ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሉሳዊ ልዝብ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, @MFAETHIOPIA
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ስሉሳዊ ልዝብ 12 መስከረም 2016 [ግእዝ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።
ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ማይ ምምላእ እቲ ግድብን ካብቲ ግድብ ዝፍኖ ማይን ዝምልከቱ ደንብታትን መምርሕታትን ኣጀንዳ እቲ ልዝብ ምዃኖም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።
ኣብዚ ንክልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ልዝብ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ እማመ ሕግታትን መምርሕታትን ክዛተያ ትጽቢት ይግበር።
ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት መትከላት ስምምዕ፡ ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ብዓወት ምስተዛዘመ ከም ዝካየድ፡ ዋና ተዛታዪ ኣማኻሪ ስግረ ዶባዊ ሩባታትን ግድብ ህዳሰን ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰለስተኣዊ ልዝብ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ከም ዝብጻሕ'ውን እምነቱ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ፡ ንሩባ ኣባይ ብመሰረት ኣዋጅ መትከላት 2015 (ኣ ኣ) ብፍትሓውን ምኽንያታውን ኣገባብ ምጥቃም እቲ እንኮ ተግባራዊ ዝዀነ መንገዲ ምዃኑ ትገልጽ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ብዘተ ፍታሕ ንምርካብ ከምዝወሰነት እቲ ኣምባሳደር ኣመልኪቱ።
ሚኒስተር ማይን መስኖን ግብጺ ፕሮፌሰር ሃኒ ሳዊላምን ሚኒስተር ዕቃበ ማይ ሱዳን ዳዋልበት ዓብደልራሕማን መንሱር ባሸርን፡ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።
ኢትዮጵያ 'ናይ መወዳእታ' ዝበለቶ ራብዓይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ምክያዳ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ነሓሰ ኣብ ካይሮ ምዝታየን ዝዝከር’ዩ።
ኣብ መወዳእታ ጳጉሜ ኢትዮጵያ ራብዓይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ምክያዳ ንግብጺ ኣቘጢዑ ነይሩ።
ግብጺ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ሩባ ኣባይ [ፈለግ ኒል] እትረኽቦ ማይ ሓደጋ ዘስዕብን ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ሸለል ዝበለን ስጕምቲ እዩ ክትብል ትኸስስ።
እቲ ግድብ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ጠንቂ ምስሕሓብ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 1929 ከምኡ’ውን ኣብ 1959 ዝተበጽሐ ስምምዕ ዳርጋ ንመላእ ማይ ፈለግ ኒል ንግብጽን ሱዳንን ዝህብ እዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ላዕለዋይ'ቲ ተፋሰስ ዝርከባ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝዀነ ንመጠን እቲ ማይ ዘጕድል ፕሮጀክት ካብ ምህናጽ ይኽልክል።
ኢትዮጵያ በዞም ዝጸንሑ ውዕላት ክትቅየድ ከምዘይትኽእል ብምግላጽ፡ ኣብ ግብጺ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ዝነበረሉ፡ እዋን ‘ቀውዒ ዓረብ’ ነቲ ግድብ ምህናጽ ጀሚራ።
ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ 2015 ሓድሽ ስምምዕ'ኳ እንተኸተማ፡ ኢትዮጵያ ብኸመይ ነቲ ግድብ ትምልኣዮ ኣብ ዝብል ብተደጋጋሚ ብዘይስምማዕ ተፈላልየን እየን።
ኣብ 2019፡ እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኲናት ንምውጋድ ዝሰርሕ ትካል ‘ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ’ ወተሃደራዊ ረጽሚ ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣሜሪካ ኣብ 2019 ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ስምምዕ ንምምጻእ ናብቲ ጉዳይ'ኳ እንተኣተወት ብዙሕ ኣይተዓወተትን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







