'ብሉጽ ሚኒስተር ገንዘብ ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ሚኒስተር ብቝጠባ ዝወደቐት ሃገር ዜጋታቱ ኣቘጢዑ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሚኒስተር ናይታ ኣብ ከቢድ ቊጠባዊ ቅልውላው ዘላ ዚምባብወ “ብሉጽ ሚኒስተር ገንዘብ ኣፍሪቃ እዚ ዓመት” ተባሂሉ ምምራጹ፡ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኰይኑ።
ሓደ ተጠቃሚ ኤክስ (ትዊትር ነበር) እቲ ሽልማት “ንመርከብ ናብ ከውሒ በረድ ንዘጋጨወ መርከበኛ ከም ምንኣድ እዩ” ክብል ጽሒፉ።
ካልእ ድማ “ናይዚ ዓሰርተ ዓመት ዝዓበየ ላግጺ” ክብል ገሊጽዎ።
ምሁራት ስነቊጠባ ከምዝብልዎ፡ መጠን ሸቕለት ኣልቦነት ዚምባብወ 85 ሚእታዊት በጺሑ እዩ።
ገንዘብ እታ ሃገር ንመተዓዳደጊ ስለዘየተኣማምን፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ንግዲ ብዶላር ኣመሪካ ከምዝካየድ ጸብጻብ ወኪል ዜና ሮይተርስ የመልክት።
ንተቐባልነት ሓለፍቲ ከምዝከታተል ዝገልጽ ‘ረፑተሽን ፖል ኢንተርናሽናል’ ዝተባህለ ትካል፡ ነቲ ሽልማት ብሰንበት ንሚኒስትሪ ገንዘብ ዚምባብወ ምቱሊ ንኩበ ሂብዎ።
እቲ ኣብ 2018 ብፕረዚደንት ምናንጋግዋ ዝተሸመ ሚኒስተር፡ በቲ ዝተወሃቦ ክብሪ ከምዝተሓጐሰ ንመንግስታዊት ጋዜጣ ሄራልድ ተዛሪቡ።
እቲ ሽልማት ነቲ ንሱን ጕጅለ ገንዘብ እታ ሃገርን “ኣብ ምስግጋር ቊጠባ ንዝተጻወትዎ ወሳኒ ተራ” ኣፍልጦ ዝህብ ከምዝዀነ እውን ገሊጹ።
ሆፕወል ቺኖኖ ዝተባህለ ጎስጓሲ ግን እቲ ሽልማት ንዚምባብያውያን “ጸርፊ” እዩ ክብል ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
እቲ ጎስጓሲ እቲ ሚኒስተር ዘውጽኦ ሃገራዊ በጀት ብዝምልከት፡ “ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ በጀት” ክብል ገሊጽዎ።
ኣብታ ሃገር ወሰኽ ቀረጽ ዝተገበረ ክኸውን እንከሎ ዋጋ ፓስፖርት ካብ 120 ናብ 200 ዶላር ኣመሪካ ክውስኽ ተገይሩ፤ እዚ ካብ ሃገራት እቲ ዞባ እቲ ዝኸበረ እዩ።
ቺኖኖ ብተወሳኺ ሚኒስተር ንኩበ “ዝተጋገየን ብልሹውን ፖሊሲኡ” ዘስዓቦ ኣብ ዓለም ዝወደቐ ቊጠባ ዝመርሕ ሰብ እዩ ኢሉ።
ቊጠባ ዚምባብወ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰንከልከል እዩ ዘሎ። ዶላር ዚምባብወ ኣብ 239 ሚልዮን ሚእታዊት ዝቕባበ ድሕሪ ምብጽሑ ኣብ 2009 ካብ ስርዓተ ዕዳጋ ወጻኢ ኰይኑ ነይሩ። እዚ ማለት ዋጋታት በብሰዓቱ ይቀያየር ነይሩ ማለት እዩ።
ምኽንያት ናይቲ ውድቀት መጀመርታ ብፕረዚደንት ሙጋበ ስዒቡ ድማ ብፕረዚደንት ምናንጋግዋ ዝተርኣየ ውድቀት ምሕደራ ውድብ ዛኑ-ፒኤፍ ከምዝዀነ እዮም ነቐፍቲ ዝገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







