ጀርመን፡ ዕሸል ውላድ ናይታ ኣእዳዋ ተቖሪጹ ዝተረኽበ 'ኤርትራዊት' በይኑ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Polizei NRW Hagen
ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላድ ናይታ ዝተቖርጸ ኣእዳዋ ኣብ ደረት ዓቢ ጽግርያ ተደርብዩ ዝጸንሐ ኤርትራዊት በይኑ ከምዝተረኽበ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን።
እታ ኣብቲ A-45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጽርግያ ኣእዳዋ ዝተረኸበት ጓል 32 ዓመት ኣደ፡ ካብ ኤርትራ ዝመጸት ሓታቲት ዑቕባ ምንባራ ብኣሰር ኣጻብዕታ ከምዝተለለየት እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
"እቲ ቆልዓ ብሰንበት ኣብ ቮልድሶልምስ ኣብ ዝርከብ ደብሪ ኣብ ዓረቢያ ደቂሱ'ዩ ተረኺቡ" ክብል ሓደ ብዓልመዚ ፖሊስ ከምዝተዛረበ ታግስቻው ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ህጻን ኣብ መዕቆቢ ቆልዑ ይእለ ከምዘሎ'ውን የመልክት። ብኸመይ ናብ ኣፍደገ እቲ ደብሪ ከምዝተወስደ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።
ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ በቲ መስመር እትዝውር ዝነበረት ሰበይቲ ዘይንቡር ነገር ድሕሪ ምርኣያ ንፖሊስ ሓቢራ።
ዘይወግዓዊ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ እቲ ክልተ ዝተቘርጸ ኣእዳው ናይ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ምዃኑ ጀርመናዊት ጋዜጣ ቢልድ ጸብጺባ፤ መን ምዃና ግን ኣይተሓበረን ዘሎ።
ኣባላት ኮለላ ፖሊስ ናብቲ ኣብ መንጎ መስቀላዊ መንገዲ ኦልፐ-ሱድን ፍሮይደንበርግን ዘሎ ቦታ ብቕጽበት ብምብጻሕ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣረጋጊጾምዎ።
እዚ ካብ ሰንበት ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ዘጓነፈ ፍጻመ ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ መርመራን ከባብያዊ ተፍትሽን ንምክያድ እቲ ጽርግያ ክሳዕ ንግሆ ከም ዝተዓጽወ ተገሊጹ።
ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ናይታ ግዝኣት ክንደይ ክፍሊ ኣካላት ተቘሪጹ ከም ዝተረኽበ ብልክዕ ኣይገለጸን።
ኣብ ኣሰር ኣጻብዕቲ ብዝተገብረ መርመራ ግን ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ምዃኑ ከም ዝእመን እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
እቲ ኣእዳው ብኸመይ ኣብቲ ጽርግያ ጸኒሑ ዝተፈልጠ እኳ እንተ ዘየሎ፡ መባእታዊ መርመራ ከም ዘመልክቶ ግን ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ዘጓነፈ ክኸውን ከም ዘይክእል ነቲ መርመራ ዘካይዱ ገሊጾም።
እቲ ጽርግያ፡ ንግሆ ንምንቅስቓስ ክፉት ክኸውን እንከሎ፡ መርመራ ናይቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ግን ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ዳዊት ካብ ቤትትምህርቲ ወጺኡ ንመዓልታት ድሕሪ ምጥፋኡ፡ ኣብ ከባቢ ዋይልበርግ ኣብ ዝርከብ ፈለግ መይቱ ከም ዝተረኽበ ኣይርሳዕን።

ምንጪ ስእሊ, Bild
ላዕለዋይ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ 2024 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 683,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቝባን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመዝጊቦም ኣለዉ። ጀርመን ድማ ኣብ ኤውሮጳ 71,300 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምቕባል ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ኣብዝሓ ካብዞም ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ንምስጋር፡ ካብኡ ቀጺሉ ሓደገኛ ጕዕዞ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ተሳጊሮም እዮም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክኢላ ሕጊ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር፡ ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ገሊጹ ነይሩ።
ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት ምስዋር፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ።
ነዚ ስዒቡ፡ ወከልቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብልን ለውጢ ክገብርን ጸዊዖም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







