ክልተ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ቤተመዘክር ኣይሁድ ዋሽንግተን ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Israeli Embassy to the US
ክልተ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ማእከል ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ግዳም ቤተመዘክር ኣይሁድ ከም ዝተቐትሉ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኤም ገሊጻ።
እቶም ሳራ ሊን ሚልግሪምን ያሮን ሊሺንስኪን ዝተባህሉ ግዳያት፡ ኣብ ቤተመዘክር ኣይሁድ ካፒታል ካብ ዝነበረ መደብ ክወጽኡ ከለዉ ብጥይት ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ሓቢሮም፣ እቲ ፍጻመ ኰነ ኢልካ ዒላማ ዝተገብረ ይመስል።
እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 21፡05 እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ተዅሲ ዝተኻየደሉ ቦታ ድማ ሓያሎ በጻሕቲ ሃገር ዑደት ዘካይድሉ፡ ቤተመዘክርን ህንጻታት መንግስትን፡ ከምኡ'ውን ቤትጽሕፈት ስርሒት ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዝርከበሉ እዩ።
ኣብቲ ተዅሲ ዝተፈጸመሉ እዋን ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ሓደ ናይ ቤተመዘክር መደብ ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
"ዝያዳ ሓበሬታ ንምክፋል ብንጥፈት ንምርምርን ንሰርሕን ኣለና፡" ክትብል ኖኤም ኣብ ኤክስ ጽሒፋ። "ንስድራቤት ግዳያት ጸሎት ኣብጽሑሎም፣ ነዚ ገባሪ እከይ ድማ ናብ ሕጊ ከነቕርቦ ኢና፡" ኢላ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ፍጻመ "ጸረ-ሴማውያን ዝፈጠሮ ርዅስ ተግባር ግብረሽበራ፡" ክብል ገሊጹዎ።
ኣምባሳደር ዳኒ ዳኖን ኣብ ኤክስ፡ "ንዲፕሎማሰኛታትን ማሕበረሰብ ኣይሁድን ምጕዳእ፡ ቀይሕ መስመር ምስጋር እዩ፡" ክብል ጽሒፉ። "ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም በዚ ገበናዊ ተግባር'ዚ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ሓያል ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ርግጸኛታት ኢና፡" ወሲኹ።
እቲ ፍጻመ ካብ ፖሊስ ሓያል መልሰ ተግባር ዝረኸበ ኰይኑ፡ ሓያሎ ቀንዲ ጐደናታት እታ ከተማ ክዕጾ ደሪኹ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ንምርካብ ሃድን ይካየድ ኣሎ።
እቲ ጥርጡር ሰማያዊ ጅንስን ሰማያዊ ጃኬትን ዝለበሰ ጭሕሚ ወጠጦ ዘለዎ ሰብኣይ ምዃኑ፡ ምንጭታት ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ሓቢሮም።
ካፒቶል ካምፓስ ናይ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ከም ወትሩ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ ሲቢኤስ ሓቢሩ።
"ክንወጽእ ምስ በልና፡ እቶም ፖሊስን ጸጥታን ኣብ ታሕቲ ኰይኖም ክንወጽእ ከም ዘይንኽእል ነጊሮምና፡" ይብል ሓደ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ኣብቲ ዝነበሮ ህንጻ ኣብ ዕጽዋ ዝጸንሐ ተምሃራይ።
"ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብዚ ኣለዉ፣ ክንከይድ ከም ዘይንኽእል እዮም ዝነግሩና ዘለዉ።"
ፈጻሚት ዳይረክተር ቢኣትሪስ ጉርዊትዝ ቅድሚ እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ፍሉይ ጸብጻብ ዜና፡ "ኣብ መላእ ከተማን ሃገርን ዝርከባ ትካላት ኣይሁድ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓድሓደ ትካላት ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘፍርሕ ፍጻመታትን ጸረ-ሴማውነትን ብዛዕባ ጸጥታአን ይሻቐላ እየን፡" ኢላ።
እቲ ቤተመዘክር ኣብዚ ቀረባ እዋን ጸጥታኡ ንምዕባይ ብኸፊል ሓገዝ ከም ዝረኸበ ገሊጻ።
ጉርዊትዝ፡ "ምስዚ ተኣሳሲሩ ስግኣታት ከም ዝተፈጥረ ንርዳእ ኢና፡ " ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ፡ "እዚ ፍጻመ እናተዳህሰሰ እንከሎ፡ እዚ ቦታ በጻሕቲ ንምቕባል ከም ወትሩ ኣፍደገኡ ርሑው ምዃኑን ውሕስነት ከም ዘለዎ ክስምዖም ንደሊን፡" ኢሉ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







