ለበዳ ሕማም ንምክልኻል 45 ሽሕ ደርሁ ኣቃጺላ ዝቐበረት ሃገር

45 ሽሕ ደራሁ ዘቃጸለት ሞዛምቢክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡባዊ ሞዛምቢክ ምስፍሕፋሕ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንምክልኻል ተባሂሉ ልዕሊ 45 ሽሕ ደራሁ ተቓጺለን ከምዝተቐበራ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እተን ኣዕዋፍ ካብታ ብለበዳ እቲ ሕማም ተሃስያ ዘላ ጐረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኣታተዋ እየን።

ሕጂ እቲ ለበዳ ኣብ ሞዛምቢክ ናብ እትርከብ ኣውራጃ ሞሩምበነ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኢንሃምበነ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ክዝርጋሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰብመዚ ክቈጻጸርዎ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ተላባዒ ሕማም ደርሆን ኣዕዋፍ በረኻን እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብምሉእ መጓሰ ኣዕዋፍ ገዛ፡ ብቀልቀልን ምራቕን ኣዕዋፍ፡ ወይ ብዝተበከለ ቀለብን ማይን ክዝርጋሕ ይኽእል።

እቲ ለበዳ ኣብ ሞዛምቢክ፡ እንተላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ማፑቶ፡ ሕጽረት እንቋቑሖን ደርሆን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብርቱዕ ወሰኽ ዋጋታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ማእከላይ ዋጋ ደርሆ ካብ 350 ባጤራ ሞዛምቢክ ናብ 600 ዳርጋ ብዕጽፊ ክዓቢ እንከሎ፡ ዋጋ ደርዘን እንቋቑሖ ድማ ካብ 100 ናብ 150 ወሲኹ።

እተን ዝተቓጸላ 45 ሽሕ ደራሁ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጉንፋዕ ኣዕዋፍ ምስ ዝተለኽፋ ደራሁ ርክብ ከምዝነበረን ሃገራዊ ሓላፊ ልምዓት ጥሪት ሞዛምቢክ ኣሜሪኮ ዳ ኮንሰይሳኦ ገሊጹ።

እተን ደራሁ፡ ንመፍረ እንቋቝሖ እየን ናብ ሞዛምቢክ ተወሲደን ነይረን።

ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ለበዳ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ክትቃለስ ጸኒሓ’ያ። እዚ ድማ ሓረስቶት ሸውዓተ ሚልዮን እንቋቑሖ ዘውድቓ ደርሁ ክቐትሉ ዝተገደዱ ኰይኖም እዚ ድማ ካብ ምሉእ መኻዚኖ እታ ሃገር ካብ 20-30 ሚእታዊት ዝበጽሕ ምዃኑ ማሕበር ደርሆ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ኣብ ቀረብ እንቋቝሖን ስጋ ደርሆን እውን ሕጽረት ኣስዒቡ እዩ።

እቲ ሓላፊ፡ ሞዛምቢክ እንቋቝሖን ቀለብ ደርሆን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኸይኣቱ ከምዝኣገደት ወሲኹ ገሊጹ።