ኣብ ምብራቕ ወለጋ ብዙሓት ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ ነበርቲ ገሊጾም

ኣብ ክልል ኦሮምያ ሃይማኖታዊ በዓል ዘኽብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ሓበሬታ ከምዝበጸሖ ብምግላጽ መርመርቲ ሰብሞያ ከምዝመደበ ሓቢሩ፡፡
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኦሮምያ እቲ ትካል ኣቶ በዳሳ ለሜሳ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕትን ዝበጸሐ ዝርዝር ጉድኣትን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብግላጽ፡ ኣድላዪ መረዳእታ ንምእካብን ምርመራ ንምጅማርን ኣብ ከይዲ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ቅትለት ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ወረዳ ጊዳ ኣያና፡ ቀበሌ ኣንዶዴ ዲቾ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 6 መጋቢት 2016 (ግእዝ) ከምዝተፈጸመ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።
ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ግና ኣብቲ ከባቢ ከምቲ ዝተባህለ ዓይነት ቅትለት ከምዘይተፈጸመ ገሊጹ፡፡
ንድሕነቶም ሽሞም ከይጥቀስ ዝሓተቱ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ዝተገለጸ ሓይልታት መንግስቲ፡ ኣብታ ቀበሌ ናይ መጋቢት ጋብር ክብረ በዓል የኽብሩ ንዝነበሩ ኣስታት 40 ሰባት ‘‘ብዘይ ምኽንያት’’ ቀቲሎምዎም ክብሉ ከሲሶም፡፡
እቲ ቅትለት ዓርቢ 6 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ድግስ ካብ መንጎ ዝነበሩ ሰባት፡ ንሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ምስቀተሉ ዘይምርግጋእ ከምዝተጀመረ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡
ቅትለት እቲ መንእሰሰይ ስዒቡ ‘‘ስለምንታይ?’’ ኢሎም ምስ ዝሓተቱ ነበርቲ ዘይምርድዳእን ዕግርግርን ተፈጢሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ተዂሲ ከምዝኸፈቱ እውን እቶም ነበርቲ ይዛረቡ፡፡
ኣብቲ ድግስ ዝነበሩ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ‘‘እቲ ዝተቐተለ ተመሃራይ እዩ፤ ተፈናቒሉ ጸኒሑ ዝተመለሰ እዩ፤ ሕዚ እዩ ብእግሩ ካብ ጎጃም መጺኡ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ‘እንታይ ሰሚዕኩም ኢኹም ከምዚ ገይርኩም እትቐትልዎ?’’ ኢሉ ምስ ሓተቶም እዮም ተዂሲ ከፊቶም’’ ብምባል ጅማሮ እቲ ተኹሲ ገሊጾም፡፡
ነዚ ሓሳብ ዘረጋግጽ ካልእ ምስክር ዓይኒ፡ በቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ሓይልታት ጸጥታ ተዂሲ ከምዝኸፈቱ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ሃይማኖታዊ በዓል ዝነበረ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ተበታቲኑ ይሃድም ከምዝነበረ ሓቢሩ፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ‘‘ሃንደበታዊ እዩ ነይሩ’’ ክብል ዝገልጾ ሓደ ነባራይ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተመዝገበ ጠበንጃ ዘለዎም ሰባት ‘‘ብምድንጋር’’ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ተኹሲ ተለዋዊጦም ከምዝነበሩ ጠቒሱ፡ ሓይልታት መንግስቲ ምዃኖም ምስፈለጡ ግና ተዂሲ ደው ኣቢሎም ኢሉ፡፡
እቶም መሳርሒ ኲናት ዝሓዙ ሰባት ሓዊሱ እቲ ዝትኩስ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝኾነ ዝፈለጡ ነበርቲ እታ ቀበሌ ጎይዮም ክሃድሙ ከምዝፈተኑ ገሊጹ፡፡
ካብቲ ተዂሲ ዝተኸፈተሉ ከባቢ ሃዲሙ ህይወቱ ከምዘድሓነ ዝገልጽ ካልእ ነባራይ፡ ክልተ ፈተውቱ ሓዊሱ ክሃድሙ ዘይከኣሉ ሰባት ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ኣብቲ ዕግርግር ዝተፈጠረሉ እዋን፡ ኣነ እውን ምስ ኣምላኸይ፡ ብርከይ ጨቢጠ ብምህዳም ህይወተይ ተሪፋ፤ ምጉያይ ዘይከኣሉ ሽማግለታትን ኣንስትን ሞይቶም እዩ ዝበሃል’’ ኢሉ፡፡
በቲ ኣብ ቀበሌ ኣንዶዴ ዶቾን ጥቓኣ እትርከብ ኣሊ ጎጥን ብፍላይ ካብ መጋቢት 6 ክሳብ መጋቢት 7 (ዓርብን ቀዳምን) ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ቁጽሪ መወትቲ ‘’42 በጺሑ’’ ዝበሉ እቶም መራሒ ሃይማኖት፡ ‘‘ናይቶም ኣጓይዮም ዝቐተሉዎም ሰባት’’ ኣስከሬን ሐዚ በቢከባቢኡ ይርከብ ኣሎ ኢሎም፡፡
ካልእ ነባራይ ብግዲኡ ‘‘ብቢመዓልቱ ኣብዝን ኣብትን ሬሳ ተረኺቡ እዩ ዝበሃል፡፡ ክሳብ ሰሉስ (10 መጋቢት) ኣስታት 33 ሰባት ከምዝሞቱ ሰሚዕና፡፡ ሕዚ እውን ወሲኹ እዩ ዝበሃል ዘሎ፡፡ ነበርቲ ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ሬሳ ኣልሾም ይረኽቡ ኣለዉ፤ ዝጠፍኡ ከምዘለዉ እውን ይንገር’’ ኢሉ፡፡
ኣብቲ መጥቃዕቲ ክልተ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ኣሕዋቱ ከምዝተቐተልዎ ዝገልጽ ሓደ ነባራይ፡ ‘‘ጨጉረ ለወጥ ሰብ ተራእዩ’’ ዝብል ‘‘ጥቆማ’’ ከምዝጽንሐ ገሊጹ፡፡
ክልቲኦም ኣሕዋቱ ሰብ ሓዳርን ኣቦ ቆልዑትን ከምዝነበሩ ዝጠቅስ እዚ ነባራይ፡ ኩሉ ሻብ ከምዝገብርዎ ኣብ እንዳ ሓፍቶም በዓል ንምኽባር ከይዶም ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ፡፡
ብዛዕባ እቲ ቅትለት ብጽባሒትኡ 7 መጋቢት ከምዝፈለጠ ብምግላጽ፡ ኣስከሬን ኣሕዋቱ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ‘‘ሰራዊት ምክልኻል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ’’ ከምዘይሰለጠ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ሽማግለታት ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን መጺኦም፤ ኣብቲ ከባቢ ከበድቲ ኣጽዋር ጸሚዶም፡፡ ናዓና እውን ‘ኣስከሬን ኣይተልዕሉን፤ ናዓኻቱም እውን ክንቀትለኩም ኢና’ ብምባል እዮም ኣባሪሮምና’’ ክብል ቀብሪኳ ክፍጽሙ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ፡፡
‘‘ኣቦናን ኣዴናን፡ ነቲ ቅትለት ካብ ዝሰምዑሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንርእሶም ኣይፈልጡን፤ ቤተሰብ እውን ኣዐርዩ ተጎዲኡ እዩ፡፡ . . . (ንወለድና) ብዛዕባ ኣማውታኦምን እቲ ኩነታትን ዛጊት ኣይነገርናዮምን፡፡ ኣተሓባቢርና ኣብኡ (ኣብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ) ከምዝቐበርናዮም ኢና ነጊርናዮም፡፡’’
እቲ ቤተሰብ ስለዝሃደመ ሓዘን ክቕመጡ ከምዘይከኣሉ እውን ሓቢሩ፡፡
‘‘ዕጡቕ ሓይሊ ኣሎ’’ ብዝብል ፍተሻ ገዛ ንገዛን ቅትለትን ከምዝተፈጸመ እዮም እቶም ነበርቲ ዝዛረቡ፡፡
ብዛዕባ እቲ ቅትለት መግለጺ ዘውጸአ ሰልፊ እናት ድማ ‘‘ብዘይተፈለጡ ሰባት ኣባሉ ዝተቐተሎ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ስጒምቲ ምፍዳይ ሕነ ፈጺሙ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ሰልፊ በቲ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝሓበረ ኮይኑ ናይ 10 ግዳያት ኣሽማት ዘርዚሩ፡፡
ካብቶም ግዳያት እቶም 15 ከምተዝቐበሩ ዝገለጹ መራሒ ሃይማኖት ነባራይ እቲ ከባቢ፡ ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስትያን ተፈጺሙ ኢሎም፡፡
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምዝኾኑ ብኸመይ ከምዝፈለጡ ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ እቶም ነበርቲ ኣብቲ ከባቢ ዝሰፈረ ሓይሊ ከምዘሎ ብምጥቃስ ብኽዳኖም፣ ዝዓጠቕዎ ኣጽዋርን ተሸከርከርቶምን ከምዝፈለይዎም ተዛሪቦም፡፡
ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ዝተሓተተ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኮሎኔል ለሜሳ ደሬሳ፡ ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ዘኽብር መንግስታዊ ሓይሊ ከምዘሎ ብምሕባር ‘‘ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝትኩስ ሰራዊት ኣይኮነን’’ ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉ፡፡
እቲ ሓላፊ ‘‘በዚ ደረጃ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተፈጸመ ቅትለት የለን’’ . . . ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ‘‘ሕሶት እዩ’’ ካብ ምባል ወጻእ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመን ሐዚ ዘሎ ኲነታትን ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







