ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ 'ዘ ዊክንድ' ቡን ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, THE WEEKND TWITTER PAGE
'ዘ ዊክንድ' ብዝብል ዝፍለጥ ድምፃዊ፡ ደራሲ ግጥምን ዜማን ኣዋሃሃድን ኣቤል ተስፋዬ፡ ንኣዲኡን ትውልዲ ዓዲ ኣዲኡን ዘኽብር ቡን ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ትውልደ ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ህቡብ ድምጻዊ ኣቤል፡ ምስ ‘ብሉ ቦትል ኮፊ’ ብምትሕብባር፡ ብስም ኣዲኡ ‘ሳምራ’ ተባሂሉ ዝተሰመየ ቡን ምሻጥ ከም ዝጅምር ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።
ኣቤል ተስፋዬን ሪፓብሊክ ሪከርድስ ዝተበሃለ ትካልን ብሓባር ዘጣየሽዎ ‘ብሉ ቦትል ኮፊ’ ባህሊን ቡንን ኢትዮጵያ ንዓለም ከፋልጡ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ተገሊጹ ነይሩ።
'ሳምራ ቡን' ካብ ዝመጽእ ሰሙን ሰሉስ ጀሚሩ ናብ ዕዳጋ ከም ዝቐርብ ይግለጽ።
"ባህሊ ኢትዮጵያ ወሳኒ ኣካል መንነተይ እዩ" ዝብል ኣቤል ባህሊ፡ ጸጋታትን ቡንን ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ከፋልጥ ድልየት ኣለዎ።
ኣቤል፡ ቆልዓ ከሎ፡ ኣዲኡ ብመሰረት ባህሊ ኢትዮጵያ ቡን ክተፍልሕን ምስ ጎረባብቲ ክትሰቲን ይዕዘብ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ነቲ ማሕበረሰብ ትውልዱን መንነቱን ከኽብር ከም ዝገበሮ ይሕብር።
ሳምራ ቡን ብኣቤልን መሻርኽቱን ኣብ 2002 ካብ ዝሕሰብ ኣትሒዙ ካብ ኢትዮጵያ ቡን ከም ዘምጽኡ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።
ኣቤልን ኣዲኡን ኣብ ምጥዓም እቲ ቡን ተሳቲፎም እዮም።
ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ፡ እቲ ቡን ብስም ኣዲኡ ዝሰመዮ ንኣዲኡን ኢትዮጵያዊ ትውልዱን ዘለዎ ኣኽብሮት ንምግላጽ ከም ዝዀነ የረድእ።
ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ ንምግላጽ ዝዓለመ እዩ።
ካብቲ ንመዘከርታ ኣዲኡ ዝሽየጥ ቡን ካብ ዝርከብ እቶት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክድግፍ መደብ ኣለዎ።
ብሉ ቦትል ካብቲ መሸጣ ካብ ዝረኽቦ እቶት፡ ሓገዝ መግቢ ንዘድልዮም ዕስራ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብመገዲ ፕሮግራም መግቢ ዓልም ኣቢሉ ከም ዘወፍይ እውን ተገሊጹ ኣሎ።
ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ ስራሓት ንምሕጋዝ 1 ሚልዮን ዶላር ከም ዘወፈየ ይዝከር።
ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ካብ ድምፃዊ ኣቤል ዝረኸቦ ሓገዝ ሓደ ሚልዮን ዳላር፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወልዐ ኩናት ተመዛቢሎም ረድኤት ንዝፅበዩ ዜጋታት ከምዘውዕሎ ገሊጹ ነይሩ።
ድምፃዊ ኣቤል፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ህፃናት ክሳብ ሽማግለታት ብጭካነ ክቕተሉን፡ መረበቶም ገዲፎም ክመዛበሉን ክሰምዕ፡ ልበይ ይስበር” ክብል፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ ነይሩ።
ካብ ኢትዮጵያውያን ስድርኡ ኣብ ካናዳ ተወሊዱ ዝዓበየ 'ዘ ዊክንድ'፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዓብይ ቦታ ዝወሃቦም ሽልማታት ኤምቲቪ፡ ቪኤምኤን ግራሚ ወይ ሽልማት ሙዚቃ ኣመሪካ ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ብኣመሪካውያን ልዑል ቦታ ኣብ ዝወሃቦ ፀወታ ሱፐር ቦውል ምድራፉ፡ ዓብይ ናእዳ ተጎናፂፉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







