ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ ብዛዕባ ትራምፕ እንታይ ኢላ?

ማሪያ ማቻዶ

ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 ማሪያ ኩሪና ማቻዶ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ኣብ መላእ ዓለም ንሰላም" ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም እተመስግን ተዛሪባ።

መራሒት ተቓዉሞ ቬንዙዌላ ዝዀነት ማቻዶ፡ ንነዊሕ እዋን ኣንጻር ፕረዚደንት እታ ሃገር ኒኮላስ ማዱሮ ብዘካየደቶ ጐገጓስ እያ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 ተዓዊታ።

ብዙሓት፡ እቲ ን12 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ ሓላፍነቱ ዘይሕጋዊ እዩ ይብሉ።

ንሳ ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ምስ ትራምፕ ብቴሌፎን ናይ እንቋዕ ኣሐጐሰኪ መልእኽቲ ከም ዝተለዋወጠት ገሊጻ።

"ህዝቢ ቬንዙዌላ፡ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንሰላም፡ ንናጽነትን ዲሞክራሲ ብዝገብሮ ዘሎ የመስግነካ'ዩ፡" ከም ዝበለቶ ተዛሪባ።

ትራምፕ፡ ሸውዓተ ኲናታት ደው ከም ዘበለ ብምግላጽ፡ ነቲ ሽልማት ባዕሉ ክዕወተሉ ከም ዝደሊ ኣይሓብአን ነይሩ።

ትራምፕ፡ ልክዕ ዳግም ምስ ተመረጸ ንካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ኣብ ዝጀመረሉን እዋን፡ ሕጹያት ሽልማት ኖቤል ዝርቍሑሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ተዓጽዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ብዓርቢ "ኮሚቴ ኖቤል ኣብ ክንዲ ሰላም ንፖለቲካ ከም ዘዳሊ ኣረጋጊጹ፡" ኢሉ።

ማቻዶ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምዝርራባ "ኣዝዩ ከም ዘሐጐሳ፡" ብምግላጽ "ሞሳይ ከመሓላልፈሉ ክኢለ እየ፡" ኢላ።

እዚ፡ ነታ ንመብዛሕትኡ ግዜ ዝሓለፈ ዓመት ተሓቢኣ ክትነብር ዝተገደደት ጓል 58 ዓመት ፖለቲከኛ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ካብ ዝተራእዩ ፍሉያት ኣብነታት ሲቪላዊ ትብዓት ሓንቲ እያ፡" ክብል ኮሚተ ኖቤል ንኢዱዋ እዩ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኖቤል ጆርገን ዋትነ ፍሪድነስ፡ "ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲ ፍትሓውን ሰላማውን ምስግጋር ንምዕዋት ብዝገበረቶ ቃልሲ፡" ኣፍልጦ ከም ዝረኸበት ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ፡ "ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ ህይወታ ከቢድ ስግኣት እንተጋጠማ፡ ኣብታ ሃገር ጸኒሓ'ያ። እዚ ምርጫ'ዚ ንሚልዮናት ዘለዓዕል'ዩ፡" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማቻዶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ንከይትወዳደር ተኸልኪላ፤ ማዱሮ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብቲ መረጻ ተዓዊቱ።

እቲ ምርጫ ነጻ ወይ ፍትሓዊ ኣይኰነን ብምባል ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ብሰፊሑ ተነጺጕ፤ ኣብ መላእ ሃገር ድማ ተቓውሞታት ኣስዒቡ እዩ።

መቻዶ ግን፡ ካብቲ መረፃ ምስ ተኸልከለት እውን እንተዀነ፡ ነቲ ዝተመቐቐለ ተቓዋሚ ውድብ ክትጥርንፎ ብምኽኣላ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቬንዙዌላውያን ብድሕሪ እቲ ኣብ ድምጺ ምሃብ ዝተክኣ ብዙሕ ዘይፍለጥ ሕጹይ ኤድሙንዶ ጎንዛለዝ ክዓስሉ ገይራ እያ።

እቲ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ሃገራዊ ባይቶ መረፃ ማዱሮ ተዓዋቲ ምዃኑ ምስ ኣወጀ፡ መንግስቲ ማዱሮ ብተደጋጋሚ ክትእሰር ምዃና ምስ ኣፈራርሐ፡ ማሪያ ተሓቢኣ ጐስጓሳ ቀጺላ።

ማሪያ ማቻዶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዝረኸበቶ ሽልማታ ንእትገብሮ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሓይሊ ዝህባ ምዃኑ ተዛሪባ።

"ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ስርዓት ናይ ገበን መሓውር'ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ በቲ ዘይሕጋዊ ንጥፈታቱ እዩ ንነብሱ ዝከላኸል። ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ንብልሽውና ጥራይ ዘይኰኑ፡ ንዓፈና፡ ዓመጽን ራዕድን ዝውዕሉ ዋሕዚታት ክበትኰም ኢና ንደሊ።

"ስለዚ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወርቂ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ወይ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ነዳዲ ዝመጽእ ዋሕዚ ገንዘብ ምስ በተክኻ፡ ሽዑ እቲ ስርዓት ይወድቕ፡" ኢላ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቬንዙዌላ ኣብ ልዕሊ'ታ ዕጸ-ፋርስ ሒዛ ነይራ ዝተባህለት ጃልባ ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ምቕታሎም ዝዝከር እዩ።

ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዓለማዊ ማያት "ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ" ይሳተፋ እየን ዝበለተን ጀላቡ ቬነዝወላ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ተራእያ።

ኣብ ሃገራት ቬንዙዌላን ኮሎምብያን ሓዊሱ ውግዘት ዘስዐበ እንትኾን፡ ገለ ዓለምለኸ ተጣበቕቲ ነቲ መጥቃዕቲታት ምጥሓስ ዓለማዊ ሕጊ ክብሉ ገሊጾሞ።

ብሓሙስ ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ሓንቲ ካብተን ጀላቡ "ናይ ኮሎምብያ ኰይና ኣብ ውሽጣ ኮሎምብያውያን ዜጋታት እዮም ነይሮም፡" ኢሉ።

ዋይት ሃውስ እዚ ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ኢሉዎ።