ቅትለት፡ ምፍንቓልን ጭውያን መዓልታዊ ተጓንፎ ዝዀነሉ ምዕራብ ወለጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
*እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዘጋጠመ ተጓንፎ፡ ህይወት ቶላን ቤተሰቡን ኣበላሽዩ እዩ ሓሊፉ።
ብሕርሻ ዝመሓደር ቶላ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጃርዴጋ ጃርቴ ብሰላም ይነብር ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐ ቤተሰቡ ንምሕጋዝ ይጽዕር ኣሎ።
ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ዝነበረ ቀበሌ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣሕዋቱ ዝርከብዎም ሸሞንተ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ስኢኑ።
ንሱ ከምዝሕብሮ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ፋኖ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ኰይኖም፡ ዒላማ ዝዀነ ድማ “ብምኽንያት ዓሌቱ” እዩ።
“ኣሕዋተይ ክቕተሉ እንከለዉ ደቆምን ኣንስቶምን ይርእዩ ነይሮም። ማይ ጸሚኡና እናበሉ እናለመኑ እዮም ተቐቲሎም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እታ ሓንቲ ዘመደይ ናይ 12 ክፍሊ ተመሃሪት ነይራ፤ ንኣቦኣ ምስ ቀተሉዎ፡ ናብቲ ሬሳ ከይዳ ‘ናዓይ እውን ቅተሉኒ’ እናበለት በኽያ። ናዓኣ እውን ብጭካነ ቀቲሎምዋ።”
ንባዕሉን ቤተሰቡን ከድሕን ከብቱን ሕርሻኡን ጠንጢኑ ዝተሰደደ ቶላ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐ ይናበር'ኳ እንተሃለወ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ግን ክርሰዖ ኣይከኣለን።
ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ብፍላይ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ሞትን ምፍንቓልን ልሙድ መዓልታዊ ተጓንፎ ኰይኑ ኣሎ።
ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝዀነ ሓሰን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ተቐሚጡ እዩ፤ ቤትን ንብረትን ኣፍርዩ፤ ወሊዱ ስዒሙ።
ሓሰን “ብምኽንያት መንነትና ወሪዱና” ብዝበሎ መጥቃዕቲ ኣኮኡን ክልተ ደቂ ኣኮኡን ብሓደ መዓልቲ ስኢኑዎም።
“ዕሸል ህጻናት ሓዊሱ ክሳብ ደቂ 90 ዓመት ሽማግለታት ብዘሰቅቕ ኵነታት ተቐቲሎም እዮም። ዕጡቓት መጺኦም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 70 ሰባት እዮም ተቐቲሎም። ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃድሙ ዝነበሩ ደቂ ኣኮይ'ውን ተቐቲሎም።"
ሓሰንን ጐረባብቱን ቤተይ ንብረተይ እንከይበሉ ብህይወት ዝተረፉ ደቈም ሒዞም ተሰዲዶም። “መንግስቲ ድሕነትና ከውሕስ ኣይከኣለን” ክብል ዝወቅስ ሓሰን፡ መብዛሕትኦም ህጻናት ብጥምየት ይሃልቁ ከምዘለዉ ይዛረብ።
ሓሰን፡ ንመብዛሕትኦም መጥቃዕቲታት ኦነግ ሸነ ንዝተባህለ ዕጡቕ ተሓታቲ ይገብር። ብተወሳኺ መንግስቲ ፌደራልን እቲ ክልልን ንሓደጋ ኣቃሊዖምና ክብል ይወቅስ።

‘ዝተረሰዐ ኲናት’
ምዕራብ ኦሮምያ ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ ጐንጺ እዩ ዝርከብ።
ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ መንጐ መንግስትን ዕጡቓትን ብዝግበር ጐንጺ፡ ሰላማውያን ግዳይ ኰይኖም።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ጐንጺ፡ ገለ ሰባት ‘ዝተረሰዐ ኲናት’ ኢሎም ዝጽውዕዎ ኵነታት ምዕራብ ኦሮምያ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።
ሓሰን ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ኣምሓሩ፡ ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ዝወቕሱ'ኳ እንተዀኑ እቲ ጕጅለ ግን፡ ነቲ ወቐሳ ብምንጻግ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ይሓትት።
ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ድሕሪ እቲ ጕጅለ ፈጺምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጕጅለ ከጥፍኦ ምዃኑ ተሓንዩ ነይሩ።
እንተዀነ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መጥቃዕቲ ይፍጽምን ኣብቲ ክልል ጸቕጢ የሐይልን ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተንታኒት ፖለቲካ ጸዳለ ለማ፡ “ጐንጺ ምዕራብ ኦሮምያ ዝተረሰዐሉ ሓደ ምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ኲናት እዩ” ትብል።
ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ “ግብረሽበራዊ” ተባሂሉ ዝተበየነ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተነጺሉ ዝወጸ ጕጅለ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገር ክኣትዉ ብዝገበሮ ጻውዒት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ነቲ ጻውዒት ተቐቢሉ ክኣቱ እንከሎ፡ ገለ ኣባላት ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ውድብ ግን ተነጺሎም ዕጥቃዊ ቃልሲ ቀጺሎም።
ኣብቲ እዋን ድማ መንግስቲ ፌደራል ምስ ሰብመዚ ትግራይ ናብ ደማዊ ኲናት ንምእታው ይህንደድ ነይሩ።
መንግስቲ፡ እቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ብዙሓት ሰባት ኮነ ኢሉ ቀቲሉ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፡ እቲ ጕጅለ ብኣንጻሩ ነቲ ቅትለት ዝሕተቱ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝዀኑ ይገልጽ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውጽኦም ጸብጻባት፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ይዅኑ ወተሃደራት መንግስቲ ብቕትለት ሰላማውያን ሰባት ተሓተትቲ እዮም ኢሉ ነይሩ።
ገንዘብ ዝኽፈሎ ጭውያ
እቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ጕጅለ፡ መሓውሩ ንምጥንኻር ባንክታት ካብ ምዝማት ሓሊፉ ሰብስልጣን መንግስትን ውልቀ ሰባትን ብምጭዋይ ገንዘብ ይሓትት እዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ።
ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት በቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተጨውዮም ተወሲዶም፡ ገንዘብ ከፊሎም ከምዝተፈትሑ ሕጂ'ውን ብዙሓት ይጭወዩ ከምዘለዉ ቢቢሲ ሓበሬታ ረኺቡ እዩ።
እንተዀነ መብዛሕትኦም ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ክዛረቡ ኣይደልዩን። ምኽንያቱ እቲ ጕጅለ ብመጠንቀቕታ ኣፈራሪሑ እዩ ዝሰዶም።
ኣብ ቀረባ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ፡ ተጨውዮም ተወሲዶም፣ ገንዘብ ከፊሎም ከምዝተፈትሑ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።
እቶም ብ21 ሕዳር 2015 [ግእዝ] ዝተጨወዩ 17 ሰራሕተኛታት፡ ሓድሕዶም ካብ 300 ክሳብ 500 ሽሕ ብር ከፊሎም ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ።
እቲ ብናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎቴ ዝውነን ትካል ግን ብዛዕባ እቲ ጭውያ ዝበሎ ነገር የለን።
ጭውያታት፡ ብዙሕ ሞትን ምፍንቓልን ዝረኣየሉ ጐንጺ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ትዅረት መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዝሰኣነ እዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ብምኽንያት እቲ ጐንጺ ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ሰላማውያን፡ ፈቘዶ ኣብያተ ትምህርትን ካልእን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ገለ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ እውን ኣብ ውሑድ ኣዋርሕ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክፈናቐሉ ተገዲዶም።
ብዙሓት ህጻናት ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም፤ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ድማ ብስእነት መድሃኒት ይሳቐዩ ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተፈናቐልቲ፡ ንድሕነቶም መንግስቲ ናብ ሰላም ዘለዎ ከባቢ ወሲዱ ከስፍሮምን ዕለታዊ ሓገዝ ከቕርበሎምን ይምሕጸኑ።
“ካብ መንግስቲ እንደልዮ፡ ካብቲ ዘለናዮ ኣልዒሉ ሰላም ኣብ ዘለዎ ቦታ ከስፍረና እዩ” ይብል ሓሰን ንብዓት እናመጾ።
*ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዛንታ ዝሰፈሩ ሰባት ንድሕነት ተባሂሉ ተቐዪሩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







