ላይበርያ፡ ነቓፊ ፕረዚደንት ኣብ ፌስቡክ ብዝለጠፎ ሓበሬታ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Menipakei Dumoe/Facebook
ፖሊስ ላይቤርያ፡ ንሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢተት ዝነጥፍ ሰብ ብምኽንያት እቲ ብፌስቡክ ዝለጠፎ ሓበሬታ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።
እቲ ማኒፓኬ ዱሞ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ነቲ መንግስቲ ዝተወጠነ ናይ መግቢ ፕሮግራም እዩ ነቒፉ።
ንሱ ብሰኑይ “ብነጻ ዝዕደል ሩዝ ኣይኮነን ዘድልየን፡ ንሕና ኣብ ሞንሮቭያ [ርእሰ ከተማ ላይቤርያ] እንርከብ ድኻታት፡ መራሕትና ኣቓልቦ ምእንቲ ክህቡና፡ ካላሽንኮቭ እዩ ዘድልየና” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።
ፖሊስ እቲ ጽሑፉ፡ ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ዱሞ ግና ቅድሚ ምእሳሩ፡ እቲ መልእኽቱ ተምሳሌት ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ብሓቂ ካላሽን ማለቱ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻርቲ ፕረዚደንት ጆርጅ ዌያ ኣብ ቁጠባ ዝኽተሎ ኣተሓሕዛ ብምቅዋም ዝተኻየደ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት ዘዋደደ እዩ።
ጠበቕኡ፡ ዱሞ በዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝተኣስረ ብምግላጽ ክፍታሕ ጠሊቡ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ሞሰስ ካርተር ግና፡ እቶም ሰብ መዚ ክሲ ንምምስራት 48 ሰዓታት ከም ዘለዎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ላይቤርያ ካብ 10 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ኮይና፡ ካብ ሰዓት 3 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 6 ቅ.ቀ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን።
ሰብ መዚ ግና ነቶም ድራር ዕለቶም ንምምዕራር ዝወጽኡ ሰባት ደው ንምባል ተጸጊሞም ኣለው።
መንግስቲ፡ 25 ሚልዮን ዶላር ብምስላዕ ነቶም ዝያዳ ተጠቃዕቲ መግቢ ክቕርብ ዝብል እማመ ባይቶ ኣጽዲቕዎ ኣሎ።

















