ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም
ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኦም፡ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ማጆረ፡ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።
ሬሳ ናይቶም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ዝኾኑ ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ቫቲካን ብመኪና'ዩ ብማእከል እታ ከተማ ሓፈኡፉ ናብቲ ቦታ በጺሑ።
ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነስርዓት ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝጸሩ ቀባሮ ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ካርዲናላት እታ ቤተክርስትያን ሓድሽ ርእቀ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምምራጽ ኣብ ምስጢራዊ ጉባኤን ስባኤን ክጽመዱ'ዮም።