ጽንፈኛ የማናውያን ደገፍቲ ናዚ ተቐባልነት ይረኽቡ ኣለዉ - ቻንስለር ጀርመን

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ሃገሩ መዓልቲ ዝኽሪ ናዚ ኣብ እተብዕለሉ ዘላ እዋን፡ ጽንፈኛ የማናውያን ደገፍቲ ናዚ ይውስኹ ምህላዎም ስክፍታ ከምዘሕደረሉ ገሊጹ።

ብዛዕባ "ኒዮ-ናዚን መርበባቶምን" ብምጥንቃቕ ህዝቢ ዓሌትነትን ጸረ-ሴማውነትን ክቃለስ ጸዊዑ።

ንሱ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ጀርመን ኣንጻር ርሑቕ የማናውያን ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ብሓጎስ ተቐቢልዎ እዩ።

ላዕለዎት መራሕቲ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ ኤኤፍዲ ዝተበሃለ ሰልፊ፡ ‘ስደተኛታት ጸራሪግካ ንምብራር’ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ምስታፎም ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም እዩ ተቓውሞታት ተራእዮም።

ነዚ ስዒቡ ጀርመን፡ ንሰልፊ ኤኤፍዲ ንምእጋድ ምስ ዝግበር ክትዕ እናተቓለሰት ትርከብ።

መዓስከር ምጽናት ኦሽዊትዝ ብወተሃደራት ሶቭየት ሓራ ዝወጸሉ መበል 79 ዓመት ንምዝካር ኣቐዲሙ ኣብ ዝተቐድሐ መደረ፡ "ብዛዕባ ኒዮ-ናዚን መርበባቶምን ሓደስቲ ጸብጻባት ኩሉ ግዜ ይቕልቀሉ ኣለዉ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ የማናውያን ፖፑሊስት ፍርሒን ዓሌትነትን ከም ነዳዲ ተጠቒሞም ተቐባልነት ይረኽቡ ኣለዉ" ኢሉ።

"እዚ ምዕባለ ግን ስቕ ኢልና ንቕበሎ ነገር ኣይኰነን" ክብል ሾልዝ ጀርመናውያን ኣንጻር ርሑቕ የማናውያን ደው ክብሉን ንዲሞክራሲ ጀርመን ክዕቅቡን ጸዊዑ።

"ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን . . . ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዲሞክራሲ፣ ምክብባርን ሰብኣውነትን ንምድጋፍ ናብ ጎደናታት ይወጹ ኣለዉ። ንዲሞክራሲና ድልዱል ዝገብሮ ምትእስሳር ዲሞክራስያውያን'ዩ።"

እቲ ቻንስለር፡ ዳይ ሃይማት ንዝተበሃለ ኣኽራሪ የማናዊ ሰልፊ ዝወሃብ ምወላ ንምንካይ ዝተወሰደ ፍሉይ ውሳነ እውን ብሓጎስ ተቐቢልዎ ኣሎ።

ብረቡዕ እቲ ሰልፊ፡ ሰልፍታት ጀርመን ብሕጋዊ መንገዲ ዝረኽብዎ ተወሳኺ ናይ መንግስቲ ምወላን ምንካይ ግብሪን ከይረክብ ክኽልከል ከምዘለዎ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን ወሲኑ እዩ።

እዚ ብይን ጀርመን ንሓደ ሰልፊ ከይኣገደት እንከላ መንግስታዊ ፋይናንሳዊ ደገፍ ክተቋርጽ ንፈለማ እዋን'ውን'ዩ።

ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ርሑቕ የማናዊ ሰልፊ ኣማራጺ ጀርመን (ኤኤፍዲ) ‘ስደተኛታት ጸራሪግካ ንምብራር’ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ምስታፎም ስዒቡ እታ ሃገር ኣንጻር ርሑቕ የማናዊ ጽንፈኝነት ዝካየዱ ብዙሕ ሰልፍታት ርእያ’ያ።

ሰልፈኛታት፡ እቲ ናይ ረቡዕ ውሳነ፡ ነቲ ብሃገር ደረጃ ልዕሊ 20 ሚእታዊት ተቐባልነት ዘለዎ ሰልፊ ኤኤፍዲ ዝወሃብ ደገፍ ንምምካት ከምዝሕግዝ ተስፋ ይገብሩ።