ኣመሪካ ምስጓግ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ዚምባብወ ኮኒና

ሳማንታ ፓወር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዚምባብወ ንሰራሐተኛታት ረድኤት ዜጋታተይ ኣጋፊዓ፣ ኣሲራን ኣባሪራን ክትብል ኣመሪካ ከሲሳ፡፡

ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣሜሪካ [ዩኤስኤኣይዲ]፡ ሰበስልጣን መንግስትን ኮንትራክተራትን "ቃላውን ኣካላውን" ምፍርራሕ ከምዝተገብረሎም ኣፍሊጡ።

እቶም ሰራሕተኛታት "ሲቪካዊ ተሳትፎ፡ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ሰብኣዊ መሰላትን ንምድጋፍ" ኣብኡ ከምዝነበሩ እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ።

ዚምባብወ ንዲሞክራስያዊ ጽገና ዝገበረቶ ተወፋይነት ግን ኣመና ትሑት እዩ ኢሉ።

መንግስቲ ዚምባብወ ብዛዕባ ክሲ ዩኤስኤኣይዲ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን።

ትማሊ ሰኑይ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋን ካልኦት ብብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እትኸሶም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሓድሽ እገዳ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

እዚኦም ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተነብረ እገዳታት ዝተክኡ እዮም።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ምናንጋግዋ፡ ነቲ እገዳ "ተጻባኢ" ተግባራት ብምባል ዝኾነነ ኮይኑ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ "ብዘይሕጋዊ ጸለመ" ከሲሱ።

ኣመሓዳሪት ዩኤስአይድ ሳማንታ ፓወር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ገለ ካብ ኣባላታ “ናይ ሓደ ለይቲ ማእሰርቲ፡ ኣብ ዘይውሑስ ኩነታት ምጉዕዓዝ፡ ንነዊሕ እዋን ዝወሰደ መርመራ ኢሉ’ውን ምምንዛዕ ውልቃዊ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት" ከምዘጋጠሞም ገሊጻ።

ሳማንታ ፓወር ኣስዒባ እዚ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካልኦት "ከበድቲ ፍጻመታት" ስዒቡ ከምዝነበረን ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካን ዜጋታትን ካብ ሰበስልጣን ዚምባብወ "ምግፋዕን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን" ከምዝበጽሖም ገሊጻ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ኣብ ዝሃቦ ፍሉይ መግለጺ፡ እቲ ናይ ሓገዝ ጉጅለ "ንመንግስቲ ዚምባብወ ንዲሞክራስያዊ ጽገና ዝገለጾ ተወፋይነት ንምድጋፍ" ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ዚምባብወ ከምዝኣተወ ገሊጹ።

መግለጺ ሳማንታ ፓወር ኣብ መደምደምታኣ፡ ዩኤስኤኣይዲ ኣብታ ሃገር "ንሲቪላዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነጻ መራኸቢ ብዙሓንን ብጽኑዕ ምድጋፉ ክቕጽል'ዩ" እንተኾነ ግን "ነቶም ንዚምባበውያን መሰረታዊ ናጽነትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝኽልክሉ ተወሳኺ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን" ኢላ። .

ዩኤስኣይዲ ኣብ ዚምባብወ ዝሰርሖ ስራሕ "ኣገልግሎት ጥዕና ንምሕያል፡ ጸጥታ ንምዕባይ፡ ቁጠባዊ ጽንዓት ንምድጋፍን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምድንፋዕን" ንምሕጋዝ ምዃኑ ይገልጽ።