ጀርመን፡ ፖለቲከኛታት ‘ስደተኛታት ጸራሪግካ ንምብራር’ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ምስታፎም ቊጠዐ ቀስቂሱ

 ሰልፊ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, BBC/JENNY WITT

መግለጺ ስእሊ, እቲ ጸብጻብ ምስወጽአ፡ ኣብ በርሊን፣ ኮለንን ሃምቡርግን ሓዊሱ ኣንጻር ሰልፊ ኤኤፍዲ ዓበይቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዶምን ኣብ ገለ ድማ ተዳልዮም ኣለዉን

መንግስቲ ጀርመን ኣማራጺ ንጀርመን ወይ ኤኤፍዲ ዝተባህለ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ንምእጋድ ክትዕ የካይድ ኣሎ።

ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰልፊ፡ ስደተኛታት ካብ ጀርመን ጸራሪግካ ብዛዕባ ምብራር ኣብ ዝተዘተየሉ ኣኼባ ምስታፎም ድሕሪ ምቅልዑ ኣብ ጀርመናውያን ከቢድ ድንጋጸ ተፈጢሩ።

እቲ ተግባር ሰፊሕ ሰልፊ ተቓውሞን ውግዘትን ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ መረጻ ጀርመን ብተደጋጋሚ ካልኣይ ዝወጽእ ሰልፊ ኤኤፍዲ ግና ተቓወምቱ የካፍእዎ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ኣባል እቲ ሰልፊ በርንድ ባውማን ኣብዚ ሰሙን ንፖለቲከኛታት እቲ ገዛኢ ጥምረት ኣብ ዘስመዖ መደረ ‘‘ፍርሓት ይጋፋሕ ኣሎ፤ ፍርሕኩም ነሽትቶ ኣለና’’ ክብል ተዛሪቡ።

ኮሬክቲቭ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብዘካየዶ ምርመራ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ጥቓ በርሊን ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል 20 ዝኾኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኤኤፍዲን ደገፍቲ ናዚ ጸለውትን ‘‘ምስጢራዊ’’ ኣኼባ ከምዘካየዱ ኣቃሊዑ።

ብውሑድ ክልተ ኣባላት ናይቲ ኣንጌላ መርከል ኣባል ዝበረትሉ ሰልፊ ማእከላይ-የማን ክርስትያን ዲሞክራት ፓርቲ (ሲዲዩ) ከምዝተሳተፉ እውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ሰብመዚ እቲ ሰልፊ ነቲ ክሲ የጽንዕዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቲ ኣኼባ ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሓተትቲ ዕቑባ፣ ምስ ማሕበረሰብ ዘይተሓናፈጹ ከምኡ ድማ ናይ መንበሪ ፍቓድን ዜግነትን ዘለዎም ግን ድማ ጀርመናዊ መበቆል ዘይብሎም ሰባት ብዛዕባ ‘‘ምስጓግ’’ ዝዓለመ ምንባሩ ተገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ምስወጽአ፡ ኣብ በርሊን፣ ኮለንን ሃምቡርግን ሓዊሱ ኣንጻር ሰልፊ ኤኤፍዲ ዓበይቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዶምን ኣብ ገለ ድማ ተዳልዮም ኣለዉን።

ፖሊስን ኣዳለውትን ከምዝገለጽዎ ብቐዳም ጥራሕ ኣብ መላእ ጀርመን ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፉሎም ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዶም።

ብዓርቢ 50 ሽሕ ተቓወምቲ ኣብ ዝሳተፉሉ ሰልፊ ማእከል ሃምቡርግ ከንቲባ እታ ከተማ ኣብ ዘስመዖ መደረ ‘‘ካብ 1945 ጀሚሩ ንካልኣይ እዋን ሃገርናን ዲሞክራሲናን ከይዓኑ ንምክልኻል ሕቡራትን ውፉያትን ኢና’’ ብምባል ንሰልፊ ኤኤፍዲ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ብዙሓት ሰልፈኛታት እቲ ስደተኛታት ናይ ምብራር ውጥንን ጥንካረ ሰልፊ ኤኤፍዲን ሻቕሎት ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም።

ሓደ ስድርኡ ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝፈለሱ ጀርመናዊ ‘‘ግኣት ተሰሚዑኒ ኣሎ፤ ድሮ ካብ ጀርመን ንምውጻእ እትልም ኣለኹ። ድሕሪ ሕዚ ኣብዚ ሰላም ኣይክስመዓንን’’ ኢሉ።

ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ሓደ ምኢቲ ከተማታት ሰልፊታት ተቓውሞ ክካየዱ ትጽቢት ከምዝግበር መራኸብቲ ብዙሃን ጀርመን ጸብጺበን።

ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ነቶም ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ብምንኣድ፡ ዝኾነ ስደተኛታት ንምብራር ዝግበር ውጥን ‘‘ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስን ኣብ ልዕሌናን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ’’ ብምባል ኣጠንቂቑ።

መራሕቲ ኤኤፍዲ ግና እቲ ኣኼባ ምስጢራዊ ዘይኮነስ ውልቃዊ ምንባሩን በቲ ሰልፊ ከምዘይተጸወዐን ብምግላጽ እቲ ሰልፊ ክእገድ ዝጽውዑ ምንቅስቓሳት ኮኒኑ።

ኦስትርያዊ ሕሉፍ-የማናዊ ጎስጓሲ ማርቲን ሰንለር፡ ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ስደተኛታት ብበዝሒ ናይ ምብራር ‘‘ቀንዲ ውጥን’’ ኣቕሪቡ ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ፡፡ እቲ ውጥን ስደተኛታት ክሳብ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክትቅበል ናብ እትኽእል ሰሜን ኣፍሪቃዊት ‘‘መርኣያ ሃገር’’ ምስዳድ ዝብል ከምዘጠቓልል እቲ ምርመራ የመልክት።

‘‘ሸኽሚ’’ ዝብሎም ስደተኛታት ‘‘ናብ ካልእ ሃገር ምስዳድ’’ (ሪኢሚግሬሽን) ዝብል ሓሳብ ብምቅላሕ ዝፍለጥ ማርቲን ሰንለር ነቲ ብኮረክቲቭ ‘‘ቀንዲ ውጥን’’ ተባሂሉ ዝቐረበ ጸብጻብ ነጺጉ።

ነቲ ምርመራዊ ውጽኢት ስዒቡ 25 ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራክ ቡንደስታንግ ሰልፊ ኤኤፍዲ ዝእገደሉ መስርሕ ክርአ ጸዊዖም።

ብዙሓት ውጽኢት እቲ ምርመራ ምስቲ ናዚ ኣብ 1940 ኣርባዕተ ሚልዮን ኣይሁድ ናብ ማዳጋስካር ንምግዓዝ ዘውጽእዎ ውጥን ከምኡ ድማ ኣብ 1942 ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ኣውሮጳ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ንምፍጻም ‘‘ናይ መወዳእታ ፍታሕ’’ ብምባል ዝተለምዎ ጉባኤ ዋንሲ የነጻጽርዎ ኣለዉ።