ኣልጀርያ፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ጠፊኡ ዝተበሃለ ሰብ ብጐረቤቱ ተጨውዩ ጸኒሑ

ስእሊ [ናይ ካልእ'ዩ]

ምንጪ ስእሊ, Getty images

መግለጺ ስእሊ, ስእሊ [ናይ ካልእ'ዩ]

ኣብ ሰሜን ኣልጀርያ ዞባ ድጀልፋ ን25 ዓመታት ጠፊኡ ተባሂሉ ዝተቐበጸ ውልቀሰብ ብጐረቤቱ ተጨውዩ ከምዝጸንሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ገሊጸን።

እተን ማዕከናት፡ እቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ብጐረቤቱ ተጨውዩ ዝጸንሓ ሰብ ቢን ዖምራን ዑመር ከምዝበሃልን ካብ 1996 ክሳብ 1998 ኣብ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ኣልጀርያ ከምዝጠፍአ’የን ዝገልጻ።

ቢን ዖምራን ዑመር ንዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ እቲ ጐረቤቱ ጕድጓድ ኲዒቱ ኣብ ውሽጢ ብምእሳር ነቲ ጉድጓድ ብዒባን ሓሰርን ገይሩ ከምዝሸፈኖ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ ኤችሩኽ ገሊጻ።

እቲ ጐረቤቱ ንቢን ዖምራን ካብቲ ጉድጓድ ከይወጽእን ሓገዝ ከምዘይሓትትን ገይሩ ከምዝኣሰሮን’ውን ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንማዕከናት ዜና ኣልጀርያ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣቃሊሓ።

ሓዉ ነቲ ንቢን ዖምራን ዑመር ዝጨወየ ሰብ፡ ምስቲ ጨዋዪ ብውርሻ ምስ ተባኣሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድየ ሓዉ ሰብ ጨውዩ ኣብ ትሕቲ መሬት ሓቢእዎ ከምዘሎ ድሕሪ ምቕልሑ፡ እቲ ዛዕባ ኣተኵሮ ሰብ መዚ ኣልጀርያ ክስሕብ ክኢሉ፡ ብድሕሪ’ዚ ተፍተሽ ድሕሪ ምክያዶም’ዮም ቢን ዖምራን ዑመር ካብቲ ን25 ዓመታት ተጨውዩ ተኣሲርሉ ዝነበረ ክወጽእ ክኢሉ።

እተን ማዕከናት ዜና እቲ ጨዋዮ ንምንታይ ንቢን ዖምራን ዑመር ከምዝጨወዮ’ኳ እንተዘይሓበራ እቲ ሕጂ ኣብ 40ታት ዝርከብ ቢን ዖምራን ዑመር ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ከምዘሎ ኣቓሊሐን።

እቲ ንቢን ዖምራን ዑመር ንዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣሲርዎ ዝጸንሐ ሰብ ወዲ 61 ዓመት ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮ ከምዘሎ ሰብመዚ ኣልጀርያ ገሊጾም ኣለዉ።