መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ትራምፕ ንፈለማ እዋን መግለጺ ሂቡ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ንትራምፕ ከምዝደወለሉን፡ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ። ንትራምፕ ዮሃናኡ ዝገለጸ ባይደን ምክትሉ ካማላ ሃሪስ ንዘካየደቶ ውድድር'ውን ንኢዱ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • 'ኣመሪካ ዝያዳ ክትሕይል'የ ተስፋ ዝገብር”- ፕረዚደንት ዩክረይን
  • ካማላ ሃሪስ ነቲ ስግግር ስልጣን ከም እትሕግዝ ቃል ኣትያ
  • ዶናልድ ትራምፕ ካቢኔኡ ክመዝዝ ትጽቢት ይግበር
  • ካማላ ስዕረታ ተቐቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ብዙሓት ናብ ጸልማት ንኣቱ ከም ዘለና'ዩ ዝስምዖም፤ ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ተስፋ እገብር" ኢላ
  • ትራምፕ ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ ግዝኣታት መረጻ ኣመሪካ ኣብ ሓሙሽቲአን ተዓዊቱ
  • ሪፐብሊካን ንሰኔት ኣመሪካ ተቘጻጺሮም

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 'ንዓይ'ዩ ዝግባእ' ዝብል ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ መን'ዩ?

  2. ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ዓወት ትራምፕ መግለጺ ሂቡ

    ጆ ባይደን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብቲ ኣብ መረጻ ዝተዓወተ ዶናልድ ትራምፕ ደዊሉ ዮሃናኡ ከምዝገለጸሉ ኣፍሊጡ።

    ድሕሪ ዓወት ትራም ሎሚ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ባይደን፡ ምምሕዳሩ ብሰላማዊ መገዲ ስልጣን ናብቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ንምርካብ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

    ክሳብ እቲ ምስግጋር ዕለት 20 ጥሪ ብወግዒ ዝፍጸም ግን "ከም ፕረዚደንት ሓላፍነተይ ክፍጽም እየ" ክብል ተዛሪቡ።

    "ሃገር ነዚ ወይ ነቲ ክትመርጽ ትኽእል'ያ። እታ ሃገር ዝሓረየቶ ንቕበሎ" ዝበለ ባይደን፡ ንገለ ዓወት'ዩ ንገሊኡ ድማ ስዕረት'ዩ ኢሉ።

    "ምስ ሰዓርካ ጥራይ ንሃገርካ ከተፍቅር ኣይክኣልን'ዩ። ንጐረቤትካ እተፍቅሮ ክተሰማማዕ እንከለኻ ጥራይ ኣይኮነን"።

    "ስርዓተ-መረጻ ኣመሪካ ቅኑዕ፡ ርትዓዊን ግሉጽን እዩ። ክእመን ዝኽእል ድማ'ዩ- ሰዓር ተሰዓር" ክብል ንንጽህና እቲ መረጻ ተኸላኺሉ።

    ንሰብመዚ መረጻ ዘመስገነ ባይደ ዝግብኦም ክብሪ ናብ ንቡር ክምለስ ተሓማሕጺኑ'ሎ። ኣብ መረጻ ምጥፍፋእ ከምዝፍጸም ክገልጽ ዝጸንሐ ትራምፕ ነቶም ሰብመዚ ዒላማ ክገብር ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ምክትሉ ካማላ ሃሪስ ንዘካየደቶ "ኣርኣያ ዝዀነ ጓስጓስ'ውን" ብምንኣድ፡ ድሕሪ ስዕረታ ከምዘዘራረባ ባይደን ጠቒሱ።

    ንደገፍቲ ሰልፉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ "መኻልፍ ዘይተርፍ'ዩ፡ ተስፋ ምቚራጽ ግን ይቕረ ዘይብሃሎ'ዩ" ብምባል "እምነትኩም ኣይተጥፍኡ" ክብል ኣተባቢዑ።

    "ፈጣሪ ንዅልኹምን ኣመሪካን ይባርኽ!"

  3. 'ኣመሪካ ዝያዳ ክትሕይል'የ ተስፋ ዝገብር”- ፕረዚደንት ዩክረይን

    ዘለንስኪ [ኣብ ማእከል እቶም ክልተ መራሕቲ]

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ንዓወት ዶናልድ ትራምፕ ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘሎ ርክብ "ክሃስስ ዘይኰነስ ክሕይል'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።

    ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ዘስመዖ መደረ’ዩ፡ "ኣመሪካ ዝያዳ ክትሕይል ተስፋ እገብር" ክብል ተዛሪቡ።

    "ከምዚ ዓይነት እዩ ንኣውሮጳ ዘድልያ። ንኣመሪካ ድማ፡ ከምኡ ሓያል ኣውሮጳ ተድልያ፡ ኣብ መንጐ እተን መሓዙት ዘሎ ምትእስሳር፡ ዓቢ ዋጋ ክወሃቦ ዘለዎን ክሃስስ ዘይግበኦን እዩ"።

    ብመሰረት ኤኤፍፒ፡ ዘለንስኪ፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዝዀነ ሕድገታት እንተተገይሩሉ፡ "ንዩክረይን ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ንመላእ ኤውሮጳ ድማ ነብሰቅትለት" ምፍፃም ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ።

    ብዙሓት መራሕቲ ምዕራባውያን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትገብሮ ድጋፍ ከይቋረፅ ይምሕፀኑ ከምዘለዉ ይንገር።

    ፈረንሳዊ መራሒ ኣማኑኤል ማክሮን ግን፡ ንመራሕቲ ኣውሮጳ "ጸጥታና ንዘልኣለም ንኣመሪካ ኣሕሊፍና ክንህብ የብልናን" ብምባል፡ ሕጂ ኣውሮጳ "ናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኽ እትፅሕፈሉ" እዋን ከምዝዀነ ኣስሚሩሉ።

    ትራምፕ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ኲናት "ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት" ከብቅዕ ከምዝገብሮ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ እንታይ ከምዝገብር ግን ኣየነጸረን።

  4. መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ካማላ ሃሪስ ስለምንታይ ተሳዒራ?

  5. ኣብ ካቢኔ ትራምፕ ክህልው ብዛዕባ ዝኽእሉ ሰባት እንታይ ንፈልጥ?

    ትራምፕን ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ጐስጓስ መረጻ ትራምፕ ዝዀነት ሱዚ ዊለስን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ትራምፕን ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ጐስጓስ መረጻ ትራምፕ ዝዀነት ሱዚ ዊለስን

    ዶናልድ ትራምፕ ጐስጓስ መረጻ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ገለ መብጽዓታት ይኣቱ ነይሩ።

    ካብዚኦም፡ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳሩ በዓል መን ክህልው’ዮም ዝብል ይርከቦ።

    ኣብዚ ኣብ ቀረባ ክምስርቶ ትጽቢት ዝግበር ካቢኔ ክህልው ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ካብ ዝግመቱ፤

    ሱዚ ዊለስ፤ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻኡ ወሳኒ ተራ ዝነበራ ሱዚ፡ ቀጻሊት ሓለቓ ስታፍ ክትኸውን እያ ተባሂሉ ይግመት። ኣማኻሪት ፖሊሲ ውሽጣዊ ጕዳያት ብሩኪ ሮሊንስ’ውን ነዚ ቦታ ትሕመ።

    ሮበርት ኤፍ ኬነዲ ጁንየር፤ ትራምፕ እንተተመሪጹ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ብውልቁ ተወዳዲሩ ዝፈልጥ ብክታበት ዘይኣምን ሮበርት፡ ኣብቲ ካቢኔ ክህሉ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

    ማይክ ፖምፒዮ፤ ዳይሬክተር ሲኣይኤን ጸሓፊ ጕዳያት ወጻእን ምምሕዳር ትራምፕ ነበር ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

    ሪክ ግሬኔል፤ ኣብ ዝቐደመ ምምሕዳር ትራምፕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ከምኡ’ውን ግዝያዊ ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ኰይኑ ኣገልጊሉ። ሕጂ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ወይ’ውን ሃገራዊ ድሕነት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

    ኢሎን መስክ፤ ኣብዚ መረጻ ብዛዕባ እዚ ሃብታም ዓለምና መስክ ብዙሕ ክንሰምዕ ጸኒሕና ኣለና። ትራምፕ ንመስክ፡ ኣብ ምምሕዳሩ ካብ ካቢኔ ወጻኢ ዝዀነ ተራ ክህቦ ምዃኑ ከአንፍት ተሰሚዑ እዩ።

  6. መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

  7. ካማላ ሃሪስ ድሕሪ ዝገጠማ ስዕረት እንታይ ኢላ?

    ካማላ ሃሪስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ካማላ ሃሪስ

    ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2024 ዝተስዓረት ሕጽይቲ ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ፡ “ብዙሓት ናብ ጸልማት ዘመን ንኣቱ ዘለና ይስምዖም ኣሎ። ከምኡ ከም ዘይኰነ ግን ተስፋ እገብር” ክትብል ተዛሪባ።

    ንሳ፡ ኣብቲ ዝተመሃረትሉ ዩኒቨርሲቲ ሆዋርድ ተረኺባ ኣብ ዘስምዓቶ ዘረባ፡ “ኣብ ትሕቲ ጸልማት ከዋኽብቲ ኢኻ ክትርኢ እትኽእል” ብምባል ንደገፍታ ኣተባቢዓ።

    ደገፍታ፡ እወታዊ መንፈስ ሒዞም ክቕጽሉ’ውን ጸዊዓ።

    ሃሪስ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ብፍላይ ድማ ደገፍቲ ዲሞክራት “ተስፋ ኣይትቝረጹ፤ ሕጂ’ውን ሓይሊ ኣለኩም” ኢላ።

    እቲ መረጻ ብዓወት ትራምፕ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ “ሰባት ቃልሶም ደው ንኸየብሉ” ክትምሕጸን እንከላ፡ “ኣእዳውና ዓጺፍና ኰፍ እንብለሉ ግዜ ኣይኰነን” ክትብል ተዛሪባ።

    “ንናጽነትን ፍትሕን ከምኡ’ውን ኵላትና ብሓባር ንእንሃንጾ መጻኢ፡ ንምውዳብ፡ ንምንቅስቓስን ንምስታፍን ግዚኡ ሕጂ’ዩ” ብምባል ብፍላይ ንመናእሰይ ደገፍቲ “ኵሉ ሰናይ ክኸውን’ዩ” ክትብል ኣጸናኒዓ።

    ወሲኻ፡ “ሓሓሊፉ፡ ቃልሲ ግዜ ክወስድ ይኽእል፡ እዚ ማለት ግን ኣይንዕወትን ማለት ኣይኰነን። ንሃገርና እንገብሮ ቃልሲ ወትሩ ዋጋ ኣለዎ፡” ኢላ።

  8. ትራምፕ ተዓዊቱ፤ ንዝቕጽሉ 74 መዓልቲታት ግን ናብ ዋይት ሃውስ ኣይክኣቱን’ዩ

    ዶናልድ ትራምፕ፡ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ።

    እዚ ናብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ገዲፉዎ ዝወጽአ ቤተ መንግስቲ ዘምልሶ ዓወት’ኳ እንተዀነ፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ግን ናብ ዋይት ሃውስ ኣይኣቱን።

    መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ኣመሪካ፡ ካብ ከም ብሪጣንያ ዝበላ ሃገራት ዝተፈለየ እዩ።

    ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኰይኑ ዝተመዘዘ ሰር ኬር ስታመር፡ ሪሺ ሱናክ ሳንጣኡ ጠቕሊሉ ቅድሚ ምውጽኡ’ዩ ስልጣን ተረኪቡ።

    ኣብ መላእ ኣትላንቲክ ድማ፡ ስግግር ስልጣን ቅሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስድ።

    ትራምፕ ክሳብ 20 ጥሪ 2025 ፕረዚደንት ኣይከውንን።

    ክሳብ ሽዑ፡ ጆ ባይደን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ’ዩ።

    ደገፍቲ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, AP

    መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ትራምፕ
  9. ዓወት ትራምፕ ንዓለም ዘለዎ ትርጕም

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ

    ምልሶት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ርዱእ'ዩ።

    ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ኲናትን ዘይምርግጋእን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

    ቅድሚ ምምራጹ ኣብ ዘካየዶ መስርሕ ጐስጓስ ዝርዝር ዘይብሉ "ቀዳምነት ኣመሪካ" ኣብ ዝብል መትከል ዝተሞርኰሰ ሓፈሻዊ ፖሊሲ ከም ዘለዎ ጥራይ'ዩ ዝገልጽ ነይሩ።

    እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ዘይምእታውን ንግዳዊ ምክልኻልን ዝተመስረተ'ዩ።

    ኣብዚ ሓያለ ቅልውላዋት ዓለም ተፈጢሮምሉ ዘለዉ እዋን ምዕዋቱ ድማ፡ ንዝጸንሐ ቅኒት ፖሊሲ ዋሽንግተን ዝዘርግ ምዃኑ ዝእምት'ዩ።ንምሉእ ትሕዝቶ ነዚ መላግቦ ሰዓቡ

  10. ትራምፕ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ካቢኔኡ ከፍልጥ’ዩ

    ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ከምኡ'ውን መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ'ዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ከምኡ'ውን መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ'ዩ

    ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝቕጽሉ “መዓልቲታትን ሰሙናትን” ናብ ዋይት ሃውስ ሒዙዎ ዝኣቱ ካቢነ ክመዝዝ ክጅምር እዩ።

    እዚ፡ “ህይወት ኣመሪካውያን ተጠላቢ፡ ውሑስን ድሑንን ክኸውን” ዝገብሩ ፖሊሲታት ናይ ምሕንጻጽ ዓቕሚ ዘለዎም ክኢላታት ዘካተተ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

    ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ጸቕጢ ዘሕድር ዘሎ ልዑል ዝቕባበ ዝተርኣዮ ቍጠባ ንምሕዋይን ጕዳያት ኢሚግሬሽን ንምፍታሕን ከም ዝሰርሕ ተመባጺዑ።

    እቲ ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ንምንባር ፍቓድ ዘይብሎም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ብጅምላ ንምስጓግ ዝሓዞ መደብ ንምዕዋት ድጋፍ ኮንግረስ ከድልዮ’ዩ።

    ማእከል መጽናዕቲ ፒው ዝኣከቦ መረዳእታ፡ ብ2022 ጥራይ ኣስታት 11 ሚልዮን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ነይሮም።

    ትራምፕን ደገፍቱን ድማ፡ እዚ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይምጕቱ።

  11. መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ካማላ ሃሪስ ስለምንታይ ተሳዒራ?

    ካማላ ሃሪስ፡ ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ፕረዚደንት እያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ካማላ ሃሪስ፡ ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ፕረዚደንት እያ

    ትማሊ፡ ሰብመዚ ጐስጓስ ሃሪስ ዝዀነ ዓይነት ርእይቶ ከይሃቡ’ዮም ውዒሎም።

    ገለ ተሓጋገዝታ ድማ እቲ ውድድር መረጻ ከም ትጽቢቶም ብዘይምዃኑ ስንባደኦም ብንብዓት ገሊጾምዎ።

    ኣካያዲት ጐስጓስ ሃሪስ ጂን ኦ’ማሊ ዲሎን ትማሊ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኸቶ ኢመይል እቲ ስዕረት “ክትግምቶ ዘይትኽእል መሕመሚ’ዩ፤ ከቢድ'ዩ። እዚ ንኽትቅበሎ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ'ዩ” ኢላ።

    ካማላ፡ ኣብዚ እዋን ምኽትል ፕረዚደንት ብምዃና፡ ንርእሳ ካብቲ ብዙሕ ነቐፌታታት ዝቐርበሉ ፕረዚደንት ፈልያ ከተቕርብ ኣይከኣለትን።

    በዚ ምኽንያት፡ነቲ ብሰንኪ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝርከብ መራጺ ሒዛቶ ክትመጽእ እትኽእል ለውጢ ዝምልከት ከተእምን ኣይከኣለትን።

    ትማሊ ምሸት ንደገፍታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡“ተስፋ ኣይትቝረጹ” ኢላ።

    ይዅን’ምበር፡ ኣብ ምንታይ’ያ ተጋግያ? ካልእ ዝሓሸ ነገር እንታይ ክትገብር ትኽእል ነይራ?

  12. ጆ ባይደን ዘረባ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር

    ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክሳብ መፋርቕ ሓምለ ኣብቲ መረጻ ክወዳደር ተሓጽዩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክሳብ መፋርቕ ሓምለ ኣብቲ መረጻ ክወዳደር ተሓጽዩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ምሸት መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

    ንሱ፡ ክሳብ መፋርቕ ሓምለ 2024፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ዲሞክራት ኰይኑ ኣብ መረጻ እዚ ዓመት ክሳተፍ መደብ ከም ዝነበሮ ይዝከር።

    ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት፡ ባይደን እቲ ኣብ 2020 ዝረኸቦ ዓወት ክደግሞ እዩ ዝብል እምነት ነይሩዎም።

    እንተዀነ፡ ድሕሪ’ቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ ፈላማይ መድረኽ ክትዕ ዘርኣዮ ብቕዓት፡ ኣብ ዙርያ "ኣካላውን ተገንዝቦኣዉን" ብቕዓቱ ሓያሎ ስክፍታታት ክለዓሉ ጀሚሮም።

  13. ጆርጅ ቡሽ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ

    ጆርጅ ቡሽ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ንምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ።

    ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብዚ ምርጫ'ዚ ዝተራእየ ልዑል ተሳትፎ ምልክት ጥዕና ሃገርናን ጽንዓት ደሞክራስያዊ ትካላትናን እዩ" ኢሉ።

    "ምስ ዜጋታትና ብምሕባር፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝተመርጹ ሓደስቲ መራሕትና ንክዕወቱ ንጽሊ"።

    ቡሽ፡ ንፕረዚደንት ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን'ውን "ንሃገርና ንዝሃብዎ ኣገልግሎት" ኣመስጊኑ።

    ካብ 2001 ክሳብ 2009 ንክልተ እብረ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ጆርጅ ቡሽ ንዝኾነ ሕጹይ ደገፉ ኣይገለጸን። ጓሉ ባርባራ ቡሽን ግን ብወግዒ ንካማላ ሃሪስ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ ነይራ።

  14. ካማላ ሃሪስ ስዕረታ ብወግዒ ተኣሚና

    ካማላ ሃሪስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዛጊት ድሕሪ ስዕረታ ዝኾነ መግለጺ ዘይሃበት ካማላ ሃሪስ ንዶናልድ ትራምፕ ደዊላ ዮሃናኣ ገሊጻ።

    ኣብ ዝርርባ፡ ሰላማዊ ምስግጋጋር ስልጣን ኣገዳሲ ብምኻኑ ብምግላጽ፡ ናይ ኩሎም ኣመሪካውያን ፕረዚደንት ክኸውን ከምዘድሊን ገሊጻትሉ ክብል መደበር ተለቪዢን ሲ-ቢ-ኤስ ሓቢሩ።

    ናብቲ ናይ ዓወት ጽንብል ከተካይደሉ ዝሓሰበት ዋርድ ዩኒቨርሲቲ ብምኻድ ብወግዒ መግለጺ ክትህብ ትጽቢት ይግበር።

    ምሩጽ-ፕረደንት ትራምፕ ኣብቲ ምርጫ ብሰፊሕ ዝተዓወተ ዀይኑ፡ ከምኡ’ውን ካብተን ወሰንቲ ግዝኣታት ኣብ ሰሜን ካሮላይና፡ ጆርጅያ፡ ዊስኮንሲንን ፐንሲልቨንያን ተዓዊቱ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

    ካብተን ዝተረፋ ሰለስተ ወሰንቲ ግዝኣታት ኣሪዞና፡ ሚቺጋን፡ ኔቫዳን ከምኡ’ውን ካብ ሜይን ውፅኢት ክመፅእ ተፅቢት ይግበር ኣሎ።

    ሰልፊ ሪፓብሊካን ንሰኔት እውን ዝዓብለሎ ዀይኑ፡ ሕጂ ካብቶም 100 መናብር 52 ተቖፃፂሩ ኣሎ።

    ተወሳኽቲ ሓሙሽተ ግዝኣታት ገና ውፅኢተን ኣየፍለጣን።

  15. ዓወት ዝውስን ቁጽሪ ፍሉይ ድምጺ (ኢለክቶራል ኮለጅ)

    ካርታ ሓበሬታ
  16. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንትራምፕ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ

    ኢሳይያስ ኣፍወርቂ

    ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/X

    ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብዓወት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሰምዖ ሓጎስ ብምግላጽ ዮሃናኡ ሰዲዱ።

    እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ መሊሱ "መበል 47 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ምምራጹን" ዘለዎ ናእዳ ከምዝገለጸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኤክስ ጠቒሱ።

    ዓወት ትራምፕ "ሰላም ዓለም ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ወሳኒ እዋን ዝተኸሰተ" ከምዝኾነ'ውን እቲ ኤርትራዊ መራሒ ኣመልኪቱ።

    "በዚ ኣጋጣሚ፡ ነዚ ወሳኒ ዕላማ'ዚ ዘለካ ንጹር መርገጺ ዘለና ሰናይ ትምኒት ነቕርበልካ"።

    ትራምፕ ምምራጹ፡ "ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ውጽኢታውን ሃናጽን ርክብ ንክህሉ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት" ተስፋ ከምዘለዎ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሚቱ'ሎ።

    እቲ ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ መረጻ፣ ብዘይ ተቓውሞን ቅዋምን ንኤርትራ ንልዕሊ 33 ዓመት ዝመርሓ ፕረዚደንት፡ ምስ ምምሕዳራት ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኣመሪካ ኣብ ምትፍናን ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ'ውን ሃናጺ ከምዘይኮነን ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይኑ ምንሑን'ዩ ክምጉት ዝስማዕ።

    ብፍላይ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ባይደን ምስ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝሓሸ ዝምድና ዝጸንሖ ምዃኑ ንኤርትራ ባህ ኣየበላን።

    ኣብ 2021 ኣመሪካ ንሰራዊት ኤርትራን ላዕለዋይ ኣዛዚኡ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ትካላት ንግዲ ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ንገለ ወሰንቲ ሰበስልጣን እታ ሃገርን ምስቲ ኤርትራ ኢዳ ዝሓወሰትሉ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ እገዳ ከምዝገበረትሎም ይዝከር።

    ንነዊሕ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክባተን'ው ካብ ኣምባሳደራት ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት ወሪዱ ይርከብ።

  17. እንታይ ዝበለ ዓወት እዩ!

    ዶናልድ ትራምፕ፡ እንሆ ደጊሙ ናብ ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ይምለስ ኣሎ። እዚ ምልሶት’ዚ ድማ፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ንሂላሪ ክሊንተን ድሕሪ ምስዓሩ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ብ ጆ ባይደን ድሕሪ ምግላፉን እዩ።

    እዚ ታሪኻዊ ዓወቱ፡ ድሕሪ’ቲ ፍጻመ 6 ጥሪ ኣዳራሽ ካፒቶል ዘጋጠመ ኵነታት፡ ፕረዚደንትነቱ ዝሓደገ ትራምፕ፡ ደጊምስ ፖለቲካዊ ህይወቱን ዝናኡን ተበላሽዩ ተባሂሉ ዝነበረ ብምዃኑ እዩ ዝያዳ ዕዙዝ ዝገብሮ።

    እቲ ብዲሞክራታውያንን ብገለ ሪፓብሊካንን ከይተረፈ ብኸቢድ ዝተወገዘ ትራምፕ፡ ናብ ጥርዚ ስልጣን ኣመሪካ ዝመለሶ ጕዕዞ ኣርባዕተ ዓመት ብዘይምሕላል ከምዘበገሰ ይፍለጥ።

    ትራምፕ ኣብ ገለ እዋናት መደረታቱ፡ ትዅረት ዝሰኣነን ገራጭን ዝመስል’ኳ እንተነበረ፡ ብብቝዓት ሞያውያን ተኸቢቡ ናብዚ ደረጃ ከምዝበጽሐ ይፍለጥ። ኣመሪካውያን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ጉዳያት - ኢሚግሬሽንን ቁጠባን - ንትራምፕ ከምዝኣምንዎን፡ እቲ ኣብ እዋን ጎስጓሱ ኣብዞም ጉዳያት ኣተኲሩ ብዘይዕረፍቲ ዘሕለፎ መልእኽቲ ጽልዋ ከምዝገበረ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

    ኣባላት ጐስጓስ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ነቲ ድሒሩ ካብ ባይደን ናብ ካማላ ዝቐየረ ለውጢ ዲሞክራታውያን ከመይ ከምዝሕዝዎ ግርታ ፈጢሩሎም ከምዝነበረ ተራእዩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ፕረዚደንት ነበር ንዅሉ’ቲ ኣብ ቅድመኡ ዝነበረ ማዕበል ጸረ-ምልሶቱ ጥሒሱ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ኣቕኒዑ ኣሎ።

    ሕጂ ተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ዝተመሓየሸ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ፡ ነቲ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝኣተዎ መብጽዓታት ናብ ተግባር ንምቕያር ሃረርታ ኣለዎ።

    እንታይ ዝበለ ዓወት እዩ!

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  18. ካብ ሪል ስቴት ናብ ፖለቲካ ዝኣተወ ዶናልድ ትራምፕ መን'ዩ?

    ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ትራምፕ ራብዓይ ውላድ ጐብለል በዓልቲ ሃብቲ ሪል ስቴት ኒውዮርክ ዝዀነ ፍረድ ትራምፕ እዩ።

    ስድራቤት ትራምፕ ኣዝያ ሃብታም እያ።

    እንተዀነ፡ ትራምፕ መንእሰይ እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ትካል ኣቦኡ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

    ኣብ 13 ዓመት ዕድመኡ ሕማቕ ባህሪያት ከርኢ ምስ ጀመረ ናብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ተላኢኹ።

  19. ትራምፕ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ተዓዊቱ፡ መበል 47 ፕረዚደንት እታ ሃገር ክኸውን እዩ

    ዶናልድ ትራምፕ ኣገዳሲት ግዝኣት ዝዀነት ዊስኮንሲን ብ10 ኤለክቶራል ኮለጅ ብምዕዋት፡ ካብቲ ዝድለ 270 ድምጺ ዝበጽሕ ደረት ንላዕሊ ብምርካብ ነቲ ዓወት ወሲድዎ።

    ስለዚ ዶናልድ ትራምፕ ሕጂ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ክኸውን እዩ።

    ዊስካንሰን
  20. መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

    ካብ መንጎ ክልቲኦም መን እንተተመረጸ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ “ፖሊሲ ኣመሪካ ምስ ረብሓኦም ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ ብዙሕ ምቅይያራት ኣይረአን’ዩ ስለዚ ካማላ ትመረጽ ዋላ ትራምፕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎም ፖሊሲ ክቕይየር ዝኽእል ኣይኰነን”

    “ንሶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ምስ ፖሊሲ ጥዕና፡ ሽቕለት ኣልቦነት ጉደይ ስደተኛታትን ካልእን ኣብ ዝምልከት’ዮም ለውጥታት ዝገብሩ’ምበር ሪፓብሊካን ይዅኑ ዲሞክራትስ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ብዙሕ ምቅይያራት ኣይገብሩን’ዮም” ይብል።

    ብምስዓብ፡ “ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ከኣ ብፍላይ ካብ ክልቲኦም ዝተመረጸ ይመረጽ ዘምጽእዋ ለውጢ ይዅን ኩስቶ ይሓይሽ ትብለሉ ኣይኰነን” ይብል ዓቡራሕማን።

    ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም
    መግለጺ ስእሊ, ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም