ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቬነዙወላዊት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025 ተዓዊታ።
ማሪያ፡ ኣብ ሃገራ ደሞክራስያዊ መሰላት ክሕሎ፡ ፍትሕን ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ደሞክራሲ ሰላማዊ ስግግር ክህሉን ብዝገበረቶ ልዑል ጻዕሪን ስራሕን ከም ዝተዓወተት ኮሚቴ ኖቤል ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚቴ፡ "ማሪያ ኩሪና ማቻዶ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ፍልይቲ ኣብነት ስቪላዊ ሓቦ እያ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ማርያ ኮሪና ማቻዶ፡ "ንህዝቢ ቬንዙወላ ደሞክራስያዊ መሰላቱ ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ዘይሕለል ስራሕን ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ፍትሓውን ሰላማውን ምስግጋር ንምዕዋት ብዝገበረቶ ቃልስን፡" ኖቤል ሰላም ከም ዝተሸለመት ሓቢሩ።
ሽልማት ኖቤል ሰላም 2025፡ ንሓንቲ "ኣብ ውሽጢ ማዕበል ጸልማት ሃልሃልታ ደሞክራሲ ክቕጽል እትገብር ጓልኣንስተይቲ፡" ከም ዝተዋህበ እውን ገሊጹ።
ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ፡ "ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን፡ ነዚ ናይ ሓባር መርገጺ ምክልኻል ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ'ዩ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ንምዕዋት ሰፊሕ ህዝባዊ ጐስጓስ ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።
ንሱ፡ ኣብ ገለ እቶም ክሽለም ምኽንያት እዮም ዝብሎም ጭብጢታት ዘካትዑ'ኳ እንተዀኑ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ውግኣት ደው ክብሉ ገይሩ እዩ።
ከም ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝበሉ ደገፍቱ ኣብ ሓምለ ነቲ ሽልማት ሓጽዮምዎ ነይሮም።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ሰላም ኖቤል ጆርገን ዋትነ ፍሪድነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኮሚቴ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ሽልማት ንምዕዋት፡ ካብቲ ፕረዚደንትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝበጽሖ ዝነበረ ጸቕጢ ሕቶታት ቀሪብሉ።
ፍሪድነስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ "ኣብ ነዊሕ ታሪኽ" ሽልማት ኖቤል ሰላም እቲ ኮሚቴ ጐስጓሳትን "ወጥሪ ሚድያን" ከም ዝረኣየ ብምግላጽ፡ ዓመታዊ፡ ነዚ ሽልማት ዝሕጸዩ ሰባት፡ "እንታይ'ዩ ናብ ሰላም ዘምርሖም፡" ዝብል ኣሽሓት ደብዳበታት ከም ዝቕበል ተዛሪቡ።
"ውሳነና ኣብ ስራሕን ድሌትን ኣልፍሬድ ኖቤል ጥራይ እዩ ዝምርኰስ፡" እውን ኢሉ።
ማሪያ ኩሪና ማቻዶስ መን እያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተዓዋቲት ሽልማት ኖሴል ሰላም 2025 ማሪያ ኩሪና ማቻዶስ፡ ኣብዚ እዋን ንድሕነታ ብምስጋእ ተሓቢኣ እያ ትርከብ።
ንሳ፡ ካብ ነሓሰ 2024 ጀሚሩ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከም እትርከብ'ውን ኮሚቴ ኖቤል ገሊጹ።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ሰላም ኖቤል ጆርገን ዋትነ ፍሪድነስ፡ ኣብ ፖለቲካ ቬነዙወላ ንጡፍ ተሳትፎ ከም ዝህልዋ ብምግላጽ፡ እዚ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ሽልማት፡ "ንዕላማኣ ዝድግፍ እምበር ዝድርቶ ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ኣብ ታሕሳስ ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝካየድ ሽልማት ክርእይዋ ትጽቢት ኣለዎም ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ተስፋ ከም ዝገብሩ፣ ግን ከኣ ከቢድ ናይ ጸጥታ ኵነታት ከም ዘሎ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።
ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ኣብ ቬንዙወላ መራሒት ተቓወምቲ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኸይትወዳደር ተኸልኪላ ነይራ።
ኣብታ ሃገር፡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ሓደ ጽላል ብምምጻእ እትፍለጥ ኰይና፡ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ርእይቶ መረጻ፡ ንሳ ከም እትዕወት ዘመላኽቱ ነይሮም።
እንተዀነ፡ ተዓዘብቲ ምርጫ ብዙሕ ዘይስሩዕነት እኳ እንተ ሰነዱ፡ ኒኮላስ ማዱሮ ንሳልሳይ ግዜ ኣብቲ መረጻ ተዓዊቱ።
ድሕሪ ውጽኢት ምርጫ ኣብ መላእ ሃገር ተቓውሞታት ተኻይዱ።
እንተዀነ፡ ሰበ-ስልጣን ብዝወሰዱዎ ስጕምቲታት ደስኪሎም።
ማቻዶ፡ ብዘይካ ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንሓጺር እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምርኣያ ካብ ሽዑ ጀሚራ ዳርጋ ተሓቢኣ እያ ትነብር ዘላ።
ንሓጺር እዋን ተኣሲራ ከም ዝተፈትሐት ድማ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Liam Weir / BBC News
ጕጅለ ውጻእ መዓት ኣቶሚክ ቦምባ ጃፓን ዝዀኑ ኒሆን ሂዳንክዮ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2024 ከም ዝተዓወቱ ይዝከር።
ብ'ሂባኩሻ' ዝፍለጡ እቶም ብ1945 ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ካብ ዝተፈጸመ ቦምባታት ዝደሓኑ ሰባት እዮም።
ዓለም ካብ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምእላይ ብዝገበርዎ ጻዕሪ እዩ ብኮሚተ ኖቤል ኖርወይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም።
እዚ ኣብ 1956 ዝተመስረተ ትካል፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ናብ መላእ ዓለም ብምልኣኽ፡ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ኣጠቓቕማ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዘስዓቦ፡ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ዕንወትን ስቓይን" ምስክርነቶም ከካፍሉ ከም ዝገብር መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።
ተዓዋቲት ኖቤል ሰላም እዚ ዓመት፡ መዳልያ፡ ዲፕሎማን ገንዘባዊ ሽልማትን እዩ ክብርከተላ።
ኣብዚ ዓመት፡ ንነፍሲወከፍ ሽልማት 11 ሚልዮን ክሮኖር ስዊድን (1,156,395 ዶላር) ተመዲብሉ ኣሎ።
ኮሚተ ኖቤል ን50 ዓመታት ነዚ ሽልማት ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







