ትግራይ፡ ብጉዳይ ጥምየት ተመዛበልቲ ንፌደራል ዝኸሰሰ ህወሓት ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ምንጪ ስእሊ, WOYIN
ተፈናቐልቲ ኲናት ትግራይ "ኮነ ተባሂሉ ክጠምዩ" ይግበር ኣሎ ክብል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከሲሱ።
እቲ ውድብ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ "ህጹጽ ጻውዒት ንሰብኣዊ ደገፍ"፡ ቍጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ጥምየትን ሕማምን ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጹ።
"ድሕሪ'ቲ ካብቲ ኣብ ሕዳር 2020 (2013) ዝተራእየ ንድሓር፡ ኣብ ታሕሳስ 2025 (2018) መጠን ሞት ካብቲ ኣብ እዋን ንጡፍ ኲናት ዝነበረሉ ንላዕሊ ብናህሪ ወሲኹ ኣሎ።
"ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ረዲኤት ከምዝዕድል'ዩ ዝገልጽ- እዚ ግን ናይ ፕሮፖጋንዳ መግለጺታት እምበር፡ ትርጕም ዘለዎ ሓገዝ ናብ ማእከላት ተፈናቐልቲ ኣይበጽሐን" ክብል ይኸስስ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ዝተገደዱ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ምዕራብ ትግራይ ሃዲሞም ዝወጹ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦታት'ውን ናብ ዓድታቶም ክምለሱ ኣይክኣሉን።
ኣብ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ዓቢይ-ዓዲ፡ ዓዲ-ግራትን መቐለን ኣብ ዘለዉ መዓስከራት ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ይነብሩ ከምዘለዉ ትካላት ግብረሰናይን ተሓለቕትን ይገልጹ።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብፍላይ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያል ጥምየትን ሞትን ዝተኸሰተሉ መዓስከር ሕጻጽ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ "ብቐዳምነት ትዅረት ብምግባር ናይ ምግቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ" ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።
ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ሓገዝ ንዘድልዮም ዘይተቘራረፀን ምሉእን ሓገዝ ምግቢ ይግበረሎም ከምዘሎ" ብምግላፅ፡ ኣብ ማእከል ተመዛበልቲ ሕፃፅ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ን14 ሽሕን 413 ተመዛበልቲ ሓገዝ ከም ዝገበረ'ዩ እቲ ኮሚሽን ዝገልጽ።
እቲ ዝለኣኽ ሓገዝ ኣብ ዝግባኦ መዓላ ከም ዝወዓለ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዝገለጸ እቲ ኮምሽን፡ ኣብዚ ክፍተት ምህላው ከም ዝተዓዘበን፣ ነዚ ክፍተት ምምላእ፡ ሓላፍነት ከባብያውን ክልላውን ምምሕዳር ከም ዝዀነ እዩ ዝምጕት።
ኣብቲ ማእከል ተመዛበልቲ ሕጻጽ፡ ብዙሓት ብጥምየት ከም ዝሞቱን ኣብ ድርኩኺት ሞት ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ሰናይ ተግባር ዝነጥፉ ቲክቶከራት ክሳብ ዘቃልዕሉ እዋን፡ ብዛዕባ እዚ ክስተት ብግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ይዅን ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ብወግዒ ከይተዛረብሉ'ዮም ጸኒሖም ነይሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣተሓባባሪ እቲ ማእከል ቀሺ ኣብርሃ ኣርኣያ፡ ካብ 2021 ኣትሒዙ ኣብቲ ማእኸል 330 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት'ውን ሓገዝ እኽሊ ከም ዘይረኸቡን ተዛሪቦም ነይሮም።
ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ኣደታትን ህጻናትን ይሞቱ ምህላዎም ጃምላዊ መቕዘፍቲ ክፍጠር ከምዝኽእል ዘጠንቅቕ'ዩ ይብል እቲ ህወሓት ዘውጽኦ መግለጺ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ "ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተፈናቐልቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክምለሱ ኣይክኣሉን" ክብል'ውን ነቲ ዛጊድ ዘይተፈትሐ ቀንዲ ጉዳይ ተመዛበልቲ ኣልዒሉ።
ሰብመዚ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ኣፋፌት ሞት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘለዉ ዜጋታት ዘካይድዎ ዘለዉ ጐስጓስ ይዕንቅፍ ከምዘሎ'ውን ህወሓት ከሲሱ።
"መግቢ፡ ማይን ቀረባት ሕክምናን ንዕንቅፋታት መንግስቲ ብምሕላፍ ብህጹጽ ናብ ተመዛበልቲ ክበጽሕ" ማሕበረሰብ ዓለም ድፍኢት ክገብር'ዩ እቲ ውድብ ጠሊቡ ዘሎ።
"መንግስቲ [ፈደራል] ዜጋታትን ዳያስፖራን ዝገብርዎ ዘለዉ ምውጻእ ገንዘብ ከም ገበን ምቚጻር ደው ከብልን፡ ዝሓዞ ናይ ረዲኤት ገንዘብ ክመልስን ጸቕጢ ክግበር" ከምዘለዎ'ውን ህወሓት ተማሕጺኑ'ሎ።
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምትግባር ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ኵነታት ክፍጠር ኣለዎ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣኼባ ክጽውዑን ኣብ ልዕሊ ዓንቀፍቲ ዝዀኑ ሰበስልጣን እገዳ ክገብሩን ጸዊዑ'ሎ።
እቲ ብሕጊ ግዝኣት ክልል ትግራይ ዝዀነን፡ ኣምሓሩ ናትና ዝብልዎን ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ በቲ ኲናት ካብ 2020 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ'ዩ ዝመሓደር ዘሎ።
ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ወጺኦም፡ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ክምለሱ'ዮም ዝጠልቡ።
እንተዀነ፡ ብወገን ህወሓት'ውን እቲ ብመሰረት ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝኣተውዎ ዕጥቂ ናይ ይምፍታሕ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ'ዮም ሰብመዚ ፈደራል ክዛረቡ ዝስምዑ።

ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዝተፈጥረ ወጥርን ምትፍናንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መቐለን ኣስመራን እናተመሓየሸ ዝኸደ ዝምድናን ርክባትን ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ዝጸንሐ ምጥርጣር ክገድድ ከምዝገበረ ይንገር።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እምብኣር'ዩ ህሉው መነባብሮን መጻኢን እቶም ተፈናቐልቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ።
ብዙሓት ተፈናቐልቲ፡ እዚ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንመነባብሮኦም ከመሓይሽ ይዅን ናብ መረበቶም ክመልሶም ብዘይምኽኣሉ ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብመዚ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኸሎም ባጀት ብምቁራጹ ናብ ቅልውላው ይኣትዉ ከምዘለዉ ኣጠንቂቖም ነይሮም'ዮም።
ገለ ተሓለቕቲ ውልቀሰባት፡ ትካላትን ማሕበረሰባትን ነቶም ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ዝርከቡ ዘለዉ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ፈተነታትን ተበግሶታትን ከካይዱ'ኳ እንተጸንሑ፡ እቲ ጸገምን ሕሰምን ብኸምዚ ድሩት ልግሲ ዝፍታሕ ኣይኮነን።
ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምርዳእ ዘኽእል ሓደ ናጻ ኣጻራዪ ኣካል ናብቶም መዓስከራት ክልኣኽ'ውን ህወሓት ሓቲቱ'ሎ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንሓደጋ "ጥምየትን ሕማምን" ከም ዝተቓልዑን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉን ኣብ ግብረሰናይ ብዝነጥፉ ቲክቶከራት ምቅልዑ ስዒቡ፡ ወለንተኛታት ናብቲ መዓስከር ብምኻድ ክሕግዙ ተራእዮም።
ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ፡ ተመዛበልቲ ብጥምየት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ኣብ ድርኩኺት ሞት ከም ዝርከቡን፡ ብቲክቶከራት ክሳብ ዝቃልዐሉ እዋን፡ ብዛዕባ እዚ ክስተት ብግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፣ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኮነ መንግስቲ ፌደራል ኣይተዘረበሉን ነይሩ።
ኣብ ሳልሳይ 'ጂ ፓወር ቲክቶክ ክርኤቲቭ ኣዋርድ' "ብሉፅ ቲክቶከር" ብምዃን ተዓዋቲ ኣርባዕተ ሽልማታት ዝኾነ ወዲ 25 ዓመት ኣዶናይ ብርሃነ ነቶም ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ጎስጓሳት ከም ዘካየደ ይፍለጥ።
ኣዶናይ፡ ካብ ህዝቢ ናይ 100 ብር ሓገዝ ክግበር ብምፅዋዕ፡ ናብቲ ማእኸል ብምኻድ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ከም ዝሕግዝ እዩ ኣብ ፈለማ ገሊፁ ነይሩ።
ክልተ መዓልታት ኣብ ዘይመልእ ድማ 16 ሚልየንን 600 ሽሕን ብር ኣተኣኻኺቡ።
እንተኾነ ኮምሽነር ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ዶ/ር ሽፈራው ተኽለማርያም፡ "ፃውዒት ሓገዝ ኣብ ዘይቐረበሉ ብማሕበራዊ ሚድያ ብጉጅለ ኰነ ብተናፀል ዝካየዱ መተኣኻኸቢ እቶት፡ ንስርዓት ኣሰራርሓ ዝጠሓሱ ዘይሕጋዊ ኣካይዳታት'ዮም" ኢሉ።
"ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትእኽኻብ ንዘይግቡእ ዕላማ እናውዓሉ ዝርከቡ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ" ብምባል ድማ ኣጠንቂቑ።
ኣዶናይ ብርሃነ፡ እቲ ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ መጠንቀቕታ ስዒቡ፡ እቲ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ምስኡ ሓባራዊ ሕሳብ ባንኪ ምስ ዝኸፈቱ ካልኦት ነጠፍቲ ብምዃን ናብቲ ኮምሽን ከምዘእትዎ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሊጡ።
ኣዶናይ፡ እቲ ኮምሽን ብሰንኪ ዘውፅኦ መጠንቀቕታ ነዚ ውሳነ ክውስን ከምዝተገደደ'ኳ ብወግዒ እንተዘይገለፀ፡ ነዚ መጠንቀቕታ ስዒቡ 'ብሽም ተመዛበልቲ ሕፃፅ' ዝተኣከበ ድማ 16 ሚልየንን 600 ሽሕን ብር ናብቲ ኮምሽን ምእታዉ ግና ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀፂሉ።
ኮምሽነር ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተኽለማርያም (ዶ/ር) ንኢዜኣ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ (ህወሓት) "ኣብ ትግራይ ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ወገናት ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምምንጣል ድራማዊ ፕሮፖጋንዳ የጋውሕ ኣሎ" ብምባል'ውን ከሲሱ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







