ዋሕዚ ስደተኛታት ንምምካት ስምምዕ ተፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብኸፊል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕዝነታዊ ስምምዕ ምስ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሳይድ ተፈራሪሙ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን ነቲ ስምምዕ ኣብ ቱኒስ ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን፡ ኣብ ምሕደራ ዶባትን ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ዝያዳ ምትሕብባር ከም ዝህልዎም ቃል ኣትያ።
ሕሉፍ የማናዊት መርገጺ ዘለዋ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ቅልውላው ስደት" ኣብ ምምካት ሓቀኛ ሽርክነት ንምፍጣር ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጻ።
ቱኒዝያ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ክኸዱ ንዝፍትኑ ስደተኛታት ቀንዲ መበገሲት ኮይና ጸኒሓ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እታ ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብምዃን ምስ ቱኒዝያ ሓድሽ ሽርክነት ንምምስራት ኣብታ ሃገር ዑደት ከም ዘካየዳ ዝዝከር እዩ።
ትማሊ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቮን ደር ሌየን ምስ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ስዒድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሆላንድ ሩተን ከምኡ’ውን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ሜሎኒ ብሓባር ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝተሃንጸ ምዃኑ የመልክት።
ንመንእሰያት እታ ሃገር ዝተፈላለዩ ዕድላት ምፍጣር፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ወፍሪን ተሓዳሲ ጸዓትን እቶም ስምምዕ ዝተገብረሎም ኣርባዕተ ነጥብታት እዮም።
መበል ሓምሻይ ኣካል እቲ ስምምዕ ፍልሰት ወይ ስደት ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብዚ መዳይ “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ኣድማዒ ምትሕብባር” ከም ዘድሊ'ዩ እቲ ሓባራዊ መግለጺ ዘመልክት።
ነቶም “ንሰብኣዊ ተስፋ ምቑራጽ ይምዝምዙ ኣለዉ” ዝተባሃሉ ገበናዊ መርበባት ኣሰጋገርትን ነጋዶን ንምስባር፡ ምስ ቱኒዝያ “ኣብ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስርሒታዊ ምሕዝነት” ከም ዝተመስረተ እቲ ሓባራዊ መግለጺኦም የረድእ።
ብተወሳኺ ኣብ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ስደተኛታት እውን “ምውህሃድ” ንክብርኽን ስደተኛታት ኣብ “ምምላስን ምፍታሕ ሱር ጠንቅታት” ስደትን ንምትሕብባር ከም ዝተሰማምዑ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ድማ ቱኒዝያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ልዕሊ 100 ሚልዮን ዩሮ ምወላ ክትረክብ እያ።
ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ምኽባር ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ኣብ ቱኒዝያ ቅድመ ኵነት ክህልዎ ጸዊዖም።
ፕረዚደንት ስዒድ ኣብ 2021 ባይቶ ኣፍሪሱ ቅዋም እታ ሃገር ከም ዘመሓየሸ ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ዲሞግራፊ ናይታ ዓረብ-ኣስላም ዝዀነት ሃገር ቱኒዝያ ንምቕያር ውዲት ኣሎ ክብል ዝሃቦ ኣካታዒ ርእይቶ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማዕበል ዓሌታዊ ዓመጽ ኣጋጢምዎም እዩ።
ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት 13 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ስፋክስ ካብተን መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝጽዕና ጀላቡ ተገዲዶም ናብ ገማግም ባሕሪ ከም ዝተመልሱ ጸብጻብ ሃገራዊ ሓለዋ ቱኒዝያ ይሕብር።
ኣብ መንጎ ጥሪን ሚያዝያን ናይዚ ዓመት ኣስታት 24 ሽሕ ሰባት ብኣረግቶት ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ከም ዝበጽሑ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ካብ 2014 ጀሚሩ ልዕሊ 27 ሽሕ ሰባት ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ቱኒዝያ፡ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቀንዲ መበገሲት ኮይና ትርከብ።
ቅድሚ ሕጂ ቀንዲ መበገሲት ሊብያ’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዓመጽን ብገበነኛታት ጕጅለታት ዝፍጸም ጭውያታትን ግን ብዙሓት ናብ ቱኒዝያ ከምርሑ ይገብሮም ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







