ዕዉት ሓሳብ ስራሕ ንዘቕረቡ 100 ሽሕ ብር ዝምውል ኣቶ ቢጃይ ናይከር

ምንጪ ስእሊ, BEJAI NERASH
ኣብ ንግዲ ዓለም ዝተዋፈረ ኣቶ ቢጃይ ናይከር፡ ኣብዚ ሰሙን ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።
ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንንግዲ ዝምልከት ሓሳባቱ ብምዝርጋሕ እውን ይፍለጥ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ነዚ ስራሕ ድምጺ ሃቡኒ" ዝብሉ ጽሑፋትን ስሙን ብሰፊሑ ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ኣቶ ቢጃይ፡ ንመጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ርእሰ-ማል ንምርካብ ዘኽእል ኣብ ፌስቡክ 'ዘይወግዓዊ' ውድድር የካይድ ኣሎ።
ፋይናንሳዊ ትካላት፡ ርእሰ-ማል ስራሕ ንምሃብ ትሕጃ ስለዝጠልቡ ገለ መሃዝቲ ስራሕ፡ ሓሳቦም ጥራይ ሒዞም ከምዝተርፉ ይንገር።
ገንዘብ ክረኽቡ እንከለዉ ድማ ሓሳባቶም ግዜኡ ይሓልፎ።
ስለዚ ኣቶ ቢጃይ ካብ ፋይናንሳዊ ትካላት ሓሊፉ ስራሕ ንምጅማር ከም ‘እድርን ዕቑብን’ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ምትሕግጋዝ ይፍትሽ ኣሎ።
ካብ ከባቢ ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ነጻ ምወላ ፍረ" ብዝብል ውድድር፡ ርእሰማል ንመጀመሪ ስራሕ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ሓደ ዙር ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እዚ ውድድር ንኣሽሓት ሰባት ዘሳትፍ እዩ። ርእይቶ ዝህቡ’ውን ኣሽሓት እዮም።
ተወዳደርቲ ንግዳዊ ሓሳቦም የቕርቡ፤ ካብ ዳያናኑን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን (ፌስቡክ) ብዝረኽብዎ ድምጺ ዝተዓወቱ ተወዳደርቲ ካብ ኣቶ ቢጃይ 100 ሽሕ ብር ይረኽቡ።
እዚ ውድድር ኣብ ሻብዓይ ዙር ይርከብ። ኣቶ ቢጃይ ክሳዕ ሕጂ ንተዓወትቲ ልዕሊ 600 ሽሕ ብር ሂቡ ኣሎ።
እቲ ምወላ ከም ንሕብረተሰብ ዘበርክቶ ሓላፍነት ገይሩ ስለዝርእዮ፡ ነቲ ውድድር ንመዓልታት ዘካይዶ ብመገዲ ፌስቡክ እዩ።
"ኣነ ዝህቦ 100 ሽሕ ብር ዘርኢ እዩ። ሓረስታይ ዘርኢ ክወሃቦ ከሎ ግራት ይዘርእ እምበር ኣጥሒኑ ኣይበልዖን። ኣብቲ ግራት ዝዝራእ ድማ ካብቲ ፍርያቱ ኣዝዩ ውሑድ። ስለዚ ኣነ ዘርኢ እየ ሂበ። እዚ ምወላ እዚ ናይ ዘርኢ ምወላ እዩ ማለት’ዩ። ስለዚ እቲ ሰብ ካብ ኣደኡ፡ ካብ ማሕበረሰቡን ካብ ካልኦትን ወሲኹ ሓሳቡ ክትግብር ይኽእል፤ ወይ ድማ ባዕሉ ክሰርሓሉ ይኽእል'ዩ" ክብል ብዛዕባ እቲ ምወላ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
እቲ ጻውዒት ውድድር ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝቐርብ ኰይኑ፡ ማዕርነት ጾታ ንምሕላው ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሳተፋሉ ውድድር ከምዝተኻየደ ይገልጽ።
እቲ ምወላ 'ልቓሕ ወይ ወፍሪ ድዩ ወይስ ህያብ' ንዝብል ሕቶ ድማ “ህያብ” እዩ ክብል መሊሱ።
እቲ ውድድር ብሓፈሻ ፍናን ከምዝፈጠረ ዝዛረብ ኣቶ ቢጃይ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣስታት 20 ሽሕ ተወዳደርቲ ከም ዘመልክቱ ይሕብር።
". . . ድሕሪ ኲናትን ሕማምን [ኮቪድ-19] ብዙሓት መንእሰያት በሰላ ኣእምሮ ኣለዎም። ስራሕ ንምጅማር [ድሌት] ይንኪ እዩ። ስለዚ [እቲ ምወላ] ካልእ ክሓስቡ ምግባር ሓደ ካብ ዕላማታቱ እዩ።”
ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመት ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ዓብዱሰላም ማዕሩፍ፡ ፈላማይ ተዓዋቲ ነጻ ምወላ እዩ።
እቲ ነባሪ ራያ ኣላማጣ ዝዀነ መንእሰይ፡ ቅድሚ ምምዝባሉ፡ ኣብ ባጃጅን ነዳዲን ተዋፊሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይዛረብ። ናብ መረበቱ ምስ ተመልሰ ግን ስራሕ ኣይነበሮን።
"እታ ዝነበረትኒ ኣብኡ [ደሴ] ወዲእናያ ኢና መጺእና፤ ንነብስኻ ንምድሓን ዝኽፈል መስዋእቲ ስለዘሎ ማለት'ዩ" ይብል።
ዓብዱሰላም፡ ብዛዕባ ንግድን ምህዞ ስራሕን ስለዝከታተል ነቲ ውድድር ኣብ ፌስቡክ ከምዝረኣዮ ይገልጽ። "ዘዳለኽዎ ሓሳብ ስለዝነበረኒ ብኡንብኡ ኣብ ሳጹን ርእይቶ ኣቐሚጠዮ" ይብል።
ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ናይ ስፌት ክዳን ሓሳቡ ተመራጺ ኰይኑ፤ ንሰለስተ መዓልታት ነቲ ውድድር ድሕሪ ምምርሑ ድማ ተዓዋቲ ናይቲ ዙር ክኸውን ክኢሉ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቲ ውድድር ብዝረኸቦ 100 ሽሕ ብር ማሽን ስፌትን ካልኦት እታወታትን ብምግዛእ ስራሕ ከምዝጀመረ ሓቢሩ።
"መጀመርያ ብ33 ሽሕ ብር ‘ሲንጀር’ ገዚአ። ሽዑ በቲ ዝተረፈ ዝተፈላለየ ቅዲ፡ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ጨርቂታት ገዚአ ባዕለይ ዲዛይን እናገበርኩ መሸፈኒ ፍርናሽ፡ መሸፈኒ መንበር፡ መጋረጃ እናሰራሕኩ ይርከብ።"
ካብ ኣቶ ቢጃይ ዝተወሃቦ ሽልማት ገንዘብ "ኣብ ቅኑዕ ግዜ" ዝመጸ ይብሎ።
ዝረኸቦ ገንዘብ ነቲ ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ንምጅማር እኹል ከምዘይኰነ ዝጠቅስ እቲ መንእሰይ፡ እንተዀነ ስራሕ ምጅማር ዘኽእል እዩ ይብል።
ኣንሶላ ዓራት፡ ፍርናሽን ኩሽንን ባዕሉ ዲዛይን ዝገብር ዓብዱሰላም፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትእዛዝ ከም ዝቕበልን "ጽቡቕ" ይሰርሕ ከምዘሎን ይገልጽ።
ኣቶ ቢጃይ ከምዝብሎ ከም በዓል ዓብዱሰላም ዝኣመሰሉ ተዓወትቲ እቲ ምወላ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ንጡፋት እዮም።
ብተወሳኺ እቲ ጕዕዞ ክሳዕ ሕጂ ዕዉት ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ገንዘብ ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ናይ ንግዲ ሓሳብ ብግቡእ ኣብ ስራሕ ይውዕል ድዩ ኣይውዕልን ዝብል ግን ከምዘይቈጻጸር ይገልጽ።
እቲ ውድድር ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ እናተኻየደ ከምዝቕጽል’ውን ኣመልኪቱ።
እዚ ማለት ኣቶ ቢጃይ ንተዓወቲ ልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር ክህብ እዩ።
". . . ኣብ ረድኤት መሰረት ዝገበረ ህያብ ካብ ምሃብ ኣብ ስራሕን ንጥፈታትን ከምኡ’ውን ኣብ ለውጢ ዝተመስረተ ስራሕ እንተሂብካ ንኻልኦት’ውን ዝምህር እዩ። ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ኢለ ይሓስብ" ብምባል ኣብ ቀጻሊ ዕላማኡ ካልኦት ሰባት ኣሰሩ ክስዕቡ ምግባር ምዃኑ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







