ካቴድራለ፡ 100 ዓመት መለለዪን ሓበንን ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ኤርትራ

ካቴድራል ካቶሊካውያን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛንታ ካተድራለ ዛንታ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ዩ። ዛንታ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኸኣ ኣካል ታሪኽ ኤርትራ’ዩ።

ብዛዕባ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝተጻሕፉ መጻሕፍትን መጽሔታትን ምስ እንገናጽል፡ እቲ ሚስዮን ምስ ደቀባት ኤርትራ ዝመስረቶም ምትእስሳራት፡ ዘተኣታተዎም መንፈሳውን ዓለማውን ምዕባለታት፡ ብሓልዮት’ቲ ቤተ ክርስትያን ዝፈረዩ ምሁራት ካህናትን ደናግልን፡ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ክንክን ቈልዑን ረዲኤት ዘኽታማትን ዘበርከቶ ትውፊት ክርአ ይከኣል።

ህያብ ኣቡነ ካራራ

ዛንታ ካተድራለን ታሪኽን ውዕሎን ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክን፡ ኣብቲ ኣባ ሃብተማርያም ዓድ ዑመር ዘቕረብዎ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ። ደቂ ኣስመራ ከኣ ካብ ኣቡነ ካራራ ዝተቐበሉዋ ህያብ ገይሮም እዮም ዝርእዩዋ።

ኣቡነ ካራራ፡ ኣብ መወዳእታ ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝፈጸምዎ ዓቢይ ንሓዋሩ ዝተርፍ ዝኽሪ፡ ምህናጽ ካተድራል ኣስመራ እዩ” ይብሉ ኣባ ሃብተማርያም።

“ሓወልቲ እምነትን ስነ-ጥበብን ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ” ኢሎም ከኣ ሰመይዋ። እቲ ጽሑፍ ከም ዘዘንትዎ፡ እዞም ዓቢይ ካህን፡ ቅድሚ ንኤርትራ ምምጽኦም ኣብ ከተማ ሚላኖ “ቅዱስ ልቢ” (Sacro Cuore) ዝበሃል ግሩም ዝዀነ “ቤት ክርስትያን ድሕሪ ምህናጾም ንኤርትራ ከም ዝተጓዕዙ ይጠቅስ።

ኣቡነ ካራራ ኣብ ቤርጋሞ (ኢጣልያ) ብ 14 መጋቢት 1871 ዝተወልዱ፡ ኣብ 16 ዕድመኦም ኣብ ማሕበር ካፑቺን ኣትዮም ልብሰ-ምንኵስና ዝለበሱ ትኵርን ፍሉይ ናይ ምሕደራ ክእለትን ዝነበሮም ሰብ’ዮም ነይሮም። ኣብ 23 ዕድመኦም ድማ መዓርግ ክህነት ተቐበሉ።

መቓብርን ሓወልትን ኣቡነ ካራራ ኣብ ዉሽጢ ካቴድራለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቡነ ካራራ፡ ካብ ሊቀ-ጳጳስ ሚላኖ ናይ ኣቡን ማዕርግ ተቐቢሎም፡ ምስ ርእሰ ሊቀ-ጳጳሳት (ፒዮስ 10ይ)፡ ከምኡ’ውን ምስ ንጉስ ቪቶርዮ ኢማንወለ 3ይ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ብ 19 መጋቢት 1911 ምስ ዓስራይ ርእሶም ንኤርትራ ተበገሱ።

እቲ ብዛዕባ ኣቡነ ካራራ ዝቐረበ ሓተታ፡ “ኣብ መንጐ ደቂ-ማሕበሮም ሓድሽ ሃዋርያዊ ስራሕ ከም ዘተኣታተዉ፣ ኣብ ስነ-መዕበያ ማሕበር መንእሰያት ተዀስኰስቲ ክሳዕ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃርሉ ማዕጾ ከም ዝኸፈቱ፣ ኣብያተ-መጻሕፍቲ’ውን ብዓይነትን ብኣሃዝን ከም ዝብርክት ዝገበሩ” እናበለ ብኣድቘት ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ካተድራለ ኣብ ዝተሃነጸትሉ እዋን” ይብል እቲ ጽሑፍ፡ “ከተማ ኣስመራ’ውን፡ ከም ከተማ መጠን ብዅሉ ዘመናዊ መልክዓ እትህነጸሉ ዝነበረት ግዜ’ዩ ነይሩ፡” ስለዚ፡ ኣቡነ ካራራ፡ ካተድራለ ነታ ዉቅብቲ ከተማ ሽልማት ንኽትኰና ካብ ዝነበሮም ባህጊ ተበጊሶም’ዮም ሃኒጾማ ይብል።

ንካተድራለ ዝሰኣላ መሃንዲስ ስካቫኚኒ፡ ዝሃነጻ ድማ ኢንጂኔር ማርዮ ማሰቲ ይበሃሉ። እቲ ናይ ጕልበት ስራሕ - ኣብ ምንዳቕ ዝተዋፈሩ፡ ክእለቶም ዝተመስከረሎም ኣሳሰይቲ ኣሕዋት ካፑቺን - ሓው በርናርዲኖ ዳ’ደስዮ፡ ሓው ሲሮ ዳ’ብረምቢላ፡ ሓው ካርሎ ኢንዛጎ፡ ሓው ጀሮላሞ ዳ’ኮሊፓርዶ ይበሃሉ።

እዞም ኣሓዋት’ዚኦም፡ ኣብ ምሉእ ሃዋርያዊ ህየንተ መንበረ ጵጵስና፡ ስራሕ ኣብ ዘዝተወጠነሉ ቦታ እናኸዱ ናይ ህንጻ ኣገልግሎቶም ዘወፍዩ ዝነበሩ ቅዱሳንን ዉፉያትን ኣሕዋት ነበሩ” ኢሉ እቲ ጽሑፍ ይትርኽ።

ኣቡነ ካራራ፡ ንካተድራለ ክሃንጹ ብዙሕ ላዕልን-ታሕትን ኢሎም’ዮም። ኣብ ዓዲ ጥልያን ሓገዝ ሓቲቶም ካብ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 15፡ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11፡ ከምኡ’ውን ካብ ንጉስ ኢጣልያ (ቪቶርዮ ኢማኑኤለ 3ይ ሓገዝ ረኺቦም’ዮም። ኣውራ ግን ካብታ ዝተወልዱላ ዓዶም - ኣልቢኖ (ኣብ ከባቢ በርጋሞ/ሚላኖ) ብዘካየድዎ ጐስጓስ እዮም ዝበዝሐ ሓገዝ ዝረኸቡ።

እቲ ኣብ ልዕሊ መንበረ ታቦት ዘሎ ስእሊ ማርያም ሮዛርዮም ካብ ንጉስ ቪቶርዮ ኢማንወለ 3ይ ዝተወፈየ ክኸውን ከሎ፡ ሚኒስተር ፈደርዞኒ ድማ ካብ ዝመኸኸ መዳፍዕ ዝተሰርሓ ዝተፈላለየ ዓቐንን ድምጽን ዘለወን ሸሞንተ ደወል ኣስሪሑ ኣበርከተ።

ካተድራለ፡ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 1923 “ካተድራለ ቅድስቲ ማርያም ሮዛርዮም” ተባሂላ ኸኣ ብዓቢይ ዓጀባ ተመረቐት። ኣቡነ ካራራ እቲ ዝዓበየ ሕልሞም ንከተማ ኣስመራን ንምእመናን ካቶሊክን ንህዝቢ ኤርትራን ዘበርከትዎ መብጽዓ ክማልኣሎም ከኣለ። እቲ ንካቴድራለ ንኸስርሑ ዘጓነፎም ሃልኪ ግን ኣብ ጥዕናኦም ድኻም ኣሕደረሎም። በቲ ዝሓደሮም ሕማም ከኣ ካቴድራለ ምስ ተመረቐት ኣብ ዓመቱ ብ 15/6/1924፡ ኣብ ሓምሳን ሰለስተን ዓመት ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

“ኣቡነ ካራራ፡ ንካተድራለ ንኸስርሑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ሓደ ካብቶም ኣብ ጥዕናኦም ሳዕቤን ዘኸተለሎም ነገራት ከይኰነ ኣይተርፍን” ይብል እቲ ጽሑፍ።

ኣቡነ ካራራ (ኮፍ ካብ ዝበሉ ኣብ ማእኸል ዘለዉ)

ምስኦም ብ1911 ናብ ኤርትራ ዝመጽኡ ኣባ ኤዘኪዮ ዳ’ኢዘዮ “እታ ሕልሚ ምሉእ ጳጳሳዊ ሕይወቶም ዝነበረት ካተድራለ ተመሪቓ፣ እንተዀነ እቲ ብርቱዕ ጻዕሮምን፡ እቲ ኣብዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ምርቓ ዝሓደሮም ስምዒትን ንልቦም ብዘይምሕር ኲናት ወጊእዎ ክበሃል ይከኣል” ይብሉ።

ብዘይካ ቤተ-ክርስትያን ካተድራለ፡ ኣብ ከባቢኣ ዝተሃንጹ ዓበይቲ ህንጻታት’ውን ኣለዉ። ሓደ ካብኡ ምስ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ለጊቡ ዝተሰርሐ መዕበዪ ዘኽታማት፡ “ቅዱስ ዮሴፍ”፡ ኣውራ ንዘኽታማት ሓናፍጽ መዕበዪ ተባሂሉ ዝተሰርሐ እዩ።

ብ1929-32 ኣቡነ ቸለስቲኖ ካታንዮ እዮም ኣስሪሖሞ። እቶም ኣብኡ ተዓቚቦም ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሓናፍጽ ዕለታዊ መግቦም፡ ዝተፈላለየ ሞያ ዝቐስምሉ ትምህርቲ፡ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ድማ ዕድል ስራሕ ዝረኽብሉ መዕበያ ነበረ።

እቲ መዕበያ ኣብ ህይወት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መናእሰይ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ፣ እቲ ድኻ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከኣ ብዙሕ ብቐሊሉ ዘይትመን ረብሓ ረኸበ።

እቲ ታሪኻዊ መዕበያ ንዘኽታማት ደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ከዕቝብ ኣብ ዉሽጢ ካተድራለ ምስ እንዳ ደናግል ቅድስቲ ሃና ለጊቡ ዝነበረ፡ ናይ ቀደም ቤት-ትምህርቲ ኣዐርዮምን ኣሐዲሶምን ሰርሑለን።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ እቲ ዝተዋህበን ክንክን ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ተማሂረን ብነብሰን ከም ዝሓድራ ተገብረ። እተን ኣብ ድንግልና ዝኣተዋ ድማ ንምሉእ ህይወተን ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ኣተዋ።

ክሳብ ቀረባ ግዜ ከኣ ብምምህርናን ሕክምናን፡ ንሕሙም እናፈወሳን ንዝደኸመ እናልዓላን ኣገልገላ።

ብተወሳኺ፡ ኣቡነ ካታነዮ፡ እቲ ምስቲ ቤተ ክርስትያን ለጊቡ ዘሎ መንበሪ ገዛውቲ ካህናት ደቂ ማሕበር ብ1926 ኣስርሑዎ። ኣብ ዓመቱ ድማ ብ1927፡ ብቐንዱ ቤት-ጽሕፈት ሃዋርያዊ ህየንተ መንበረ ጵጵስና (Vicariato Apostolico) ወሲኾም ሰርሕሉ - እዚ ሕጂ ቤት-ጽሕፈት ሰበኻ ኣስመራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ማለት’ዩ።

ካቴድራለ ክህነጽ ከሎ (ፀጋም) ምስተሃነፀ ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣብ ኣገልግሎት (የማን)

ኣቡነ ካራራን ቤት ማሕተም ፍራንቸስካናን

ኣቡነ ካራራ ጥቕሚ ቤት-ማሕተም ሽዓ ኢሉ ስለ ዝተረድኦም፡ ካብ መጀመርታ ዓመታት ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ክሰርሕሉ ጀመሩ። “እታ ብማሕበር ላዛሪስት ብኣቡነ ቢያንከሪ ኣብ ባጽዕ ዝተተኽለት፡ ቀጺላ ናብ ከረን ዝገዓዘት ናይ ሕትመት መኪና፡ ክሳብ ጵጵስና ኣቡነ ካሚሎ ካራራ ኣብ ከረን ንስብከተ-ወንጌል ምድረ ሓበሻ ዝምስገን ኣበርክቶ ትህብ ነበረት” ይብል እቲ ብኣባ ሃብተማርያም ዝተዳለወ ጽሑፍ።

ኣቡነ ካራራ መንበረ-ጵጵስናኦም ናብ ኣስመራ ምስ ገበሩ፡ ብለካቲት 1912 ነታ ቤት ማሕተም ኣግዓዝዋ። ከይደንጐዩ ኸኣ ሓደስቲ ኣሕተምቲ መካይን ካብ ኣውሮጳ ብምምጻእ ንስርሓት ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ኣማዕበልዎ።

ኣቡነ ካራራ ዘድሊ መቀያየሪ ኣቝሑ ካብ ዓዲ ጥልያን ብምምጻእ ናይ ግእዝ፡ ላቲን፡ ዓረብ፡ ግሪኽ ፊደላት ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ጌሮም ኣሐደስዋ። “ካብተን ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝነበራ ኣብያተ ማሕተም ዘይትሰንፍ’ያ ነይራ” ይብሉ ኣባ ኤዘኪያ።

እታ ቤት ማሕተም ዝሓሸ ሃዋርያውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ክትህብ ጀመረት። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ራእይ ኣቡነ ካራራ ነዊሕን ሰፊሕን እዩ ነይሩ። ኣባ ኤዘኪያ ንጥቕሚ ቤት-ማሕተም ከም መሓውር ምዕባለ እዮም ዝገልጹዎ።

ኣብኡ ዝተሓትሙ መጻሕፍቲ፡ መሃርቲ ጽሑፋት ንህዝቢ ኤርትራ ኣሳልየምዎ እዮም። ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ንህዝቢ ኤርትራ ንምምሃር ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ብምሕታማ፡ ንኤርትራ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ነይሩ።

እቲ ጽሑፍ፡ ካተድራለ ክትህነጽ እንከላ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ፡ ምስዚ ዘሎ ኵነታት ብምንጽጻር ዓሚቝ ኣስተብህሎን ትዕዝብትን ንክንድልብ የኽእለና’ዩ ዝብሉ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣሎዉ።

ታሪኽና ገጸ-ባህሪና’ዩ፡ ህንጻ ካተድራለ ድማ ኣብ ታሪኽና እቱው ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ካብ ኣርማታት ኤርትራ እዩ ከኣ ይብሉ።

ካቴድራል ካቶሊካውያን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለዝዀነ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ንካቴድራለ ከም ሓወልቲ’ምበር ከም ቤት-መቕደስ ጥራይ ገይሩ ኣይርእያን። ርግጽ’ዩ ህላወ ካቴድራለ ንኣመንቲ ካቶሊክ ፍሉይ ትርጕም ኣሎዎ።

ኣባ ሃብተማሪያም ዓድዑመር ዝተባህሉ ካህን፡ ካብ ማሕበር ካፑቺን፡ ዘቕረብዎ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ከመይ ኢሉ ካብ “ሃዋርያዊ መስተናብርነት” ናብ “ሃዋርያዊ ህየንተ መንበረ ጵጵስና” ከም ዝተሰጋገረ የረድኡ። እቲ ጽሑፍ ኣብ “ዝኽሪ መንፈሳዊ መበቈልና” ዝበሃል መጽሓፍ ይርከብ።

እቲ ኣባ ሃብተማርያም ዘቕረብዎ ታሪኽ ኣብ 1910’ታት ምዕባሌ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ብጽፉፍ ኣገባብ ይገልጽ። ኣብቲ እዋን’ቲ ብጻዕሪ ኣባ ሚካኤል ድ-ካርቦናራ ኣብ ኤርትራ 42 ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ ተሰርሓ። እተን ዝበዝሓ ኣብያተ-ክርስትያን ካቶሊክ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብቲ ቅድም ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ከባቢ እየን ተሃኒጸን።

ርግጽ’ዩ፡ እቲ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ክርስትያናት ብምስራሕ ጥራሕ ዘይኰነስ ዘርኣ-ክህነት፡ ከምኡ’ውን ደቂ ተባዕትዮን ደቀ’ንስትዮን ዝመሃሩሎም ብርክት ዝበሉ ኣብያተ-ትምህርትታትን መዕበያ ዘኻትምን ከም ዘስርሐን የመሓድርን ከም ዝነበረን ይፍለጥ።

ኣቡነ ካራራ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ ብዘይ ውዓል ሕደር ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣበየ ስፍራታት ካቶሊክ ብምጕዓዝ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካይዶም፡ ጸብጻቦም ናብ ቅድስቲ መንበር (ዓዲ ጣልያን) ለኣኽዎ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኤርትራ ቍጽሪ ኣመንቲ ካቶሊክ 16,760 በጺሑ ከም ዝነበረ፡ በርገሳውያን ተቐማጦ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ኸኣ 2,500፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ጣልያን፡ እቲ ማሕበር ከኣ ብሸውዓተ ኣብያተ-ጽሕፈት፡ 49 ደቀ’ባት ካህናት ዝነበሮ ቅርጺ ይካየድ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ኣቡነ ካራራ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣጽኒዖም ንኽፈልጥዎ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ማሕበራት ካቶሊክ ዝነበሩ ሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት ብምጽናዕ ኣብ ህንጸት መንፈሳዊ ህይወት፡ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ሕክምናውን ትምህርታውን ኣገልግሎት፡ ምህናጽ መዕበያ ዘኻትም ከምኡ’ውን ካልኦት ስርሓትን ጽገናታትን ኣተኣታተው።

“ሓደ ካብቲ ምስዮናውያን ካፑቺኒ ንቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዘበርከትዎ ዓቢይ ግደ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቝጽሩ ይዅን ብዓይነቱ ዘገርም ህንጻታት ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብያተ-ጸሎትን ምህንጽ’ዩ” ይብል ጸብጻብ ኣባ ሃብተማርያም።

ኣቡነ ካራራ ንኤርትራ ካብ ዝመጽሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 16 ዓመታት 26 ኣብያተ ክርስትያን ኣስሪሖም። ብቐንዱ ኸኣ እታ ዓባይን ተወዳዳሪ ዘይብላ ብ 1923 ዝተዛዘመት ካተድራለ ኣስመራ ሓንቲ ካብአን እያ።

ካቴድራል ካቶሊካውያን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቡነ ካራራ ቀልጢፎም እንተዘይሞቱ ምናልባት ሃዋርያዊ ስርሓት ብናህሪ ምቐጸለ ነይሩ ዝብል ግምት ኣሎ። ይዅን እምበር ኣብታ ብህይወት ዝጸንሑላ እዋን እውን ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ህያብን መዘከርታን ገዲፎም ስለዝሓለፉ እንሆ ስሞም ክሳብ ሎሚ ብኣድናቘትን ናፍቘትን ይዝከር።

ኣብ ስሳታት ዝዓበዩ ኤርትራውያን ንካቴድራለ ብብዙሕ ነገራት’ዮም ዝዝክርዋ። እንሆ ኸኣ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ኰይኖም መበል 100 ዓመታ ይጽንብሉ።