ነዊሕ ዕድመ እንታይ እዩ ምስጢሩ? ወዲ 112 ዓመት እንግሊዛዊ

ዓርቢ ዓርቢ ዓሳን ቺፕስን ካብ ምብላዕ ሓሊፈ ዝተፈለየ ስርዓተ ኣመጋግባ የብለይን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

እዚ ብዕድመ ዝደፍአ ብህይወት ዘሎ ሰብኣይ፡ መበል 112 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ዘኽበረሉ እዋን፡ ነዊሕ ዕድመ ንኽነብር "ፍሉይ ምስጢር" ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ብ26 ነሓሰ 1912 ኣብ ሊቨርፑል ዝተወልደ ጆን ቲኒስዉድ፡ ብኸመይ ነዊሕ ዕድመ ክነብር ከምዝኽእል “እዚ’ዩ ዝብሎ ሓሳብ ከምዘይብሉ" ንጊነስ ዓለማዊ መዝገብ ክብረወሰን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሳውዝፖርት ዝነብር ዕድመኡ ምሉእ ደጋፊ ሊቨርፑል፡ ኣብ ሚያዝያ ወዲ 114 ዓመት ጁዋን ቪሰንተ ፔረዝ ሞራ ምስ ሞተ፡ ዝዓበየ ብህይወት ዘሎ ሰብ ዓለም ኰይኑ።

"መንእሰይ እንከሎ ኣዝዩ ንጡፍ" ምንባሩን "ብዙሕ ጕዕዞ እግሪ" ከምዝገበረን፡ እንተዀነ ካብ ካልእ ሰብ "ዝፍለ ከምዘይኰነ" ኣሚኑ።

ታይታኒክ ኣብ ዝጠሓለትሉ ዓመት ዝተወልደ ቲኒስዉድ፡

"ንምንታይ ክንድ’ዚ ነዊሕ ዕድመ ጸኒሐ ንዝብል ሓሳብ የብለይን" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ “ዝዀነ ፍሉይ ምስጢር ኣለኒ’ዩ ኢለ ክሓስብ ኣይክእልን’የ። ኣብ ግዜ እስነተይ ምሉእ ብምሉእ ንጡፍ’የ ነይረ፤ ብዙሕ ጕዕዞ እግሪ’የ ዝገብር ነይረ... እዚ ምስኡ ርክብ ነይርዎ ድዩ ኣይነበሮን ኣይፈልጥን’የ” ኢሉ።

“ንዓይ ግን ካብ ካልእ ዝተፈለኹ ሰብ ከምዘይኰንኩ’ዩ ዝርድኣኒ።”

ሚስተር ቲኒስዉድ፡ እታ ዝፈትዋ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ሊቨርፑል ምስተመስረተት ድሕሪ 20 ዓመት ዝተወልደ ኰይኑ፡ ብዘይካ ክልተ፡ ኵላተን እተን እታ ክለብ ዝዓተረተን ዋናጩ ኣርኪቡለን እዩ።

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ወዲ ክልተ ዓመት ዝነበረ ኰይኑ፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ድማ መበል 27 ዓመት ልደቱ ኣኽቢሩ።

ንሱ ኣብ ግዜ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ስርሓት ምምራሕ ሎጅስቲክስ ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ኰይኑ ሕጂ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ብህይወት ዝተረፈ ወዲ ተባዕታይ ገዲም ተጋዳላይ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኰይኑ ኣሎ።

ምስ በዓልቲ ቤቱ ን44 ዓመታት ብሓዳር ጸኒሖም

ምንጪ ስእሊ, family photo

ምስ በዓልቲ ቤቱ ብሎድወን ብ1942 ሓዳር ገይሩ።

ጓሎም ሱዛን ኣብ 1943 ተወሊዳ፡ እዞም መጻምድቲ ድማ ቅድሚ ሚስስ ቲኒስዉድ ኣብ 1986 ምማታ ን44 ዓመታት ብሓባር ነይሮም።

ቅድሚ ኣብ 1972 ጥሮታ ቅድሚ ምውጽኡ ኣብ ኩባንያ ሸል ከም ኣካውንታንት ኰይኑ ሰሪሑ።

ንሱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዓሳን ቺፕስን ካብ ምምጋብ ሓሊፉ፡ ዝዀነ ፍሉይ ስርዓተ ኣመጋግባ ከምዘይክተል ገሊጹ፤ "ኣነ ልክዕ ከም ካልኦት ዝሃቡኒ እየ ዝበልዕ" ኢሉ።

ኣብ 2012፡ 100 ዓመት ካብ ዝመልእ ንደሓር፡ ዓመታዊ ናይ ልደት ካርድ ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ይቕበል።

ዓለም ካብ ንእስነትካ ጀሚራ ብዙሕ ዝተቐየረት ዶ’ይመስለካ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ብናተይ ኣረኣእያ ካብቲ ሽዑ ዝነበረቶ ዝሓሸት ኣይኰነትን” ኢሉ።

"ምናልባት ኣብ ገለ ቦታታት ከምኡ’ዩ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ግን ዝኸፍአ’ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዓለም እቲ ብዕደመ ዝዓበየ ሰብኣይ ጃፓናዊ ጂሮሞን ኪሙራ 116 ዓመትን 54 መዓልታትን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ 2013 ድማ ሞይቱ።

ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየትን ብህወይት ዘላን ጓል 116 ዓመት ጃፓናዊት ቶሚኮ ኢቶካ እያ።

እቲ ሰብኣይ ዓመታዊ ናይ እንቋዕ ተወለድካ ሰናይ ትምኒት ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ይቕበል

ምንጪ ስእሊ, PA Media