ከም ድኻ ዝነብር፡ ሃብታም ዓለምና ኤሎን ማስክ፡ እዚ ኹሉ ገንዘቡ ኣብ ምንታይ የውዕሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንብዙሕ ዓመታት፡ ካብ ሃፍታማት ዓለምና ቀዳማይ ዘሎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤሎን ማስክ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መጠን ሃፍቱ ፍርቂ ትሪልየን ዝበፅሐ ፈላማይ ሰብ ኰይኑ ኣሎ።
ማስክ ዋላ'ኳ ኣብ ጫፍ እዚ ሃፍቲ እንተኾነ፡ ኣነባብርኡ ግና ክንድ'ቲ ዝግመት ከምዘይኮነ እዩ ዝዛረብ።
ኣብቲ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ 50 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ገዛ ከም ዝነብር፡ ኣብ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ገሊፁ ነይሩ።
ኣደ ክልተ ደቁ፡ መፃምድቱ ነበር፡ ግሪምስ ኣብ 2022 ንመፅሄት ቫኒቲ ፌር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኤሎን ማስክ ብዙሓት ከም ዝግምትዎ ሕሉፍ ኣነባብራ ከም ዘይብሉ ተዛሪባ ነይራ።
"ንሱ ከም ቢልየነር ኣይነብርን። ሓደ ሓደ ግዘ ትሕቲ መስመር ድኽነት'ዩ ዝነብር" ኢላ።
ሓደ እዋን ንሳ ብትድቅሰሉ ክፋል ዘሎ ፍርናሽ ዓራቶም ዝተቐደደ ኰይኑ'ውን፡ ሓድሽ ፍርናሽ ንምዕዳግ ፍቓደኛ ከምዘይኾነ ትዝክር።
ከም ግምት ብዙሓት መዓልታዊ ናብርኡ ሕ'ሉፍ'ኳ እንተዘይኾነ፡ ነቲ ናብ ሳብማሪን ክቕይሮ ሓሲቡ ዝዓደጎ መኪና ሓዊሱ ፍሉያት መኻይን ግና ኣዝዩ እዩ ዝፈትው። ኤሎን ማስክ ሚልየን ዶላራት ዝዋግአን ብዙሓት ናይ ውልቀ ነፈርቲ'ውን ኣለወኦ።
ኣብ 2022 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ነቲ ድሒሩ ኤክስ ኢሉ ዝሰየሞ ትዊተር፡ ብ44 ቢልየን ዶላር ዝዓደገሉ እዋን'ውን ኣይርሳዕን።
መሊሱ ዝሸጦም ምቹዋት መንበሪ ኣባይቲ
ኤሎን ማስክ ሓደ እዋን ዝማርኹ ናይ ሪል ስቴት ገዛውቲ ነይሮምሞ።
ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ 2019 ዘውፅኦ ፀብፃብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመታት ሸውዓተ ገዛውቲ ንምዕዳግ፡ 100 ሚልየን ዶላር ወፃኢ ገይሩ።
ካብዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ናይ ሃፋትም ከባቢ ቤል ኤር ዝርከቡ እዮም ነይሮም።
እቶም መንበሪ ኣባይቲ መሐመሲ፣ ሜዳ ቴንስ፣ መኽዘን ወይኒ፣ ናይ ውልቀ ቤተ-መፅሓፍቲን ኣዳራሽን ነይርዎም። ካብዚኦም ኣባይቲ እቲ ሓደ፡ በቲ ገፀ-ባህሪ ዊሊ ዎንካ ብምውሳእ ዝፍለጥ ስሙይ ተዋሳኣይ ጄን ዊለደር ዝውነን ዝነበረ'ዩ።
ኣብ 2020 ግና ኤሎን ማስክ ሓሳቡ ቀይሩ። ንዘለዎ "ንዋታዊ ንብረት ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝሸጦምን ዋላ ሓደ ገዛ ከም ዘይህልዎን" ኣብ ትዊተር ፅሒፉ።
እቲ ወግዓዊ ዝገበሮ ፅሑፍ፡ "እቲ ገንዘብ ኣይደልዮን። ንባዕለይ ንማርስን መሬትን ክውፍይ እየ። ዋንነት (ንዋታዊ ንብረት) የዘናግዕ'ዩ" ኢሉ።
ማስክ ነዚ ትልሙ ወግዓዊ እንትገብር፡ ሓደ ቅድመ ኹነት ብምቕማጥ እዩ። እቲ ቅድመ ኩነት ንናይ ተዋሳኣይ ጄን ዊለደር ገዛ "ምፍራስ ወይ ሓንቲ ነፍሱ ምስኣን ኣይከኣልን (ተፈጥሮኡ፣ ስሕበቱን ታሪኹን ንኽዕቅብ)" ዝብል ነይሩ።
ከም ቃሉ ድማ እዚ ሰለስተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ፡ ንወዲ ሓፍቲ እቲ ተዋሳኣይ ዝኾነ ጆርዳን ዎከር ፐርልማን ሸይጥሉ። ዎከር ፐርልማን ነቲ ገዛ ንክዕድጎ፡ ማስክ ብሚልየን ዶላር ዝቑፀር ገንዘብ ኣለቂሕዎ።
እንተኾነ፡ እቲ ውልቀሰብ ነቲ ዝተለቅሖ ገንዘብ ክመልሰሉ ስለዘይኽኣለ፡ ማስክ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሰነ 2025፡ ዳግማይ ወናኒ እቲ ገዛ ኰይኑ።
ኤሎን ማስክ፡ ቀንዲ መንበሪኡ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ቴክሳስ ዝርከብ ብቐሊሉ ዝተሰርሐ 50 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ከም ዝኾነ፡ ኣብ 2021 ብትዊተር ገሊፁ ነይሩ።
እዚ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ጥቓ እቲ 'ስፔስ ኤክስ' ዝበሃል ናይ ማስክ ኤሮስፔስ ኩባንያ እዩ ዝርከብ። እዚ ኩባንያ ዝርከበሉ ከባቢ ስታርቤዝ ብዝብል እዩ ዝፍለጥ።
"ደስ በሃሊ ነገር'ዩ" ብምባል ኣብዚ ገዛ ምንባር እንታይ ከም ዝመስል ይገልፅ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝቕፅል ዓመት ድማ፡ ሓደ ገዛ'ውን ከም ዘይውንን ተዛሪቡ። ቢሊየነር ክንሱ፡ ወፃእታቱ ክንደየናይ ትሑት ምዃኑ ኣብነት ብምፅራሕ ከረድእ ጀሚሩ።
"ሓደ ሓቂ ኣብ ናይ መሓዙተይ ገዛ እየ ዝሓድር" ብምባል፡ ንሓላፊ መራኸቢ ብዙሓን 'ቲኢዲ' ክሪስ ኣንደርሰን ተዛሪቡ።
"ብዙሓት መሃንዲሳት ተስላ ናብ ዝርከበሉ ቤይ ኤሪያ (ከባቢ) እንተተጓዒዘ፡ እንዳ መሓዙተይ እናዘርኹ ኣብ ትርፊ መደቀሲ ክፍሊ እሓድር" ኢሉ።
ማስክ ከምዚ ዓይነት ህይወት እንትመርሕ ፋልማዩ ኣይኰነን። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ነበር ላሪ ፔጅ፡ ማስክ "ገዛ ኣልቦ ክበሃል ዝኽእል" ሰብ ከምዝኾነ፡ ኣብ 2015 ጠቒሱ ነይሩ።
"ኢሜይል ፅሒፉ፣ 'ሎሚመዓልቲ ኣብ ምንታይ ከም ዝሓድር ኣይፈልጥን። ክመፅእ እኽእል'ዶ?' ኢሉ ይሓትት" ኢሉ ነይሩ።
ማስክ ኣብ መላእ ኣሜርካ ገዛውቲ ይዕድግ ኣሎ ዝብሉ ግምታት፡ ንዓመታት ክዝርጋሕ ፀኒሑ'ዩ። ደሓር ግና ማስክ ዝውንኖ መንበሪ ገዛ እቲ ናይ ቴክሳስ ጥራሕ ከም ዝኾነ ተራእዩ።
ኣብ ዓለም ብርቂ ዝኾና መኻይን
ማስክ መንበሪ ገዛ ንምዕዳግ ልዑል ገንዘብ ኣየውፅእን ምባል ግና፡ ብዛዕባ መኻይን'ውን ከምዚ'ዩ ዝሓስብ ማለት ኣይኰነን።
ወናኒ ናይቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ዘፍርይ ኩባንያ ተስላ ከም ምዃኑ መጠን ወናኒ እኩብ ዘይተለመዳ፡ ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ብጣዕሚ ብርቂ ዝኾና ተሽከርከርቲ ምዃኑ ዘደንቕ ኣይኰነን።
ናይ መበል 20 ክፍለ ዘበን 'ፎርድ ቲ' ካብ እኩብ መኻይኑ ሓደ እዩ። እዚ ተሽከርካሪ ዝኾነ ሰብ ክዕድጎ ብዝኽእል ዋጋ ዝቐረበ ፈላማይ መኪና እዩ። ኣብ ኢንዳስትሪ ሞተር'ውን ታሪኽ ዝቕይር ለውጢ ኣበጊሱ ዝግስግስ ዘሎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images
ኣብ 1967 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝፈረየ 'ኢ-ታይፕ ሮድስተር' ጃጓር መኪና'ውን ኣለዎ። ማስክ ነዚ መኪና ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ'ዩ ዝደልዮ ነይሩ።
ማክላሬን ኤፍ1 መኪንኡ ኣብ 1997 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዳግማይ ተጋጭዩ ንመፀገኒ ብዙሕ ገንዘብ ድሕሪ ምውፅኡ ሸይጥዎ።
ኤሎን ማስክ ንፈለማ እዋን ንመሸጣ ዘቕረቦ ተስላ ሮድስተር መኪና'ውን ነይሩ። ኣብ 2018 ግና ብመንኰርኮር ፅዒኑ ናብ ህዋ ኣወንጪፍዎ።
ካብ ኩሎም መኻይን ፍልይ ዝበለ ግና፡ ኣብ 1977 ኣብ ፊልም 'ዘ ስፓይ ሁ ላቭድ ሚ' ገፀ-ባህሪ ጄምስ ቦንድ ዝዘወሮ ናይ 1976 ሎተስ ኢስፕሪት መኪና እዩ።
ኣብቲ ፊልም 'ዌት ኔሊ' ዝብል ሳጓ ዝተውሃቦ እዚ መኪና፡ ናብ ሳብማሪን ክቕየር እዩ።
ማስክ ኣብ 2013 ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብኣስታት ሓደ ሚልየን ዶላር'ዩ ዓዲግዎ። ነዚ መኪና ናብ ሳብማሪን ናይ ምቕያር ዓቕሚ ንክህልዎ ምግባር ዓሊሙ እዩ ዓዲግዎ።

ምንጪ ስእሊ, Screen Archives/Getty Images
ብነፋሪት ናብ ስራሕ ምጓዓዝ
ኤሎን ማስክ ኣብ ነፈርቲ ብዙሕ ገንዘብ ምውፃእ ከም ዝፈቱ'ኳ እንተኣመነ፡ ምኽንያት እዚ ግና ኣብ ስርሑ ከድህብን ክተግህን ስለ ዝሕግዞ ከም ዝኾነ ይገልፅ።
ኣብ 2022 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "ነፋሪት እንድሕር ዘይተጠቒመ፡ ኣብ ስራሕ ዘውዕሎ ሰዓት ይንክይ" ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ።
ካብ ዘለውዎ ናይ ውልቀ ጀታት ስርሓት ኩባንያ ነፈርቲ 'ገልፍስትሪም' ምግላፅ ይከኣል። ኤሎን ማስክ ነዞም ጀታት፡ ብ10 ሚልየናት ዳላር ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ገይሩ'ዩ።
ኣብ አሜርካ ናብ ኩባንያታት ስፔስ ኤክስን ተስላን ንምምልላስ ይጥቀመሎም። ንዓለምለኻዊ መገሻታት'ውን ይጥቀመሎም።
ሕቶ ዘልዕል ስራሕቲ ግብረ-ሰናይ
ኤሎን ማስክ ቢልየን ዶላራት ዘውፅኡ ኣክሲዮናት ንትካላት ግብረሰናይ ከም ዝለገሰ፡ ሰነዳት ቤት-ፅሕፈት ቁፅፅር መንግስቲ አመርካ ይሕብሩ።
ንዝተፈላለዩ ጉዳያት'ውን፡ ብብዙሕ ዶላር ዝቝፀር ገንዘብ ንምሃብ ተመፃቢዑ።
እንተኾነ ስራሕቲ ግብረ-ሰናይ ማስክ ነቐፌታ ይቐርቦ'ዩ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ "ኣበስ ቀደስ፣ ብኣውርኡ ንባዕሉ ዝጠቅም፣ ዓብይ ሩፍታ ግብሪ ንኽረክብ ዘኽኣለ፡ ከምኡ'ውን ንኻልኦት ናይ ንግዲ ትካላቱ ንምሕጋዝ ዘኽኣሎ" ብምባል ነቒፍዎ።
ናይ ግብረ-ሰናይ ትካሉ 'ማስክ ፋውንዴሽን'፡ " "ብሳይንሳዊ ምርምራትን ምህዞታት ቴክኖሎጂን ዕብየት ወዲሰብ ንምድንፋዕ ዝተጣየሸ" ከም ዝኾነ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ጠቒሱ ኣሎ።
ብመሰረት ፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ ግና፡ እቲ ፋውንዴሽን ንተኸታታሊ ሰለስተ ዓመታት ክንድ'ቲ ክልግስ ዝግበኦ ገንዘብ ኣይሃበን።
ንመዝገባት ግብሪ እቲ ፋውንዴሽን ዝተዓዘበ እቲ ፀብፃብ፡ ዝበዝሑ ሓገዛት (ልገሳታት) ምስ ኤሎን ማስክ ርክብ ንዘለዎም ትካላት ዝተውሃቡ'ዮም ይብል።
ኤሎን ማስክን ፋውንዴሽኑን ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንኽህቡ ሕቶ ቀሪብሎም'ዩ።
ማስክ ቅድሚ ሕዚ፡ ብዛዕባ ስራሕቲ ግብረ-ሰናይን ልገሳን ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ባህላዊ (ልሙድ) ስራሕቲ ግብረ-ሰናይ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ዘለዎ ጥርጣረ ገሊፁ ነይሩ።
"ንትርኢት ዘይኾነስ፡ ብሓቂ ፅቡቕ ክትገብር እንተደሊኻ፡ ግብረ-ሰናይ ኣዝዩ ከቢድ እመስለኒ" ብምባል፡ ኣብ 2022 ንክሪስ ኣንደርሰን ተዛሪቡ ነይሩ።
ማስክ ከም ዝብሎ፡ ህላወ ናይ ንግዲ ትካላቱ ቀንዲ ዕላምኦም ግብረ-ሰናይ'ዩ። "ንወድሰብ ምሕጋዝ ከም ግብረ-ሰናይ እንተተቖፂሩ፡ ህይወት ወድሰብ ንምምሕያሽ ዓሊሞም ንዝተጣየሹ ትካላቱ፡ ግብረሰናይ እዮም" ብምባል ይምጕት።
ተስላ፡ "ዘላቒ ፀዓት ናይ ምጥቃም ዓቕሚ የሳልጥ" ከምዘሎ ዝዛረብ ማስክ፡ ስፔክስ ኤክስ ድማ፡ "ናይ ወድሰብ ናይ ነዊሕ እዋን ህላወ ጉዳይ ንምርግጋፅ ይፍትን" ከምዘሎ የረድእ።
ኒውራሊንክ ድማ፡ ጉድኣት ሓንጐልን ንምፍዋስን ኣንፀላልዩ ካብ ዘሎ ብሰብሰራሕ ብልሒ (ኤኣይ) ንዝመፅእ ሓደጋታትን ንምክልኻልን ይሰርሕ ከም ዘሎ፡ እዚ ሃፍታም ዓለምና ይገልፅ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







