ ከም ኣመሪካ፡ ኮሮናቫይረስ ዝተበገሰሉ ከባቢ ይጻረየለይ ኢላ ትኸስስ።

    በዚ ዝተቖጥዐት ቻይና ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ምህርታት ኣውስትራልያ ኣይዕድግን ክትብል ብኣምባሳደራ ኣቢላ መልሲ ሂባ'ላ።

    ኣውስትራልያ ናብ ወጻኢ ካብ እትልእኾም ኣቑሑት፡ ሓደ መሰለስ ዕዳግኦም ኣብ ቻይና እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ቑጠብኣ ምጉዳል ከስዕበላ ከም ዝኽእል ብምስጋእ ብምላሽ ቻይና ክትሕጎስ ኣይከኣለትን።

    ትማሊ፡ ቻይና ካብ ኣውስትራልያ ተዓሺጎም ንዝመጽኡ ምህርታት ስጋ ከም ዘይትዕድግ ገሊጻ እያ።

    ክልቲኤን ሃገራት ናብ ፖለቲካዊ ምትፍናን ይኣትዋ'ዶ ኣለዋ ንዝብል ግምት እንተዘይተቐበልኦ'ውን፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ግን ነቲ ኹነታት 'ውጥጥ ናይ ስጋ ዲፕሎማሲ' እናበሉ የውግዕሉ ኣለው።

    ስጋ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  17. ትዊተር ሰራሕተኛታቱ ንሓዋሩ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ኣፍቂዱ

    ትዊተር፡ ሰራሕተኛታቱ ንሓዋሩ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ነጊርዎም።

    ሓሙሽተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ትዊተር፡ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ጸኒሖም።

    ድሕሪ ሕጂ ካብ ገዝኦም ንምውጻእ ከም ዝሰግኡን ውጽኢታዊ ዘይክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበለ ትዊተር፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ቢሮ ክኣትው ኣገዳሲ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

    እዚኦም እቲ ናይ ስራሕ መደቦም ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ዘፍቅደሎም’ዮም።

    “ሰራሕተኛታትና ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ከለው ውጽኢታዊ ምዃኖም ርኢና ኢና፤ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ እንተደልዮም ከነፍቅደሎም ኢና” ክብል መስራትን ሓላፍን ትዊተር ጃክ ዶርሲ ገሊጹ።

    ናይ ስራሕ መደቦም ግድን ናብ ቢሮ ዘእቱ ሰራሕተኛታት ድማ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ናብ ቢሮኦም ክምለሱ እዮም።

    ትዊተር ኣብ መላእ ዓለም 35 ቤት ጽሕፈታት ኣለውዎ።

    ትዊተር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  18. ኣብ ስጳኛ 113 ዝዕድሚአን ሰበይቲ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውየን

    ጓል 113 ዓመት ሰበይቲ ካብ ሕማም ኮሮናቫይረስ ሓውያ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ብኮሮናቫይረስ ተለኺፈን ዝጸንሓ ጓል 113 ዓመት ስጳኛዊት፡ ካብቲ ሕማም ሓውየን።

    ኣብ ስጳኛ ብዕድመ ዝዓበያ ምዃነን ዝንገረለን ማሪያ ብራንያስ፡ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ብኽንያት እዚ ለበዳ ኣዋጅ ዕጽዋ ክትእውጅ እንከላ እያ በቲ ቫይረስ ከም ዝሓመማ ተረጋጊጹ።

    ይኹን’ምበር ማሪያ ንሰሙናት ንብሕተን ተወሺበን ብምጽናሕ ክሓውያ ክኢለን ኣለዋ።

    ማሪያ ኣብ ዕድሚአን፡ ካብ 1918-19 ንዝነበረ ለበዳ ‘ስፓኒሽ ፍሉ’፣ ካብ 1936-39 ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ስፔንን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዝበሉ ዓበይቲ ሓደጋታት ርእየን ኣለዋ።

    “ሕጂ ጽቡቕ ኣላ፤ ክትዛረብ፣ ዝነበረቶ ኩነታት ክተብርህ፣ ዝተሰምዓ ክትገልጽ ትደሊ ኣላ” ክትብል ጓላ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

    ማሪያ፡ ብ1907 ኣብ ሜክሲኮ ተወሊዳ፤ ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምስ ስፔናዊ ጋዜጠኛ ኣቡኣ ናብ ካታሎኒያ መጺኣ።

    ኣደ ሰለስተ ቖልዑ ኮይነን፡ እታ ጓል 86 ዓመት ጓለን 11 ደቂ ደቃ፣ እታ ዝነኣሰት ጓል 60 ዓመት ድማ 13 ደቂ ደቃ ዝርኣየት እያ።

    ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ከተማ ኦሎት ኣብ ዝርከብ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ክነብራ ከለዋ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንማዕከን ዜና ስጳኛ ኣብ ዝሃበኦ ቃለ መሕትት፡ “ኣነ ካብ ምንባር ወጻእ ዝገበርኩዎ ነገር የለን” ኢለን ነይረን።

  19. ሓደ ቻይናዊ ኣመሓዳሪ ‘ዓብዪ ስግአት’ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ክህሉ’ዩ ኢሉ

    ምክትል ከንቲባ ከተማ ጂሊን፡ ኮሮናቫይረስ ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ክዝርጋሕ ዝገብሮ ተኽእሎ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ጋይ ዶንግኦኢንግ፡ ከተማ ጂሊን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻርን ደው ንምባልን ስጉምታት ከም ዘቐመጠ’ውን ተዛሪቡ።

    ድሮ ድማ፡ ባቡራት ካብታ ከተማ ከይወጻ ኣጊዳ ኣላ።

    ሎሚ መዓልቲ ሓደሽቲ ሽዱሽተ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክርከቡ ከለው፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሹላን አብ ዝተብሃለት ከተማ 11 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም’ዮም።

    ኩሎም ምስ ሓንቲ ኣብ ቤት ሕጽቦ እትሰርሕ ጓል ብዝነበሮም ምትንኻፍ ዝሓመሙ ምዃኖም ይሕበር። ከተማ ሹላን በዚ ምኽንያት ሙሉእ ዕጽዋ ኣዊጃ ትርከብ።

  20. ሊባኖስ ዳግም 'ምሉእ' ዕጽዋ ኣዊጃ

    ናይ ኣምልኾ ቦታታት ተኸፊቶም

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ሊባኖስ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክትረክብ ስለ ዝጀመረት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር “ሙሉእ” ዕጽዋ ኣዊጃ።

    ካብ ሎሚ ክሳብ 18 ግንቦት 2020 ዝጸንሕ ኣዋጅ እቶ እቶ’ውን ኣዊጃ ኣላ።

    ሚኒስትሪ ሓበሬታ ማናል ዓብደል ሳማድ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ “ኣገዳሲ ንዝኾነ ነገር ጥራይ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ኣለዎ” ኢላ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሰን ዲያብ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 4 መዓልታት ጥራሕ ሓደሽቲ ልዕሊ 100 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም’ዮም።

    ነዚ ድማ ገለ “ተገዳስነት ዝጎደሎም” ሰባት፡ መንግስቲ ኣካላዊ ርሕቀትካ ንምሕላው ንዘውጽኦ መምርሒ ብዘይምስዓቦም እዩ ክብል ነቒፉ።

    ብመሰረት መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብታ ሃገር 870 በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት እንትህልው፡ 26 ድማ ሞይቶም እዮም።

    ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ሊባኖስ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣንቢራቶም ዝነበረት እገዳታት ብምፍኳስ፡ ድኳናት ክኽፈቱን ኣዋጅ እቶ እቶ ክለግስን ገይራ ነይራ። ናይ ኣምልኾ ቦታታት’ውን ድሕሪ ክልተ ወርሒ ንመጀመርታ ግዜ ተኸፊቶም ነይሮም።

    ብምኽንያት እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ተዓጊቶም ዝነበሩ ዜጋታት ምምጻእ ምጅማሮም’ውን ነቲ ሓድሽ መልከፍትታት ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

    ብ 7 ሚያዚያ 2020 ካብ ናይጄሪያ ዝተመለሱ 25 ዜጋታት በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ኮይኖም ተረኺቦም’ዮም። ሰባት ናብ ድኳናት ክኸዱ ከለው’ውን ኣካላዊ ርሕቐቶም ይሕልው ከም ዘይነበሩ ዘርእዩ ምስሊታት ብማሕበራዊ ሚዲያ ይወጽኡ ነይሮም።