ኢራን፡ ማእሰርቲ ናይታ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ክዳና ዘውጸአት ተምሃሪት ቍጠዐ ኣልዒሉ

ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ብዘይክዳን ዝተረኣየት ተማሃሪት

ምንጪ ስእሊ, Telegram

ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ክዳና ኣውጺኣ ተባሂላ ዝተኣስረት ተምሃሪት ክፈትሑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዖም። እታ ተምሃሪት ነቲ ሒጃብ ምኽዳን ግዴታ ዝገብር ሕጊ ንምቅዋም ክዳና ከም ዘውጽአት ይግለጽ።

ኣብቲ ብቐዳም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ክዳና ኣውጺኣ ምታንቲን መትሓዚ ጡብን ጥራይ ገይራ ኣብ መሰላል ኮፍ ኢላ ትርአ።

ጸኒሓ ድማ ኣብ ቀጽሪ ማእከል ሳይንስን ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ቴህራን እስላሚክ ኣዛድ፡ ብህድኣት ክትንቀሳቐስ ተራእያ።

ኣብ ካልኣይ ቪድዮ፡ እታ ውልቀሰብ ምታንታ ከተውጽእ ትረአ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ሲቪላዊ ክዳን ዝለበሱ ውልቀሰባት ብሓይሊ ናብ መኪና ከደይብዋ ተራእዮም።

ዩኒቨርሲቲ ኣዛድ፡ እታ ተምሃሪት "ጸገም ጥዕና ኣእምሮ" ከምዘጋጠማን ናብ "ሆስፒታል ስነ-ኣእምሮ" ከምዝተወስደትን’ዩ ገሊጹ።

ብዙሓት ኢራናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ መግለጺ ካብ ምጥርጣር ንላዕሊ ከም ኣካል ምንቅስቓስ "ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወትን ናጽነትን" ገይሮም ወሲዶሞ ኣለዉ።

ኣብቲ ምንቅስቓስ ከኣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጸጕረን ክሽፈናን ነዊሕ ክዳን ክኽደናን ዝጠልብ ሕጊ ኣብ ኣደባባይ ክጥሕሳ ተራእየን።

ቅድሚ ሕጂ ኩርዳዊት ማህሳ ኣሚኒ ሒጃብ "ብግቡእ" ብዘይምኽዳን ብዝብል ኣብ ቀይዲ ምስኣተወት ህይወታ ብምሕላፉ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ልዕሊ 500 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቲ ጉዳይ ኣቐዲሙ ዝዘርግሐ ንባዕሉ ‘ሚድያ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢራን’ ክብል ዝጽውዕ ቻነል ቴሌግራም ጋዜጣ ኣሚካቢር፡ እታ ተምሃሪት ሒጃብ ብዘይምግባራ ምስ ኣካላት ሓለዋ ከምዝተጓነጸት ሓቢሩ። ነቲ ጐንጺ ስዒቡ ከኣ ክዳውንታ ከምዘውጽአት ገሊጹ።

ኣብቲ እዋን ተታሒዛ ናብ መኪና ክትድይብ ክትግደድ ከላ ርእሳ ብምግጫዋ ደም ከም ዝፈስሳን ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝተወሰደትን ኣፍሊጡ።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ፋርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ተምሃሪት ናብ ክፍልታት ዩኒቨርሲቲ ኣዛድ እናኣተወት ንተምሃሮ ቪድዮ ክትስእል ዝጀመረት ኰይና ሓደ መምህር ንተግባራታ ምስተቓወመ ግን ዓውዓው እናበለት ከምዝኸደት ኣረዲኡ።

ነቶም ተምሃሮ "ከድሕነኩም እየ መጺአ" ትብሎም ከምዝነበረት እውን እቲ ምስክር ተዛሪቡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኢራን፡ "እታ ብሓይሊ ዝተኣስረት ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኵነትን ክትፍታሕ ኣለዋ" ኢሉ’ሎ።

“ክሳብ እትፍታሕ ድማ ሰበስልጣን ካብ ስቅያትን ካልእ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ክከላኸሉላ ኣለዎም። ምስ ስድራኣን ጠበቓን ክትራኸብ ይግባእ። ኣብ እዋን ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊኣ ተፈጺሞም ብዝብል ዝቐረቡ ክስታት መግረፍትን ጾታዊ ዓመጽን ናጻ መርመራ ክካየድ ኣለዎ። ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ክሕተቱ ኣለዎም" ክብል ወሲኹ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢራን ማይ ሳቶ፡ ነቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ብምዝርጋሕ፡ "ነዚ ፍጻመ እንተላይ ንግብረ-መልሲ ሰበስልጣን ብቐረባ ክከታተሎ እየ" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ኢራን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እትርከብ ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ናርጅስ መሓማዲ፡ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባ ኣፍሊጣ።

“ደቂ ኣንስትዮ ተቓውሞና ክንገልጽ ዋጋ ንኸፍል ኣለና፤ ነዓና ብሓይሊ ምብርካኽ ግን ዘይሕሰብ'ዩ" ኢላ።