ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብ 'ሓለዋ' ለይታዊ ትልሂት ክሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ዘገርም ዛንታ ህይወት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀረባ እዋን ብኸቢድ ሓሚሞም ዝቐነዩን ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉን ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ታሪኾም ድሙቕን ብዙሕ መልክዕ ዝነበሮን እዩ።
ነዚ ዝለዓለ ሃይማኖታዊ መሪሕነት ዝበቕዑ ፈላማይ ደቡብ ኣሜሪካዊ እዮም።
ካብ ኣርጀንቲና ብምዃኖምን ኤውሮጳዊ ዘይምንባሮምን ነቲ ቦታ ፍሉይ ይገብሮም።
ብድሕሪ እቶም ኣብ ሶርያ ዝተወልዱ ግሪጎሪ ሳልሳዊ ኣብ ታሪኽ እታ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊ ዘይኮኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም።
ሶርያ ፓትርያርክ ግሪጎሪ ሳልሳይ ብ741 ዓ.ም. እዮም ተቐቢኦም።
ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ናይ 600 ዓመታት ታሪኽ እታ ቤተክርስትያን ብወለንታኦም ካብ ስልጣኖም ዝለቐቑ ፈለማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም'ውን ይፍለጥ።
ንሶምን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ኣብ ሓደ ቀጽሪ ይነብሩ ነይሮም። ኣቡነ ፍራንሲስ ከኣ ብቐጻሊ እናኸዱ ይሓትዎም ነበሩ።

ምንጪ ስእሊ, AP
'ሕኑን ደጋፊ ኵዕሶ እግሪ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ እዚ ጳጳሳዊ ስሞም እዩ።
ናይ ፈለማ ኣብ ታሴራኦም ዝጸንሐ ስሞም ግን ጆርጅ ማሪዮ በርጎግልዮ ዝብል'ዩ ነይሩ።
መበቆሎም ካብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣየርስ እዩ። ወለዶም ኢጣልያውያን ኰይኖም፡ ፋሽሽትነት ኢጣልያ ኣብ ዝተጐሃሃረሉ እዋን ንድሕነቶም ብምስጋእ ናብ ኣርጀንቲና ሃዲሞም።
ንወለዶም ካብ መንጐ ሓሙሽተ ውሉዳት በዅሪ እዮም።
ጆርጅ ማሪዮ በርጎሊዮ (ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ) ኣብ ግዜ ንእስነቶም ደጋፊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሳን ሎረንዞ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳዕስዒት 'ታንጎ' ኣዝዮም ይፈትዉ።
ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ከቢድ ሕማም ሳንቡእ ሓሚሞም ካብ ኣፍ ሞት ድሒኖም እዮም። እዚ ሕማም ሳንቡእ ግን ንምሉእ ህይወቶም ክስዕቦም'ዩ ጸኒሑ።
ናይ ሽዑ መንእሰይ ጆርጅ ማሪዮ በርጎግልዮ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ናይት ክለብ ሓለዋ ['ጋርድ' / 'ቦንሰር'] ኰይኖም ይሰርሑ ነይሮም። ናይ ሽዑ ሓላፍነት ስርሖም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢልካ ምሕላውን ጽርየትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ብኬሚስትሪ - ስነቅመም ተመሪቘም።
ብድሕሪኡ ምስታ ፍልጥቲ ባዮኬሚስት ኤስተር ባለስትሪኖ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሰሪሖም። እዛ ሰበይቲ ንወተሃደራዊ ስርዓት ኣርጀንቲና ብምቅዋማ ትፍለጥ ነይራ።
ድሒራ ድማ ብዙሕ ስቅያት ወሪድዋ ተቐቲላ፤ ሬሳኣ ፈጺሙ ኣይተረኽበን።
ብድሕሪ'ዚ በርጎሊዮ (ር.ሊ.ጳ. ፍራንሲስ) ኢየሱሳዊ (ጀስዊት) ኰኑ።
ፍልስፍና፡ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ልቦናን ኣጽኒዖም።
'ንሕይወት ኣቕልል ኣቢሎም ይርእዩ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገና ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዝመጹ ኣትሒዞም ንነገራት ብዝተፈለየ ከምዘፈጽሙ ክዛረቡ ይስምዑ ነይሮም።
ንኣብነት ንሲመተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክቕበሉ ከለዉ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝፋን ኮፍ ዝብሉ ደው ኢሎም'ዮም ተቐቢሎም፤ እዚ ልሙድ ኣይነበረን።
ፍራንሲስ ኣብ 13 ሕዳር 2013 ኣብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ቫቲካን ንፈለማ ተቐልቂሎም።
ሽዑ ቅልል ዝበለ ጻዕዳ ልብሲ ተኸዲኖም ነይሮም። ንርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ዝመረጽዎ ስም ናይቲ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሰባኺን ኣፍቃሪ እንስሳን ዝነበረ ቅዱስ ፍራንሲስ ኣሲሲስ እዩ።
ኣርጀንቲናዊ ጆርጅ ማርጎርዮ - ናብቲ ዝለዓለ ሃይማኖታዊ ሓላፍነት ክመጽኡ ከለዉ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስኮ ብዝብል ተቐቢኦም።
ሸበድበድን ምምልኻዕን ዝበዝሖ ከምኡ'ውን ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ድግስን ባህታን ምቹእነት ኣይፈጥረሎምን። ሰብኣውነት ዘለዎ ነገር ይመርጹ፣ ናብ ጽጉማት ዝያዳ ምቕራብ የብዝሑ።
ንኣብነት ቫቲካን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተቕርባ ክብርቲ ሊሞዚን መኪና ንሶም ቦታ ኣይሃብዋን። ኣብ ክንድኣ፡ ነታ ንኻልኦት ካርዲናላት እተመላልስ 'ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ' ክጥቀሙ መሪጾም።
በዚ ቅልል ዝበለ ቅዲ ኣነባብራ ድማ ንልዕሊ 1.2 ቢልዮን ሰዓብቶም ኣብነት ክዀኑ ፈቲኖም እዮም።
"ንድኻታት ደው እትብል ቤተክርስትያን ከመይ ከምእትምስጠኒ" ብዝብል መደረኦም እውን ይፍለጡ።
ነቐፌታታት ኣብ ልዕሊ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ከምቲ ህቡብነቶም ካብ ነቐፌታታት እውን ኣይተረፉን።
ማዕረ ዓቃባውነቶም ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተደፍኡ ብምቕራብ'ውን ዝፍለጡ እዮም።
ዓቃባውያን ጳጳሳት ከምዝመርጽዎም፡ ሊበራላዊ ኣረኣእያኦም እውን ፍሉይ ይገብሮም።
ንኣብነት ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዘርኣይዎ ርህራሀ ኣብዚ ዝጥቀስ'ዩ።
እቲ ካልእ ኣብ ታሪኾም ከም ጸሊም ነጥቢ ዝውሰድ ኣጋጣሚ ድማ ካርዲናል ኣርጀንቲና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንወተሃደራዊ መንግስቲ ተገዛኢ ነይሮም ዝብል ክሲ ነይሩ።
ብፍላይ ብወተሃደራዊ ስርዓት ተጨውዮም ስቅያት ኣብ ዝወረዶም ክልተ ካህናት፡ ኢድ ፍራንሲስ ነይሩ ዝብል ክስታት ይቐርበሎም።
እዚ ኣርጀንቲናውያን "ረሳሕ ኲናት" (Dirty War) ዝብልዎ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ መንጐ 1976 - 1983 ኣሽሓት ኣርጀንቲናውያን ደሃዮም ጠፊኦም።
እቶም ክልተ ካህናት ግን ከቢድ ስቅያት ወሪድዎም ብኸፊል ዕርቃኖም ተደርብዮም ተረኺቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ እዋን ስቕታ ብምምራጾም ይንቀፉ።
ንሶም ግን፡ "ኣነ ግን ብድሕሪ መጋረጃ ብዙሕ ጽዒረ እየ፤ ክሰምረለይ ኣይከኣለን እምበር፡" ክብሉ እዮም ዝዛረቡ።
ንምንታይ ብቕሉዕ ዘይተዛረቡ ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቐርበሎም ከኣ "ኣብቲ እዋን'ቲ ብቕሉዕ ምዝራብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ" ክብሉ ይምልሱ።
እንተዀነ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኣረሜናዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ክሃድሙ ምቹእ ኵነታት ፈጢሮም'ዮም።
ድምጺ ካልኦት ብምዃን ይፍለጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ መራሕቲ እምነት ኣንግሊካን ሉተራንን ሜቶዲስትን ብሓባር ብምስራሕ ይንኣዱ።
ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎት፡ መራሕቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ብሓባር ክርከቡ ምግባሮም እውን ካልእ ናእዳ ዝረኸቡሉ ኣጋጣሚ እዩ።
ብሰንኪ ኣኽረርቲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ንእስልምና ምኹናን ጌጋ እዩ ክብሉ ምዝራቦም እውን ምጥቃስ የድሊ።
"ብዛዕባ እስላማዊ መጥቃዕቲ እንተተዛሪበ ብዛዕባ ካቶሊካዊ ዓመጽ'ውን ክዛረብ ኣለኒ" ብዝብል ኣገላልጽኦም ብዙሓት ፈጺሞም ኣይርስዕዎምን።
ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ነቲ ገበነኛ እምበር ነቲ ሃይማኖት ከም ዘይውክል ብምዝራብ ይዝከሩ።
ዓቃባውነት
ኣቡነ ፍራንሲስ ዓቃባዊ እዮም ነይሮም።
ልክዕ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጆን ፖል ዳግማዊ ኣብ ገለ ጉዳያት ነግፈረግ ዘይብል መርገጺ ኣለዎም። ንኣብነት ብሕክምና ኣብ ዝተሓገዘ ሞትን ምንጻል ጥንሲን ተሪር ተቓውሞ ብምስማዕ ይፍለጡ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተመሳሳሊ ጾታ ንዘሎም መጻምድቲ እውን ክትሓቁፍ ኣለዋ ይብሉ ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ዘይወለድዎ ቈልዓ ከዕብዩ ምፍቃድ ግህሰት መሰላት ህጻናት ምዃኑ ይዛረቡ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ጳጳስ ኰይነን ክሽየማ የብለንን ዝብል መርገጺ ነይርዎም።
መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም እውን ይዅንኑ።
ሓደ እዋን ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "መከላኸሊ ጥንሲ ንስድራቤታት ዘጥፍእ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍራንሲስ፡ ኣብ እዋን መሪሕነቶም እቲ ዝዓበየ ብድሆኦም፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ካህናት ዝፍጸም ግህሰት ህጻናት ኰይኑ፡ ኣብ ምክልኻሉ እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን ብዝብል ይንቀፉ።
ነዚ ኣመልኪቱ ንዓመታት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ብርቱዕ ክትዕ ዝጸንሑ ኣመሪካዊ ካርሎ ማርያ ቪጋኖ ነቶም ጳጳስ ዝዅንን ደብዳበ ክሳብ ምጽሓፍ ምብጽሖም ይዝከር።
ነቶም ጳጳስ ብኑፋቄነት (ክሕደት) ክሳብ ምኽሳስ በጺሖም ነይሮም።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እቶም ሊቀ ጳጳስ ኣብ ልዕሊ'ቶም ግህሰት ህጻናት ዝፍጽሙ ቅልጡፍን ግቡእን ስጕምቲ ኣይወሰዱን ዝብል እዩ።
ሊቀ ጳጳስ ቪጋኖ፡ ካብ 2011 ክሳብ 2016 ኣብ ዋሽንግተን ልኡኽ እቶም ሊቃነ ጳጳስ ኰይኖም ዘገልገሉ ሃይማኖታዊ ኣቦ እታ ቤተ ክርስቲያን እዮም።
ፍራንሲስ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኵነታት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ካብ ዝዀና ሃገራት ዝመጽኡ 140 ካርዲናላት ምሻሞም ይዝከር።
ኣቦ ድኻታት ተባሂሎም ዝፍለጡ እዞም ሃይማኖታዊ መራሒ፡ ንሓያሎ ሰሙናት ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ምጽንሖም ይዝከር። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድማ ደሓን ኰይኖም ብዝብል ካብ ሆስፒታል ወጺኦም።
ኣብ እዋን ሕክምናኦም ካብ ህዝባዊ መድረኻት ርሒቘም ዝጸንሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ብቐዳም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከበ ህዝቢ ቃለ ቡራኬ ብምስማዕ መልእኽቲ በዓል ትንሳኤ ኣሕሊፎም ነይሮም።
ኣብ ጽባሕ ፋሲካ - ትንፋኤ ከኣ ኣብ መበል 88 ዓመቶም ከምዝዓረፉ መንበር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝዀነት ቫቲካን ብሰኑይ 21 ምያዝያ 2025 ወግዓዊ ገይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







