'ኣብቲ እንኹዕቶ ዒላ ንሸይን ነይርና' ከም ባሮት ዝተታሕዙ ሸቃሎ

ንዝሓለፈ ወርሒ ዝተሳቐየ ሸቃላይ

ኣብ ሓንቲ ብርቱዕ ምሸት ሰነ፡ ባግዋን ጉክሰ ብናውሪ ተበራቢሩ ንህይወቱ ክጐዪ ወሰነ።

ሚስተር ጉክሰ፡ ንዝሓለፈ ወርሒ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ መዓልታዊ ደሞዝ ዝኽፈሎም ሸቃሎ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ማሃራሽትራ ኣብ ሓደ ረሳሕ ቦታ ተአሲሩ ጸኒሑ።

እቶም ሰራሕተኛታት ዒላታት ክኹዕቱ ብገለ ኮንትራክተራት ተቘጺሮም እኳ እንተተወስዱ፡ ድሒሮም ግን ኣብ ህንዲ ሕጋዊ ንዘይኰነ ማእሰርትን ስቅያትን ዝተሓውሶ ግዱድ ስራሕ እዮም ተቓሊዖም።

ሚስተር ጉክሰ፡ ብሰብኣውነት ዝጐደሎ ኣተሓሕዛ፡ ብሓሽሽ ኣደንዚዞም፡ ብመግረፍቲ፡ ብውሑድ መግቢን ማይን ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ይግደዱ ምንባሮም ተዛሪቡ።

እቶም ሰራሕተኛታት ንኸይሃድሙ ለይቲ ብሰንሰለት ኣብ ትራክተራት ይእሰሩ ነበሩ። ከምኡ’ውን ኣብ ርእሲ ድቃስ ምስኣኖም፡ ብቃንዛ፡ ጥሜትን ድኻምን ዕረፍቲ ዝበሃለ ኣይፈልጡን።

ጉክሰ ከምዝብሎ፡ እቶም ኣስራሕቶም ብበትሪ ከም ዝሃርምዎምን ድሕሪኡ ብሓይሊ ብኣልኮላዊ መስተ ከም ዘህድእዎምን ወሲኹ ገሊጹ።

"ኣብዚ ሞት ዘይተርፍ ምዃኑ ይፈልጥ ነይረ። ቅድሚኡ ግን፡ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ክሃድም ክፍትን ወሲነ" ይብል።

እንተዀነ፡ ብብዝሒ ስራሕን መግረፍትን ጥሜት ተሓዊስዎ ኣዝዮም ስለዝደኸሙ ግን፡ ንምምላጥ ጉልበት ኣይነበሮምን።

እቲ ብኣስገዳድ ዝቨኳዓት ዝነበረ ጉድጓድ

ብኸመይ ደኣ ኣምሊጦም?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚስተር ጉክሰ ልክዕ እታ ዕለት ክዝክራ ኣይክእልን፡ ይዅን’ምበር ኣብ 15 ወይ 16 ሰነ ከምዝዀነት እዩ ዝግምት፡ እቲ ህድማ ክፍትኖ ወሰነ። ኣብቲ ጸልማት ኰይኑ፡ ነታ ኣብ እግሩ ዝነበረት ንእሽቶ ቁልፊ ናይቲ ሰንሰለት ኢዱ ተመጣጢሩ ኣርኪብዋ፡ ኣጻብዕቱ መሊሱ ድማ ንሰዓታት እናጠወያ ምስ ቀጸለ፡ ነቲ ሰንሰለት ፈቲሕዎ።

ካብቲ ቀጽሪ ሓዂሩ ክወጽእ ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሰፊሕ ግራት ቃንጫ ሽኮር ርእዩ ናብኡ ገጹ ክጐዪ ወሰነ።

"ኣበይ ከም ዘለኹ ኣይፈልጥን። ኣብ ውሽጠይ ዘሎ፡ ናብ ገዛይ ክምለስ ከም ዘለኒ ጥራይ'ዩ። ካብኡ ኣብ ቀረባ ዝረኸብክዎ ሓዲድ ባቡር ተኸቲለ ጐኒጐኒ፡ ጉያ ቀጺለ።"

ሚስተር ጉክሰ ኣብ ዓዱ በጺሑ ብዛዕባ እቲ ስቅያት ንፖሊስ ምስ ሓበረ፡ ፖሊስ ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ብተመሳሳሊ ኮንትራክተራት ዝመሓደሩ ዒላታት ንኻልኦት 11 ሰራሕተኛታት ኣድሒኖም።

"ኣብ መጀመርታ ነቲ ሸቃላይ ኣይኣመንናዮን ነይርና፡ ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ግን ኵነታት እቶም ሰባት ርኢና ሰንቢድና" ክብል እቲ ጉዳይ ዝመርሐ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ጃግዲሽ ራውት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ሰባት ነተን ዒላታት ንምዅዓት ኣብ መዓልቲ ካብ 12 ክሳብ 14 ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝተገደዱን ድሕሪኡ ብሰንሰለት ከምዝእሰሩን፡ ከቢድ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቅያት ከምዝወረዶምን ፖሊስ ይገልጽ።

"ሽቓቕ ኣይነበሮምን፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝዅዕትዎ ዝነበሩ ዒላታት ደገ ክናፈሱ፡ ድሕሪኡ ስራሕ ምስ ወድኡ ነቲ ደገ ከጽርዩን ይግደዱ ነይሮም" ይብል ሚስተር ራውት።

መብዛሕትኦም ኣብ ኣዒንቶምን እግሮምን ዓሚቝ ቁስሊ ነይርዎም፡ ገሊኦም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቈልዓን ዝርከብዎም 7 ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ህንዲ ምሉእ ሰሙን ኣርእስተ ዜና ኮይኑ ዝቐነየ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር፡ ብመሰረት ሕጊ ገበናት ህንዲ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ጭውያ፡ ግህሰትን ብዘይ ሕጊ ማእሰርትን ተኸሲሶም።

ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ኣብ መዳጐኒ ትሕቲ ዕድመ ይርከብ።

ክልተ ድማ ሃዲሞም ኣለዉ።

እቶም ብፖሊስ ዝደሓኑ 12 ሸቃሎ

'ፖሊስ ቀልጢፉ ኣይረድኣናን'

ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ እቶም ግዳያት ኵሎም ድኻታትን መሬት ዘይብሎምን መዓልታዊ ሸቃሎ ኰይኖም፡ ስራሕ ንምርካብ ናብታ ኣብ ጥቓ ኦስማናባድ እትርከብ ከተማ ኣሕመድናጋር ዝመጹ እዮም።

ኣብዚ፡ ሓደ ወኪል ረኺብዎም፤ ድሕሪኡ ነዞም ሰራሕተኛታት እዚኣቶም ንገለ ኮንትራክተራት ካብ ኦስማናባድ ብነፍሲ ወከፎም ካብ 2,000 ክሳብ 5,000 ሩፒ [ካብ 24 ክሳብ 60 ዶላር] ሸይጥዎም።

እቲ ወኪል ነቶም ሸቃሎ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ከም ዝበልዑን 500 ሩፒ ከም ዝረኽቡን ቃል ኣተወሎም።

እቶም ሰባት ምስ ተሰማምዑ ናብ ሓደ ቦታ ጸዊዑ፡ ኣብ ውሽጢ ባጃጅ ኣእትዩ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ቅድሚ ምውሳዱ፡ ብኣልኮላዊ መስተ ኣስኪርዎም።

ኣብቲ ቀጽሪ ዒላ ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ኮንትራክተራት ተሌፎኖምን ወግዓዊ ሰነዳቶምን መንጢሎሞም።

"እቶም ተኸሰስቲ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ኵነታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቶም ሰባት ታዓሪፋ ከይከፈሉዎም ይፈትሖም ነይሮም" ዝበለ ሚስተር ራውት፡ ኣብቲ ወረዳ ከምኡ ተመሳሳሊ ዝሰርሑ ካልኦት ከይህልዉ ይምርምሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ስድራ ሰለስተ ሸቃሎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ናይቶም ኣሰሮም ዝጠፍኡ ሸቃሎ ጥርዓን ከምዘቕረቡ እኳ እንተገለጹ፡ ፖሊስ መርመራ ንምትሕብባር ከምዝኣበዩ ይኸሱ።

ቢቢሲ፡ እቶም ሓለፍቲ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ክሲ ርእይቶ ክህቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።

እንተዀነ፡ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ ብእዋኑ ስጕምቲ ከምዘይወሰደ ሓቢሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምህዳሞም ሰሙናት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ገና ካብቲ ስንባደ መሊኦም ከምዘይወጽኡ ይዛረቡ።

ብዙሓት ካብኣቶም ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ ይጽዕሩ'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዛዕባ እቲ ስቅያት ክሓስቡ ከለዉ ግን ብቐጻሊ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ይወሮም ኣሎ።

"ከም ባሮት ኢና ተታሒዝና" ይብል ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ሸቃሎ ባሃራት ራቶር፡ ቍስሊ እግሩን - ዝሓበጠ ዓይኑን እናርአየ።

"እቶም ኮንትራክተራት ዳርጋ መዓልታዊ ብሕማቕ ይገርፉና ነይሮም። ዝበስበሰ ቻፓቲ (ቅጫ) ብጨውን ገለ ቁንጣር ፍረምረን ይምግቡና ነይሮም። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ቀረባ ግራውቲ ዝመጹ ሓረስቶት መጺኦም ነቲ ዘሕዝን ኵነታትና ይርእዩ ነይሮም፡ ክሕግዘና ዝፍተነ ግን ኣይነበረን።"

ሚስተር ራቶር፡ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ናብ ከባቢ ዝመፀ፡ ንዝሓመመት ኣደኡ ክከናኸን ስለ ዝነበሮ ከምዝዀነ ይዛረብ።

"ግን ኣብኡ ካብ ዘጋጠመኒ ከመይ ገይረ ከም ዝደሓንኩ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ።"

ጓሉ ከመርዑ ዝመደበ ሓረስታይ

ዛንታ ሓረስታይ ማሩቲ ጃታልካር’ውን ዝተፈልየ ኣይኮነን። ዓባይ ጓሉ ኣብ ግንቦት ክትምርዖ ነይርዋ። ኣብ ዓዱ ስራሕ ስለዘይነበረ፡ ስራሕ ክደሊ ናብ ኣሕመድናጋር ብምኻድ በቲ ወኪል ተቘጺሩ።

መደቡ፡ ኣብቲ ዒላ ን15-20 መዓልታት እንተሰሪሑ፡ ንመርዓ ዝኸውን ምድላዋት ክገብር እኹል ገንዘብ ክህልዎ እዩ።

ንሱ ግን ክልቲኡ ክገብር ኣይከኣለን - ድሕሪ ምድሓኑ ጓሉ ከም ዝተመርዓወት ፈለጠ።

"ኣብታ መዓልቲ ኣዝየ ነቢዐ።"

ሚስተር ጃታልካር፡ ብዛዕባ እቲ ዳርጋ ንክልተ ወርሒ ኣብቲ ዒላ ዘሕለፎ ግዜ፡ ኣብ ዝሓስበሉ እዋን ክሳብ ሕጂ ከም ዝፈርሕ ይዛረብ።

"ንግሆ ኣንጊሆም ናብ ውሽጢ ጉድጓድ ይሰዱና፡ ምሸት ምሸት ጥራይ ክንወጽእ ይፈቕዱልና። ሽንትናን ደገናን ኣብኡ ንወጽእ ነይርና። መግቢ እንተሓቲትና ድማ ይሃርሙና፡ ሓንቲ ግዜ ጥራይ ኢኹም ትረኽቡ ይብሉና ነይሮም።"

ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት (NHRC) ህንዲ ንመንግስቲ እታ ግዝኣት ጸዊዑ፡ ሰበስልጣን ብመሰረት ሕግታት ዕዮ እታ ሃገር ነቶም ሰራሕተኛታት ካሕሳ ክህቡ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

"ክሳብ ሽዑ ኣብ ዓድና ስራሕ ረኺብና ዝከኣለና ክንገብር ኢና" ይብል ሚስተር ራቶር።

"ምናልባት ኣይፍለጥን፤ ህይወትና ዝሐሸ ክኸውን ይኽእል።"