ተደጋጋሚ ግጭት ክልል ጋምቤላ፡ መበገሲኡ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ጋምቤላ ንዓሌት ወይ ንብሄር መሰረት ዝገበሩ ግጭታት ብተደጋጋሚ ከጋጥሙ ተራእዮም እዮም።
ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፍጽምዎም መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ንሞት፡ መቝሰልትን ምምዝባልን ተቓሊዖም እዮም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ጋምቤላ ብዕጥቂ ዝተደገፉ ግጭታት ክኽሰቱ ከምዝጸንሑን ብሰንኮም ድማ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎን ሓቢሩ ነይሩ።
ካብ ግንቦት 2015 [ኣግ] ጀሚሩ ኢታንግ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ወረዳ ኣብ መንጐ ነበርቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ብቕልጡፍ ናብ 'ዓሌታዊ' ወጥሪ ከምዝተሰጋገረ ካብ ነበርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብሓድሽ መልክዕ ድሕሪ ዝተወለዐ ግጭት ህይወት ሰባት ብምጥፍኡ ካብ 13 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ ግብራዊ ኰይኑ’ሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ቅትለት ንጹሃት ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሓበረ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ ብፍላይ፡ "ኣብ መንጐ ብሄራት ኑዌርን ኣኙዋክን ዝተፈጥረ ግጭት ብኽልቲኡ ወገን ሞት ብዙሓት ሰባት ኣስዒቡ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ግጭት ዝሞቱን ዝቘሰሉን ከምኡ’ውን ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ከምዘለዉ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጋምቤላ (ጋህዴን) ኣቶ ሳይመን ቱት ከምዝበሎ፡ ካብ መጋቢት 2015 ኣ.ግ ጀሚሩ ብሰንኪ ዝተወለዐ ተኸታታሊ ግጭታትን ዝተፈፀመ መጥቃዕትታትን ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዕጡቓት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ጋምቤላን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓድነት ፈጢሮም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዘዘኻኸረ ኣቶ ሳይመን፡ ነዚ ስዒቡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ጉድኣት ኣውሪዶም ክብል ይኸስስ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ነበርቲ ቅሬታ ስለዝተፈጠረ እቲ ምፍጣጥን ግጭታትን እናሰፍሐ ይቕጽል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ቅትለት ሰላማውያን ነበርቲ ንኽፍጸም ትእዛዝ ዝሃቡ፡ "ተወለድቲ ኣኙዋክ ዝዀኑ ሰበስልጣን እዮም”፤ “ኣይፋል ነዚ ዝፈፀሙ ተወለድቲ ኑዌር እዮም” ዝብል ምጕት ኣብ መንጐ መራሕቲ ከይተረፈ ምፍልላይ ከምዘስዓበ ይዛረብ።
ኣብ መንጎ ብሄራት ኣኙዋክን ኑዌርን ከቢድ ወጥሪ ከምዘሎን ኣብ ነንሕድሕዶም ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ከምዝወስዱን ዝዛረብ ኣቶ ሳይመን፡ "ካብ መጋቢት ጀሚሩ ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ግጭት እዩ ዘሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሰባት ሞይቶም ዝብል ግምት ኣለና” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝረአ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ዝያዳ ቆላሕታ መንግስቲ ዝጠልብ ከምዝዀነ ብዕለት 16 ሓምለ 2015 ኣብ ዘውፅኦ መግለጺኡ መተሓሳሰቢ ምቕራቡ ይዝከር።
መበገሲ’ቲ ጐንጺ እንታይ እዩ?
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ጋምቤላ ምስ ደቡብ ሱዳን፡ ኦሮምያን ክልል ደቡብን ዝዳወብ ኰይኑ ኣኘዋክ፡ ኮሞ፡ መዠንገር፡ ኑዌርን ኦፖን ዝበሃሉ ሓሙሽተ ብሄራት ዝሓቘፈ እዩ።
ካብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ዝመጹ ተወሰኽቲ ብሄራት እውን ይነብሩሉ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድማ ንብሄር መሰረት ዝገበሩ ተደጋገምቲ መጥቃዕትታትን ግጭትን ዝረኣዮ ኰይኑ ብዘይካ’ዚ ካብ ደቡብ ሱዳን ብዝመጽኡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፍጸሞ ይግለጽ።
ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ እቲ ክልል ንልዕሊ 480 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣዕቊቡ ይርከብ።

መንግስቲ ክልል ጋምቤላ ኣብቲ ናይ ቀረባ እዋን ግጭት ብዝሒ ዝሞቱ ወይ ዝቘሰሉ ሰባት'ኳ እንተዘየነጸረ "ኣብ ምዝራግ ሰላም ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ሹመኛታት ኮኑ ካልኦት ኣካላት” ምጽራይ ብምክያድ ተሓታትነት ከምዝኣትው ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቃል ኣትዩ’ሎ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ብሰንኪ እቶም ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ካብ ዝሰዓበ ጉድኣት ብተወሳኺ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነዉ መንገድታት ከምዘለዉ ነበርቲ ሓቢሮምኒ ይብል።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣቶ ኡገቱ አዲንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ብሰንኪ’ቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ግጭት ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብርግጽ እቲ በዓል ስልጣን ኣብ መግለፂኡ ክንደይ ሰባት ከም ዝቘሰሉን ከምዝሞቱን፡ ክንደይ ንብረት ከምዝዓነወ ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ’ዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ከተማ ጋምቤላ ቅድሚ ሎሚ ብሰንኪ ዓሌት ወይ ሕነ ደም ምፍዳይ ዘጋጥም ዝነበረ ግጭት ንኽልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ይፀንሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር እቲ ናይ ሕዚ ግን "ከቢድ" ምዃኑ ገሊጹ።
“እቲ ኵነታት ካብ ሕቶ ብሄር ሓሊፉ ናብ ግዝኣታዊ ጉዳይ ዝሰጋገር ዘሎ ይመስል” ብምባል ካብ ደቡብ ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ዝኣትዉ ዕጡቓት ድማ ኣብ ከባብታት ኢታንግን ላሬን ምስ ተወለድቲ ኣኙዋክ ተኹሲ ከምዝኸፍቱ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ነባሪ ከምዝሓበሮ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጠረ ግጭት ስዒቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጣልቃ ብምእታው ከህድኡ ፈቲኖም’ዮም።
ኣብቲ ክልል ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ከምዘሎን ምኽንያት ምግፋሕ ግጭታት ከምዝዀነን ዝዛረብ እቲ ነባሪ፡ ፈደራል መንግስቲ እውን ኣብቲ ክልል ንዘሎ ግጭት ብዕምቆት መርሚሩ ፍታሕ ክህብ ብዘይምኽኣሉ ይወቅስ።
"ብዘይካ'ዚ፡ ኣብዚ ክልል ልዑል ቍጽሪ ዘለዎ ስደተኛ እዩ ዘሎ፤ ኣብ ጋምቤላ ዝርከብ ስደተኛ ልዕሊ 480 ሽሕ ይኸውን። መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ድማ ዓሌት ኑዌር [ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመፅኡ] እዮም። ስለዚ ግጭት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን እቶም ስደተኛታት ብብዝሒ ናብታ ከተማ ኣትዮም ምስቶም ነበርቲ እዮም ዝጽንበሩ፡" ድሕሪ ምባል እዚ ድማ ነቲ ጸገም ክጋደድ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።
ቍጽሪ ስደተኛታት ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ክልል ምዃኑ ዝሕብር እዚ ነባሪ፡ እዞም ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ኑዌር ከኣ ኣብቲ ተወለድቲ ኣኙዋክ ብብዝሒ ዝነብርሉ ከባቢ ስለዘዕቆቡ ጠንቂ ቀጻሊ ግጭት ክኸውን ከምዝኸኣለ ዘለዎ ርእይቶ ይገለፅ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዓሌታዊ ፍልልያት እውን ጠንቂ ግጭት ይዀኑ ምህላዎም ዝዛረብ እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ "ፕረዚደንት እቲ ክልል ተወላዲ ኣኙዋክ ክኸውን ከሎ ምክትሉ ድማ ካብ ኑዌር እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቶም ካብ ዓሌት ኑዌር ዝዀኑ ሰባት ፕረዚደንት ክንከውን ይግብኣና ዝብል ክትዕ የልዕሉ። ስለዚ ጉዳይ ስልጣንን ረብሓን ኣብ መንጐ እቶም ብሄራት ከቢድ ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ” ይብል።
“ስደተኛታት ኣብ ግጭታት ይሳተፉ ድዮም ኣይሳተፉን ዝብል ጭቡጥ ሓበሬታ የብለይን” ዝብል ኣቦ መንበር ሰልፊ ጋህዴን ኣቶ ሳይመን፡ ብወገኑ ነቲ ክልል ብፕረዚደንትነት ናይ ምምራሕ ጉዳይ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ብሄራት ጠንቂ ግጭት ምዃኑ ሓቢሩ።
ውድቡ፡ ብ16 ሓምለ 2015 ኣ.ግ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰበስልጣን ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ነቲ ኣብ ብሄር ዝምስረት ግጭት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቀምሉ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ ምንባሩ እቲ ኣቦ መንበር የዘኻኽር።
እቶም ነቲ ክልል ዘመሓድሩ ሹመኛታት ሰልፊ ብልጽግና ካብዚ ግጭት ክረብሕዎ ዝደልዩ ነገር እንተሃለወ ድማ "ስም ናይ ገዛእ ርእሶም ሰልፊ ምጽላም ጥራይ" ምዃኑ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, GAMBELLA TOURISM
ሰበስልጣን እቲ ክልል እንታይ ይብሉ?
ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብ ወከልቲ ህዝቢ ናብ ፕረዚደንት እቲ ክልል ብዙሓት ሕቶታት ከም ዝቐረቡን ምስ ግጭትን መጥቃዕትን ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት’ውን ከም ዝርከብዎምን ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክረታርያ ጋምቤላ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ፕረዚደንት ኡሞድ ኡጁሉ ነቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት መልስን መብርህን ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላን ካልኦት ከባቢታት ክልሎምን ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ግጭታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ብምጥቃስ፡ "እቶም ኣብቲ ክልል ሰላም ከይፍጠር ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ኣብ በዓቲ ብሄር ተሓቢኦም ሰባት የቃትሉን ኣኽራርነት ይሰብኩን ኣለዉ" ክብል ከምዝተዛረበ ተሓቢሩ’ሎ።
ነቲ ጸገም ዘጓሃህሩን ተሳትፎ ዝገበሩን ኣካላት ተሓተትቲ ናይ ምግባር ስጕምቲ ይውሰድ ከምዘሎ’ውን ኣብቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ከምዝሓበረ ተገሊጹ።
ሰልፊ ብልጽግና ጋምቤላ ብወገኑ ኣብቲ ክልል ንዘለዉ ጸገማት ጸጥታ ብዘላቒ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መድረኽ ገምጋም ኣብ ዋና ከተማ እቲ ክልል ክካየድ ከምዝጀመረ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ የመልክት።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዘሎ ኵነታት ካብ ክልላዊ ሰበስልጣን ተወሳኺ ሓበሬታን መብርሂን ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣይተዓወተን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







