ኢትዮጵያ፡ ኣገልገልትን ኣመንትን ኦርቶዶክስ ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞን ኣርሲ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ካህናትን ምእመናንን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርትን ምንጪ እታ ቤተክርስትያንን ሓቢሮም።

ኣብ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣርሲ፡ ደብረ ቅዱሳን ዶዶላ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብረክርስቶስ፡ ክልተ ኣገልገልትን መላእ ስድራቤቶምን ብሰኑይ 25 መጋቢት 2024 ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ፡ ምንጭታት ቤተክርስትያን ሓቢሮም።

ብዘይካ’ዚ ብሰንበት 24 መጋቢት ኣብ ምብራቕ ኣርሲ ሓንቲ 80 ዓመት ዝዕድመአን ኣደን ሓንቲ ጐርዞን ብጭካነ ከምዝተቐትላ ሓደ ብሰንኪ ስግኣት መንነቶም ክገልጹ ፍቓደኛ ዘይኰኑ ቐሺ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብመሰረት እቶም ቀሺ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ነታ መንእሰይን ነተን ኣደን ድሕሪ ምቕታሎም ንበዓል ቤተንን ወደንን ጨውዮም ወሲዶምዎም።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እቲ ቅትለት ኣብ ዞን ምብራቕ ኣርሲ ወረዳ ሽርካ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣማኑኤል ዝምታ ከምዝተፈጸመ ወሲኾም ገሊጾም።

እቶም ኣገልጋሊ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ክርስትያን ዜጋታት ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ ካብቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን፣ ሕጂ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘላ ከምዘይፍለጥን ሓቢሮም።

ኣብ ምብራቕ ኣርሲ ኣገልጋሊ እታ ቤተክርስትያን ዝዀኑ ካህን ከምዝገለጽዎ፡ ካብ መስከረም ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እታ ንቤተክርስትያንን ምእመናንን ዒላማ ብዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣነጺሮም።

ቢቢሲ ግን ነዚ ሓበሬታ ብሳልሳይ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ መፋርቕ መጋቢት ኣቢሉ ኣብ ተመሳሳሊ ዞባ ኣብ ዝርከብ ሽፎ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓደ ቐሺ ምስ በዓልቲ ቤቱ ከምዝተቐትሉ ካልእ ምንጪ ቤተክርስትያን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“እዚ ተግባር’ዚ ክንርኢ እንከለና ዒላማ እቲ መጥቃዕትታት ንቤተክርስትያንን ኣመንትን ዘነጻጸረ ምዃኑ ኢና ንርዳእ" ይብል።

ኣብቲ ከባቢ ንዝፍጸም ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብዝምልከት እቶም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ፈጸምቱ መን ምዃኖም ከምዘይፈልጡ ክገልጹ እንከለዉ፣ ኣካላት መንግስቲ ግን ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ይኸሱ።

"እቲ ጸገም ሱር ዝሰደደ ስለዝኾነ፡ ኣካላት ጸጥታ ተጓይዮም መጺኦም’ውን ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ኣይከኣሉን፤ መንግስቲ እቶም ሸኔ እዮም ይብል። ንሕና ግን እዚ እዩ ክንብል ዘኽእለና ሓበሬታ እውን የብልናን" ይብሉ እቶም ሃይማኖታዊ ኣቦ።

እዚ ኣብ ምብራቕ ኣርሲ ኰይኑ ኣብ ምዕራብ እውን ብተመሳሳሊ ክልተ ኣገልገልቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ሓሙሽተ ኣባላት ስድራቤቶምን ብሰንበት 24 መጋቢት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ፈነወ ተሌቪዥን ቤተ ክርስቲያን ጸብጺባ።

ኣቡነ ዮሴፍ - ካብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸመ ቅትለት ከምዝሰምዑ፣ እንተዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ኣርሲ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጸም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ኣርሲ 36 ምእመናን ምቕታሎም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ምውጋዛ ይዝከር።

ኣብ ርእሲ እቲ ቅትለት፡ ንብረት እታ ቤተክርስትያንን ኣባላታን ከምዝተሃስየ እውን እታ ቤተክርስትያን ገሊጻ ነይራ።

ኣብቲ እዋን ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣርሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉን፣ እቲ መጥቃዕቲ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽዎዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝፈጸሞን ገሊጹ ነይሩ።

ቢቢሲ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ካብ ሰብመዚ ክልል ኦሮሚያን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን፤ ዛጊት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝበልዎ ነገር’ውን የለን።