ንኣስታት 50 ዓመት ብጌጋ ዝተኣሰረ ጸሊም ኣመሪካዊ መን እዩ ዝኽሕሶ?

ሲሞንስ ብጌጋ ምእሳሩ ዝፈጠሮ ቂምታ ክገድፎ ይጽዕር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, CRYSTAL CHATMON

መግለጺ ስእሊ, ሲሞንስ ብጌጋ ምእሳሩ ዝፈጠሮ ቂምታ ክገድፎ ይጽዕር ኣሎ

ወዲ 70 ዓመት ግሊን ሲሞንስ ምስ ሓደ ዓርኩ ናብ ቱልሳ ኦክላሆማ እናተጓዕዘ እንከሎ ብመስኮት ናብቲ ብከዋኽብቲ ዝደመቐ ሰማይ ይጥምት።

ንሱ፡ ብዘይፈጸሞ ቅትለት ዝበዝሕ ህይወቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ኣሕሊፉ፤ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ድማ ክርእዮ ዘይከኣለ ምርኢት’ዩ ነይሩ።

"ወቕትታት ክቕየሩ ምርኣይ፡ ኣቝጽልቲ. . . ከምኡ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ነገራት'ዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትርእዮም ዘይትኽእል፤ ከተስተማቕሮ ኣይትኽእልን። ክትሪኦ ኣይከኣልካን" ብምባል ዘሐጕስ ምርኢት ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሲሞንስ ኣብ ሓምለ 2023 እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኣብ ታሕሳስ ኣብ 1974 ኣብ ልዕሊ ካሮሊን ሱ ሮጀርስ ብዝተፈጸመ ቅትለት ነጻ ተባሂሉ ተኣዊጁ። ፍርዱ ኣብ ኣሜሪካ እቲ ዝነውሐ ግጉይ ፍርዲ እዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓደ ምስክር ካልኦት ጥርጡራት ምልላይ ዝርከብዎም ኵሉ ዓይነት መርትዖታት ንጠበቓታቱ ከምዘይሃቡ ምስ ተፈልጠ እዩ እቲ ፍርዱ ተሰሪዙ።

ንሱን ምስኡ ዝተኸሰሰ ዶን ሮበርትስን ኣብ 1975 ንሞት ክፈርዱ ከለዉ ወዲ 22 ዓመት እዩ ነይሩ፡ እዚ መቕጻዕቲ ድሒሩ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተቐይሩ።

ሲሞንስ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዝረኸቦ ሓድሽ ናጽነቱ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ደረጃ 4 መንሽሮ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲን ን48 ዓመታት ኣብ መቑሕ ዘሕለፎ ተስፋን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ንጹህ ምዃን፡ እምነትካ ክትሕሉ ይሕግዘካ" ኢሉ። "እምነተይ ኣይሰኣንኩን እንተዝብል ምሓሰኹ፡ ብዙሕ ግዜ፤ ግን ከም ጎማ'ዩ - ይውስኽ፡ ይንኪ።"

'ኰነ ኢልካ ዝግበር ሸለልትነት ፍትሒ'

ኣብ ጥሪ 1975 ሲሞንስ ምስ ሓያሎ ሰባት ብ"ናይ ሓሶት ክስታት ምዝማት" ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ኣብ ሓደ መደበር ፖሊስ ድማ ኣብ መስርዕ ናይታ ኣብ ከባቢ ከተማ ኦክላሆማ ኣብ ዝተኻየደ ምዝማት ድኳን መስተ ዝተቐተለት ሮጀርስ ክሳተፍ ተሓቲቱ። ኣብቲ ድኳን ትሰርሕ ዝነበረት ሮጀርስ ኣብ ርእሳ ብጥይት ተሃሪማ እያ ተቐቲላ።

ሲሞንስ፡ "21 ዓመተይ'የ ነይረ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስርዓተ ገበናዊ ፍትሒ ዝዀነ ተመኵሮ ኣይነበረንን" ይብል።

"ናይ ጠበቓ መሰል ከም ዘለኒ፡ ናይ ምእባይ መሰል ከም ዘለኒ ኣይፈለጥኩን። ዝዀነ ኣመት ኣይነበረንን።"

ኣብቲ ፍጻመ ኣብ ርእሳ ብጥይት ዝተሃርመት ዓሚል፡ ካብቲ ሆስፒታል ምስ ወጸት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ነቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ ካብቲ መስርዕ ክመርጾ ከምዝተሓተተ ሲሞንስ ይዛረብ።

ንሲሞንስ ፈጺማ ኣየለለየቶን። ኣብ ክንድኡስ፡ ብውሑዱ ካልኦት ሰለስተ ኣብቲ መስርዕ ዝነበሩ ሰባት ዝገልጽ ዝተፈላለየ ባህርያት ከም ዘመልከተት ጆ ኖርውድ ዝተበሃለ ጠበቓ ሲሞንስ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ሉዊዚያና ከምዝነበረ ዝገለጸ ሲሞንስ ብቕትለት ንሞት ተፈሪዱ።

"ኣነ ፍሸለት ፍትሒ ኣይብሎን እየ፤ ጌጋ ኣይነበረን። ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ተግባር እዩ ነይሩ" ሲሞንስ፤ "ኰነ ኢልካ ዝግበር ሸለልትነት ፍትሒ እዩ ነይሩ።"

ኣብ ኦክላሆማ 1975 እዩ ነይሩ፡ ኣብቲ እዋን ድማ እቲ ዓሌትነት ዝፈጠሮ ሃዋህው ግሁድ ከምዝነበረ ሲሞንስ ይዛረብ።

ፖሊስ "ኣብቲ መጽሓፍቲ ዘይተፈትሐ ብዙሕ ጉዳያት ነይርዎ፡ ምሉእ ጸቕጢ ድማ ነይሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ጸለምቲ ሰባት ኣብ ኣመሪካ ብጌጋ ብቕትለት ናይ ምፍራድ ተኽእሎኦም ካብ ጸዓዱ ብኣስታት 7.5 ዕጽፊ ከምዝዛይድ ሃገራዊ መዝገብ ነጻነት ይሕብር።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ "ኣእምሮኡ ዝሰኣነሎም" መዓልታት ከምዝነበረ ይገልጽ። መጥቃዕቲ ጭንቀት ነይርዎ፤ ዕድመኡ እናወሰኸ ምስ ከደ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ፍትሒ ክረክብ ዝነበሮ ተስፋ ሒዙ ምቕጻል ይኸብዶ ከምዝነበረ ይዛረብ።

"ኵሉ ግዜ ኣብ ከባቢኻ ሰባት ክሞቱ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ሕሰቦ" ኢሉ።

ሲሞንስ ዝያዳ ሕማቕ ዜና ኣጋጢምዎ። ቅድሚ ምፍታሑ ሓደ ዓመት መንሽሮ ጸላም ከብዲ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ፡ እዚ ድማ ንኻልኣይ ግዜ ምስቲ ሕማም ዝገበሮ ቃልሲ እዩ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምውጽኡ ግን ኬሞቴራፒ ክወስድ ኣይከኣለን። ኣብቲ እዋን፡ እቲ መንሽሮ ናብ ልዑል ደረጃ ከምዝበጽሐ ይዛረብ።

"ክፍታሕ ዝገብሮ ቃልሲ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ንላዕሊ ሓዪሉ" ኢሉ።

"ምስ ግዜ እምነት ክትስእን ትጅምር። ንዓይ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን።"

መሪር-ጥዑም ናጽነት

ሲሞንስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ንጹህ ምዃኑ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ከምዘጋጠሞን፡ እቲ ዝሓየለ ምስጋና ምዃኑን ገሊጹ።

በዓል ልደት ምስ ወዱ፡ ሰለስተ ደቂ ደቁን ሸውዓተ ደቂ ደቂ ደቁን ኣሕሊፉ።

"ጽቡቕ ነይሩ። ኩዕሶ ነይሩ። ኵሉ ዝገበርናዮ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ሲሞንስ፡ ንጽህናኡ ምፍላጡ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዝነበረ ግዜ ንኽጻወር ከምዝሓገዞ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, CRYSTAL CHATMON

መግለጺ ስእሊ, ሲሞንስ፡ ንጽህናኡ ምፍላጡ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዝነበረ ግዜ ንኽጻወር ከምዝሓገዞ ይገልጽ

ሲሞንስ፡ ንጽህናኡ ምፍላጡ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዝነበረ ግዜ ንኽጻወር ከምዝሓገዞ ገሊጹ።

ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ምስጋናኡ ኣብቶም ዝሰኣኖም ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ህይወቱ ብስምዒት ምረት ተነጺሩ እዩ።

ሲሞንስ ካብ ግዝኣት ኦክላሆማ ዝዀነ ይኹን ይቕሬታ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

መሰረታዊ ድሌታቱን ንሕክምናኡን ዝኸውን ናይ ውልቂ ንብረት ይኹን ገንዘብ ከይሓዘ እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።

ኣብ ኦክላሆማ ብጌጋ ዝተፈርዱ ሰባት ክሳብ 175 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክኽፈሉ ብቑዓት ምዃኖም ሲሞንስ ይጠቅስ።

ዝዀነ ካሕሳ ንዓመታት ከምዘይመጽእ ድማ ይኣምን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሲሞንስ ዝኸውን ምትእኽኻብ ገንዘብ ይካየድ ኣሎ፤ ስሙ ካብ ዘይተገልጸ ሰብ ዝተረኸበ 30 ሽሕ ዝርከቦ 326 ሽሕ ዶላር ኣዋህሊሉ።

ሲሞንስ ታሪኽ ናይቲ ሓድሽ ነጻ ህይወቱ ብምክፋልን ዝበዝሕ ህይወቱ ኣብ ድሕሪ መቑሕ ከሕልፎ ዝረኣየ ስርዓተ ገበናዊ ፍትሒ ንምጽጋን ብምስራሕን ከሕልፎ ድሌት ኣለዎ።

"እዚ'ዩ ንመጻኢ ዝድርኸኒ፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ዘለዉ ሰባት ክሕግዝ ምፍታን" ይብል። "ኣብ ጽገና ገበናዊ ፍትሒ ገለ ክንገብር ኣለና። ነዚ ብኸመይ ከምእንገብሮ ብሓቂ ዳግማይ ክንሓስበሉ ኣለና።"

ንርእሱ እውን ግዜ ክህብ መደብ ኣለዎ፤ ዓለም ክዘውር እዩ ዝደሊ።

"ኣብ ሓደ ጫፍ ማእሰርቲ በጺሐ እየ" ይብል። "ሕጂ ናብቲ ካልእ ጫፍ ሓርነት ክኸይድ እየ ዝደሊ።"

ነጻነቱ ንምስትምቓር ድማ ብጌጋ ምእሳሩ ዝፈጠሮ ቂምታ ክገድፎ ይጽዕር ኣሎ።

"ኣብኡ ንኣስታት 50 ዓመታት ቁጥዐ ነይሩኒ - ቁጥዐ፡ ምረት" ይብል። "ግን ክትቈጻጸሮ ኣለካ እንተዘይኰይኑ ክበልዓካ'ዩ።"

"እቲ ዝተገብረ ክምለስ ስለዘይክእል፡ ናብኡ ኣይመላለስን።"