ጀርመን፡ ዘይተወድአ ጉዳይ ኤርትራዊት ግዳይ፡ ዝተረኽበ ሬሳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብን

ምንጪ ስእሊ, Polizei NRW Hagen
ኣብ ጀርመን ዝተረኽበ ሬሳ ናይታ ሃለዋታ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ኤርትራዊት ክኸውን ከምዝኽእል ዝጸብጸባ ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ፡ መጻምድቲ ናይታ ግዳይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይሕብራ ኣለዋ።
ቢልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ዝተመታተረ ሬሳ ምስ ኩነታት ናይታ ኣእዳዋ ተቖሪጹ ኣብ ደረት ጽርግያ ዝተረኸበ ጓል 32 ዓመት "ዝመሳሰል" ምዃኑ የመልክት።
ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ምስክርነት ንክህብ ክድለ ዝጸንሐ ወዲ 42 ዓመት መጻምድታ፡ "ኣብ ወጻኢ ሃገር" ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ'ውን ቢልድ ጠቒሱ'ሎ። ኣብቲ ቅትለት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ግን ዛጊት ዝተረጋገጸ የለን። ኣበየነይቲ ሃገር ከምዝተታሕዘ'ውን ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ዛጊት ሰብመዚ ፖሊስ ጀርመን ብዛዕባ'ቲ ከካይድዎ ዝቐነዩ "ዝተሓላለኸ" መርመራ ብወግዒ ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። ካልኦት ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ኣውሮጳን'ውን ተመሳሳሊ ጸብጻባት ኣውጺአን ኣለዋ።
ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላድ እታ ግዳይ ኣብ ፊት ሓደ ደብሪ ኦርቶክሳዊት ቤተክርስትያን ኮፕቲክ ከምዝጸንሐ ይዝከር።
"መርመርቲ ራይንላንድ-ፓላቲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ዝተመታተረ ሬሳ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ረኺቦም" ክብል ብሉኒውስ ዝተባህለ ብጀርመን ዝሕተም ማዕከን ዜና ብወገኑ ጸብጺቡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ደቅንስትዮ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተቀቲለን ዝብሉ ዜናታት መርደእ ክጋዋሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውረጳ ኣብ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቅንስትዮ፡ ገለ ብመጻምደትን ገለ ብቐረባ ቤተሰበን ይቕተላ ምህላወን ኣዝዩ ዘሕዝን ተረክቦ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንመላእ ኤርትራውያን ማሕበረሰብን ንብዙሓት ሃገራትን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመትዚ ንባይቶ ስደተኛታት ጀርመን ዝተወዳደረ ኤርትራዊ ጀርመናዊ ወደብ፡ 'እዚ ዘስካሕክሕ ዜና ንኩሉ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ጀርመን ኣሰንቢዱ ብምህላዉ ማዓከናት ዜና ጀርመን ሰፊሕ ሸፈነ ሂበንኦ ኣለዋ' ኢሉ።
ወደብ ወሲኹ'ውን ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ጳውሎስ ዝተባህለ ቆላዓ ጠፊኡ ድሕሪ ምቕናዩ ሞይቱ ተረኪቡ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ነዚ ክትሰምዖ ዘሰቅቕ ዜና እተቖርጸ ኣእዳው ኤርትራዊት መንእሰይ ምስኡ ኣተኣሳኢሩ ማሕበረሰብ ጀርመን ኣዝዩ ሰንቢዱ ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ዳዊት ካብ ቤትትምህርቲ ወጺኡ ንመዓልታት ድሕሪ ምጥፋኡ፡ ኣብ ከባቢ ዋይልበርግ ኣብ ዝርከብ ፈለግ መይቱ ከም ዝተረኽበ ይዝከር።
እቲ ሓድሽ ፍጸመ'ውን ዛጊት ብዙሓት መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ዘለዉዎ ኣሰቃቒ ተረኽቦ ኮይኑ'ሎ።
ፈለማ ናይ 3 ወርሒ ህጻን ኣብ ኣፍደገ ገዳም ቤተክርስትያን ተረኺቡ። ታግስቻው ዝተባህለ ማዕከን ዜና "እቲ ቆልዓ ብሰንበት ኣብ ቮልድሶልምስ ኣብ ዝርከብ ደብሪ ኣብ ዓረቢያ ደቂሱ'ዩ ተረኺቡ" ክብል ሓደ ብዓልመዚ ፖሊስ ከምዝተዛረበ ገሊጹ ነይሩ።
ኣይጸንሐን ድማ፡ ፖሊስ ዝተቖርጸ ኣእዳው ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ብ16 ሕዳር , 2025 ረኺቡ።
ፖሊስ ጀርመን ቅድሚ 10 ደቂቕ እቲ ህጻን ምርካቡ ኣብ ቀጽሪ ቤትክርትያን ሓሙኽሽታይ ዝሕብራ ታርጋ ናይ ከተማ ቦን ዘለዋ መኪና ተራእያ ምንባራን ኣፍሊጡ።
እታ መኪና ኣብ ከባቢ ኢድ እታ ኣደ ተቖሪጹ ዝተረኽበሉ ኣከባቢ እውን ከምዝተራእየትን ኣብ ምክትትታል ከምዘሎን እውን ጠቒሱ ነይሩ።
ብድሕርዚ ፖሊስ ንኣቦ ህጻን'ውን ኣብ ምድላይ ተዋፍሩ ከምዘሎ ኣምልኪቱ ነይሩ።
ፖሊስ ሃገን ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት እቲ ኣብቲ A-45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጽርግያ ዝተረኽበ ኣእዳው፡ ናይ ሓንቲ ካብ ኤርትራ ዝመጸት ጓል 32 ሓታቲት ዑቕባ ኣደ ምዃኑ ብኣሰር ኣጻብዕታ ከምዝተለለየ እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።
ሎሚ ኣማሲኡ ዝወጸ ዘሎ ጻብጻባት ከምሕብሮ ድማ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ክድለ ዝጸንሐ ወዲ 42 ዓመት መጻምድታ፡ "ኣብ ወጻኢ ሃገር" ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







