ስርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ

ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም
  • ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም
  • ኣብ ክፍላ ለካቲት ብሰንኪ ዝሓደሮም ሕማም 'ድርብ ኒሞንያ' ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ይዝከር
  • ስርዓተ ቀብሮም ክሳብ ዝፍጸመላ ናይ መወዳእታ ህሞት ሬስኦም ንምርኣይ ኣሽሓት ሰባት ካብ መላእ ዓለም ውሒዞም።
  • ካብ ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ጥራይ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ኣኽብሮቶም ከምዘቕረቡ ቫቲካን ሓቢራ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም

    ኣቡነ ፍራንሲስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኦም፡ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ማጆረ፡ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

    ሬሳ ናይቶም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ዝኾኑ ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ቫቲካን ብመኪና'ዩ ብማእከል እታ ከተማ ሓፈኡፉ ናብቲ ቦታ በጺሑ።

    ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነስርዓት ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝጸሩ ቀባሮ ተረኺቦም ነይሮም።

    ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ካርዲናላት እታ ቤተክርስትያን ሓድሽ ርእቀ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምምራጽ ኣብ ምስጢራዊ ጉባኤን ስባኤን ክጽመዱ'ዮም።

  2. ሬሳ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንሲስ ዝተፋነወላ መኪና

    ሬሳ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንሲስ ዝተፋነወላ መኪና

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    'ፖፕሞባይል' ነታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን ወግዓዊ ምብጻሕ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪናኦም ዝተወሃበ ሳጓ እዩ።

    ድሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምውሓስ ብፍሉይ ዝተዳለወት ኮይና፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላ ዝዓጠቐትን ጥይት ዘይኣትዎ መስትያት ዘለዋን እያ።

    ኣብ ድሕሪት ደው ዝብብሉ ወይ ኮፍ ዝብሉሉ ቦታ ኣሎ። እቲ መንበር ድማ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንክርእይዎም ልዕል ኢሉ ዝተሰርሐ እዩ።

    ንኽልተ ተሓጋገዝቶም ዝኸውን መንበር እውን ኣለዎ።

    ሎሚ ከኣ ዳሕረዋይ ኣካላ ሳንዱቑ ሬሳኦም ንምስካም ብዘኽእል ኩነታት ተሰሪሑ።

  3. ስነስርዓት ቅዳሴ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተዛዚሙ

    ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነስርዓት ቅዳሴ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ተዛዚሙ።

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጎደናታት ሮማ ተሰሎፎም፡ ካብ ከተማ ቫቲካን ዝተበገሰ ሬሳ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ናብቲ ንሶም ዝቕበሩሉ ካተድራል ኣፋንዮሞ።

    እቲ ሬሳ ካብ ቫቲካን ተበጊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ሩባ ቲበር 6 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር ተኸቲሉ፡ ብድሕሪኡ ብማእከል ሮማ ኣቢሉ ናብ ፒያዛ ቬነዝያ፣ ብኮሎስየም ሓሊፉ፣ ናብ ሰሜን ተጠውዩ ናብ ሳንታ ማርያ ማጅዮረ በጺሑ።

    ህዝቢ ብቐጥታ ብድሕሪ እቲ ሰልፊ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጎደናታት ብድሕሪ ሓጹር ኮይኑ ጥራይ እዩ ንጉዕዞ ናይቲ ሬሳ ዘፋንዎ ዘሎ።

    ሰለስተ ሽሕ ወለንተኛታት ኣብ መንገዲ ተሰሊፎም ንፈለስቲ ኣንፈት፣ ሕክምናዊ ሓገዝን ማይን ከምዝህቡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለው።

    ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዝግበር ቀብሪ ንህዝቢ ክፉት ኣይክኸውንን እዩ።

    ስነስርዓት ቅዳሴ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተዛዚሙ
  4. ብጻየን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምስንባት ጽኑሕ ወግዒ ቤተክርስትያን ዝጠሓሳ ድንግል

    ሓደ ካብ ቤተክርስትያን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ - ቫቲካን ዝተወስደ ቪድዮ፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ መነኮስ፡ ነቶም ነዊሕ ዓመታት ብጻየን ዝነበሩ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮ ንመወዳእታ ግዜ ኣኽብሮተን ክገልጻን ክሰናበታን ኢለን ንጸንሐ ወግዒ ፕሮቶኮል ጥሒሰን ናብ ክፉት ሳንዱቕ ሬሳ እቶም ኣቡን ክቐርባ የርኢ።

    እተን ናይ ቀረባ መሓዛ ኣቢነ ፍራንቸስኮ ዝዀነ ሲስተር ጀነቪቭ ጂኒንግሮስ ኣብቲ ዘይፍቝድ ቦታ ቀሪበን፡ ዓሚቝ እናነብዓ ንሓያሎ ደቓይቕ ቀው ኢለ ክጥምታኦም ይረኣያ።

    እተን ጓል 82 ዓመት ፈረንሳዊት መነኮስ ምስ ማሕበረሰብ ሕደ-ጾታ ብዝሰርሓኦ ስራሕ ይፍለጣ። ንሰን ጓል ሓፍተን ነተን ኣብ 1977 ብወተሃደራዊ ምልካዊ መንግስቲ ኣርጀንቲና ተጨውየን ዝተቐትላ መነኮስ ሌዮኒ ዱኬት እየን።

    መግለጺ ቪድዮ, ብጻየን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምስንባት ጽኑሕ ወግዒ ቤተክርስትያን ዝጠሓሳ ድንግል
  5. ትራምፕን ዘለንስክን ኣብ ውሽጢ ዘመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ይላዘቡ

    ትራምፕን ዘለንስክን

    ምንጪ ስእሊ, Andriy Yermak/Telegram

    ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ክሳተፉ ናብ ቫቲካን ዝመጹ መራሕቲ ኣመሪካን ዩክረይንን ብዛዕባ ሰላም ተዘራሪቦም።

    እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንታት ቮሎድሚር ዘለንስኪን ዶናልድ ትራምፕን ዝተኻየደ ሓጺር ርክብ 'ኣዝዩ ውጽኢታዊ' ከምዝነበረ ዋይት ሃውስ ገሊጹ።

    ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺቦም፡ "ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዘተ" ኣካይዶም ይብል እቲ ብወገን ዋሽንግተን ዝወጸ ሓበሬታ።

    ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣብ ‘ኦቫል ኦፊስ’ ድሕሪ ዘካየዱዎ ናብ ካልእ ኣንፈት ዝኸደ ክትዕ ንፈለማ እዋን እዮም ኣብ ቫቲካን ዝራኸቡ ዘለዉ።

    ትራምፕን ዘለንስኪን ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ካልኣይ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

    እቲ ርክብ ኣውሽጢ'ቲ ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ ዓቂቡ ዝጸንሐ ሕምብርቲ ካቶሊካዊት ምክያዱ ንመንፈስ ናይቶም ንሰላም ዝጽዕቱ ዝነበሩ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘንጸባርቕ ትእምርቲ ኮይኑ'ሎ።

    ነቲ ርክብ ዝገልጽ ስእሊ፡ እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ዓሚቚ ዕላል ተዋሒጦም የርኢ።

  6. ኢጣልያዊ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ስብከት ኣስሚዖም

    ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ብዛዕባ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ፡

    "ምስ ውልቀ ሰባትንን ህዝብታትንን ቀጥታዊ ርክብ ፈጢሩ፡ ምስ ኩሉ ሰብ ክቐርብ ዝህንጠ፡ ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ፍሉይ ኣቓልቦ ሂቡ፡ ንነብሱ ብዘይ መዐቀኒ ብፍላይ ድማ ንገለልተኛታት፡ ናይ መወዳእታ ክብሪ ሂቡ"።

    "ኣብ መንጎ ህዝቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም ነይሮም፣ ንኹሉ ክፉት ልቢ ዝነበሮም። ንናይ ዘመን ምልክታት እውን ዝከታተሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም ነይሮም።"

    ኢጣልያዊ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  7. 200 ሽሕ ሰባት ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ተረኺቦም - ቫቲካን

    ቫቲካን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 200 ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉ ኣፍሊጣ።

    ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ከባቢኣን ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 200 ሽሕ ሰባት ይሳተፉ ከምዘለዉ ገሊጻላ።

    ፖሊስ ኢጣልያ ብወገኑ ነቲ ኣቐዲሙ ዘቐመጦ ኣሃዝ ኣመሓይሹ፡ እቲ ቁጽሪ ኣስታት 150 ሽሕ ከምዝበጽሕ ሓቢሩ።

    እዚ ድማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ኣስታት 50 ሽሕ ዘጠቓልል እዩ።

    ስእሊ ር.ሊ.ጳ ዝሓዘት ቆልዓ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ንቐብሪ ካብ መንጎ ዝተኣከቡ ሰባት ሓንቲ ዝኾና 'ሲስተር'

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ዝተኣከቡ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  8. 'ሮማ ንፍራንቸስኮ ብፍቕሪ ትሓቑፎ'

    ፖስተር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እታ 'ርእሰከተማ ዓለም' ተባሂላ ትፍለጥ ሮማ፡ ሎሚ ካብ ካልእ መዓልቲ ብዝተፈለየ ኣማኢት ኣሽሓት በጻሕቲ ኣአንጊዳ'ላ።

    ናይ ሎሚ ኣጋይሽ ግን ንሓድግታት ጥንታውያን ሮማውያን ንምብጻሕ ዝመጹ ዘይኮኑ፡ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ብምቕሉልነቶም ዝፍለጡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከይሓልፎም ካብ ኩሉ ጫፋት እዛ ምድሪ ዝወሓዙ'ዮም

    ሰማያት ሮማ ሎሚ ፍሉይ ደበና ሓዘን ሸፊኑዎ ውዒሉ'ሎ።

  9. ስርዓተ-ቅዳሰ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጀሚሩ

    ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ ወግዓዊ ስርዓተ-ቅዳሰ ንምጅማር ካብ ውሽጢ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ቅርዓት ወጺኡ'ሎ።

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካርዲናላት፡ ኣቡናት፡ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን፡ ንጉሳትን ንግስትታትን፡ ከምኡ'ውን ኣስታት 300,000 ኣመንቲ ኣብቲ ስነስርዓት ጸሎትን ምህለላን ይሳተፉ ኣለዉ።

    እቲ ብላዕለዎት መራሕቲ ቤተክርስትያን ዝምራሕ ዘሎ ስርዓተ-ቅዳሰ ብቋንቋ ላቲን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

  10. ስርዓተ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ, ኣሸሓት ሃይማኖታዊ ኣቦታት፣ መራሕቲ ሃገራትን ንጉሳውያን ስድራን ከምኡ'ውን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ቫቲካን ተረኺቦም።

    ኣሸሓት ሃይማኖታዊ ኣቦታት፣ መራሕቲ ሃገራትን ንጉሳውያን ስድራን ከምኡ'ውን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ቫቲካን ተረኺቦም።

    መግለጺ ቪድዮ, ኣብቲ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ስነስርዓት ቀብሪ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ይሳተፉ ኣለዉ።
  11. ኣሳእል ካብ ስነስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ

    ኣብቲ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ስነስርዓት ቀብሪ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ይሳተፉ ኣለዉ።

    ኣሸሓት ሃይማኖታዊ ኣቦታት፣ መራሕቲ ሃገራትን ንጉሳውያን ስድራን ከምኡ'ውን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ቫቲካን ተረኺቦም።

    ምንጪ ስእሊ, Aba Fresghi

    መግለጺ ስእሊ, ኣሸሓት ሃይማኖታዊ ኣቦታት፣ መራሕቲ ሃገራትን ንጉሳውያን ስድራን ከምኡ'ውን ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ቫቲካን ተረኺቦም።
    ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ከገልግሉ ጸኒሖም።

    ምንጪ ስእሊ, Aba Fresghi

    መግለጺ ስእሊ, ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ከገልግሉ ጸኒሖም።
    ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም።

    ምንጪ ስእሊ, Aba Fresghi

    መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም።
    ካብ ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ጥራይ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምስንባት ሬሳ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ኣኽብሮቶም ከምዘቕረቡ ቫቲካን ሓቢራ።

    ምንጪ ስእሊ, Aba Fresghi

    መግለጺ ስእሊ, ካብ ረቡዕ ክሳብ ዓርቢ ጥራይ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምስንባት ሬሳ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ኣኽብሮቶም ከምዘቕረቡ ቫቲካን ሓቢራ።
  12. ካቴድራለ፡ 100 ዓመት መለለዪን ሓበንን ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ኤርትራ

    ካቴድራለ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዛንታ ካተድራለ ዛንታ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ዩ። ዛንታ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኸኣ ኣካል ታሪኽ ኤርትራ’ዩ።

    ብዛዕባ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝተጻሕፉ መጻሕፍትን መጽሔታትን ምስ እንገናጽል፡ እቲ ሚስዮን ምስ ደቀባት ኤርትራ ዝመስረቶም ምትእስሳራት፡ ዘተኣታተዎም መንፈሳውን ዓለማውን ምዕባለታት፡ ብሓልዮት’ቲ ቤተ ክርስትያን ዝፈረዩ ምሁራት ካህናትን ደናግልን፡ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ክንክን ቈልዑን ረዲኤት ዘኽታማትን ዘበርከቶ ትውፊት ክርአ ይከኣል።

    ካቴድራለ - ኣስመራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  13. ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዕረፍቲ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ሓዘና ትገልጽ

    መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ

    ምንጪ ስእሊ, amecea

    ኣብ ካቴድራል ኣስመራ ሓዘንተኛታት ተኣኪቦም ጸሎት ብምክያድ፡ ንኣቡነ ፍራንሲስ ዘለዎም ክብሪ ክገልጹን ከም ዝተገብረ መርበብ ሓበሬታ ኣባላት ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገሊጻ።

    ሓያሎ ኤርትራውያን፡ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ሓዘኖን ምጽንዕናዕን ይገልጹ ኣለዉ።

    ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ተዝካር ቅዳሴ ከዳልዉ እንከለዉ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ድማ ነቲ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘተን ሰላምን ንምድንፋዕ ዝገበሩዎ ጻዕርታት ብሓባር ዘኪሮም።

    ሊቀ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ መንግሰተኣብ ተስፋማርያም፡ “ቅዱስ ኣቦና ብጉዳያት ድኻታትን ዝተገለሉን፡ ፍትሕን ሰላምን፡ ክርስትያናዊ ሓድነትን ሓልዮትን ብዝገበሩዎ ተወፋይነት ክዝከሩ እዮም፡” ብምባል ናብ ቫቲካን ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ይግለጽ።

    ካቶሊካውያን ይዅኑ ዘይ ካቶሊካውያን ሰባት፡ ንትሕትና፡ ርህራሀ፡ ተሓላቕነት ፍትሒን ሓልዮትን ናይቶም ሃይማኖታዊ ጓሳ ህዝቢ ብምዝካር ኣኽቢሮም።

  14. ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ኣቡነ ፍራንሲስ ክርከብ ሮማ ኣትዩ

    ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ በዓልቲ ቤቱ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ዝሳተፉ መራሕቲ ዓለምን ንጉሳውያንን ናብቲ ቦታ ክኣትዉ ጀሚሮም።

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያን ትማሊ ዓርቢ ምሸት ኣብ ሮማ መዓርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ኣትዮም።

    ልኡል ዊልያም፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ንጉስ ስጳኛ ፌሊፐ ሻድሻይን ንግስቲ ለቲዝያን፣ ፕረዚደንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ዝርከብዎም ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ንጉሳውያንን ኣብዚ ናይ ሎሚ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምዝተሳተፉ ኣረጋጊጾም።

    ሎሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክህልዉ ትጽቢት ዝግበረሎም ብዙሓት ፖለቲካውያን ፍሉጣት ሰባት ኣለዉ፡ ገለ ካብኣቶም፡

    • ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደንን ቀዳመይቲ እመቤት ነበር ጂል ባይደንን...
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታርመር
    • ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን
    • ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ፈርዲናንድ ማርኮስ ጁንየር ይርከብዎም
  15. ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንስስ

    ኤርትራውያን ምስ ኣቡነ ፍራንሲስ

    ምንጪ ስእሊ, Tareke Birhane

    እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ።

    ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም።

    እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡ ኣብ ከም ኲናት ትግራይ፡ ቓዛ፡ ዩክረይንን ካልእ ቦታታትን ሰፊሕ ሞት፡ ምፍንቓልን ዝተፈላለየ ሽግራትን ዘስዓበ ኲናትን ሓደጋታትን፡ ንስለ ሰብኣውነት ክብሉ ፍትሒ ክረጋገጽ ደው ምባሎም ናይ ቀረባ ዝክሪ እዩ።

  16. ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብ 'ሓለዋ' ለይታዊ ትልሂት ክሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ዘገርም ዛንታ ህይወት

    ኣቡነ ፍራንሲስ

    ምንጪ ስእሊ, AP

    መግለጺ ስእሊ, ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ

    ኣብ ቀረባ እዋን ብኸቢድ ሓሚሞም ዝቐነዩን ሎሚ ዝዓረፉን ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ታሪኾም ድሙቕን ብዙሕ መልክዕ ዝነበሮን እዩ።

    ነዚ ዝለዓለ ሃይማኖታዊ መሪሕነት ዝበቕዑ ፈላማይ ደቡብ ኣሜሪካዊ እዮም።

    ካብ ኣርጀንቲና ብምዃኖምን ኤውሮጳዊ ዘይምንባሮምን ነቲ ቦታ ፍሉይ ይገብሮም።

    ብድሕሪ እቶም ኣብ ሶርያ ዝተወልዱ ግሪጎሪ ሳልሳዊ ኣብ ታሪኽ እታ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊ ዘይኮኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም።

    ሶርያ ፓትርያርክ ግሪጎሪ ሳልሳይ ብ741 ዓ.ም. እዮም ተቐቢኦም።

  17. ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ ንምፍናው ኣሸሓት ካብ ምሉእ ዓለም ውሒዞም

    ህዝቢ ኣብ ቫቲካን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ህዝቢ ኣብ ቫቲካን

    ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኣቡነ ፍራንሰስ ካብ ዝስማዕ መዓልታት ተቖጺሮም ኣለዉ።

    ስርዓተ ቀብሮም ክሳብ ዝፍጸመላ ናይ መወዳእታ ህሞት ከኣ ሬስኦም ንምርኣይ ኣሽሓት ሰባት ካብ መላእ ዓለም ውሒዞም።

    ነፍስሄር ጳጳስ ዝሓዘ ሳንዱቕ ሬሳ ብረቡዕ ንግሆ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መጺኡ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ጸኒሑ።

    እቲ ህዝቢ እናኸደ ዝርእየሉን ዝሰናበተሉን ስርዓት ብዓርቢ ምሸት'ዩ ተዛዚሙ።

    ኣብተን ሰለስተ መዓልታት ድማ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣኽብሮቶም ከምዘቕረቡ ቫቲካን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ ሓቢራ።

  18. ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ስእልታት ስነስርዓት ሓዘንን ትእምርትታቱን

    ኣስከሬን ኣቡነ ፍራንሲስ ብኣቦተት ተዓጂቡ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣስከሬን ኣቡነ ፍራንሲስ ብኣቦተት ተዓጂቡ

    ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓረፉ ይፍለጥ።

    ኣቡነ ኣፍራንሲስ፡ ኣብ ክፍላ ለካቲት ብሰንኪ ዝሓደሮም ሕማም 'ድርብ ኒሞንያ' ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ዮም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።

    እቶም እንተወሓደ ንሰለስተ ወርሒ ናብ ጥዕንኦም ከተኩሩ ብሓካይሞም ምኽሪ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ መራሒ፡ ቀልጢፎም'ዮም ኣጋይሽ ክቕበሉን ሰዓብቶም ክባርኹን ተራእዮም።