ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ፈለስቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐተልዋ ኣፍሊጣ

ገዳም ዝቋላ ደብረ ከዋክብት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ምንጪ ስእሊ, FB

መግለጺ ስእሊ, ገዳም ዝቋላ ደብረ ከዋክብት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዝቋላ ደብረ ከዋክብት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ብ 14 ለካቲት 2016 ዓ/ም፡ ኣርባዕተ ፈለስቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ፡፡

እቶም ዝተቐተሉ ኣቦታት፡ ናይቲ ገዳም መጋቢ ኣባ ተክለማርያም ኣስራት፣ ጸሓፊ ኣባ ኪዳነማርያም ጥላሁን፣ ናይ መጽሓፍ መምህርን ብቕዳሰ ዘገልግሉን ኣባ ገብረማርያም ኣበበ ከምኡ ድማ መናኒ ሃይለማርያም ወደልደሰንበት ምዃኖም መግለጺ እታ ቤተ ክርትያን የመልክት፡፡

እቲ ቅትለት እታ ቤተ ክርስትያን ‘‘ኦነግ ሸኔ’’ ክትብል ብዝገለጸቶ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ እውን ጠቒሳ፡፡

እቶም ሰለስተ ፈለስቲ በ 11 ለካቲት 2016 ኣግ ብዕጡቓት ‘‘ኦነግ ሸኔ’’ ተጨውዮም ምስተወሰዱ፡ እቲ ገዳም ከፍተሖም ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ተወሰኽቲ ፈለስቲ ከምዝተጨወዩ ቴሌቪዥን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ድሕረ ገጻ ኣብ ዝዘርገሐቶ ጸብጻብ ሓቢራ፡፡

ካብቶም ዝተጨወዩ እቶም ኣርባዕተ ብቕድሚ ትማሊ ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ ኣባ ኪዳነማርያም ገብረሰንበት ዝተባህሉ ፈላሲ ቆሲሎም ኣብቲ ገዳም ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የመልክት፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ እቶም ዕጡቓት ተመሊሶም ናብቲ ገዳም ከይኣትዉን እቶም ፈለስትን ቅርስታት እቲ ገዳምን ኣብ ሓደጋ ከይወድቁን፡ ኣካላት ጸጥታ ፌደራልን እቲ ክልልን ሓለዋ ክገብሩላ እታ ቤተ ክርትያን ጸዊዓ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ዝርከብ ዝቋላ ደብረ ከዋክብት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳማት ሓደ እዩ፡፡

ኣብቲ ገዳም ብዙሓት ፈለስቲ ከምኡ እውን ቅርስታት ዝርከቡ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘረፋ፣ ምቅጻልን ከቢድ ዕንወትን ከምዝበጽሖ መግለጺ እታ ቤተ ክርትያን የመልክት፡፡

እታ ቤት ክርስትያን ነቲ ቅትለት ብምፍጻም ዝኸሰሰቶ፡ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ዛጊት ብዛዕባ እቲ ክሲ ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡