ዘመናውያን ቅድታት ቍኖ፡ ጐዳኢ ሳዕቤናት ኣለዎም ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Girmay Gebremedhin
ደቂ ኣንስትዮ ሓበሻ ብፍላይ ድማ ኣዴታት ኤርትራን ትግራይን ኣዝየን ካብ ዝልለያሉ ባህልታት ሓደ፡ ዝተፈላለዩ ስያመታትን መልከዓትን ዘለዎም ቅድታት ኣሰራርሓ ጸጕሪ እዩ።
ኣብ ገጠራት ብብዝሒ ብናይ ባዕለን ጸጕርን ተፈጥሮኣውን ዝካየድ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ከተማ ድማ ብዙሕ ግዜ ጸጕሪ-ሰብ (ሂዩማን ሄየር) ወይ ድማ ዊግ ወሲኸን ክቝነናን ክምዕርጋን ምርኣይ ኣዝዩ ዝውቱር እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ኣዴታት ሓበሻ ሓዊሱ ኣብ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝዝወተር ተፈታዊ ቅዲ ጸጕሪ፡ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ ሕቶታት ይለዓል ኣሎ።
እቲ መስርሕ ቍናኖ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ከከም ምርጫ ቅዲ እታ ጓል ኣንስይቲ፡ ብውሕሉል መገዲ ስለ ዝስራሕ እዩ።
"ዋላ እኳ ነዊሕ እዋን ኣብ ሳሎን ክጸንሕ እንተ ተገደድኩ፡ ንዓይ ወትሩ ደስታ ዝፈጥረለይ ነገር እዩ፡" ትብል ጸሓፊት እዚ ዓንቀጽ።
ንሳ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ቍልዕነታ፡ ከምቲ ኣብ ኣንስቲ ሓበሻ ዝረአ፡ ዝበዝሕ እዋን ንበዓላት እተዘውትሮ እንተዀነ'ኳ፡ ተቘኒና ኣብ መጻወቲ ፑል ኰነ ካልእ መዘውተሪ ስፖርት፡ ብዘይ ስክፍታ ክትዘልል ምቾት ከም ዝስማዓ ትዛረብ።
ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸጕረን ከብጽሖ ዝኽእል ጕድኣት ብዘየገድስ፡ ቀለም ጸጕሪ ተጠቒመን ሓድሽ ሕብሪ ክልከያ ይስትውዓላ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ብዙሓት ብፍለይ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽተለኦም ዝተፈላለዩ ቅዲታት ጥበባዊ ጸጕሪ፡ ንጥዕነአን ሕማቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።
'ኮንስዩመር ሪፖርትስ' ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ኣመሪካዊ ትካል፡ ካብ ዓሰርተ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ጥበባዊ ቅድታት ጸጕሪ ናሙናታት ፈቲኑ፡ ኵሎም ካርሲኖጀን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ሊድ ዝተባህሉ ባእታት (ከሚካላት) ዝሓዙ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
ቸልሲ ኮትስ፡ እቲ ኣብ ኢንስታግራም ዋትስኣፕን ዝኣመሰሉ ጕጅለታት መላግቦ'ቲ መጽናዕቲ ኣዕለቕሊቑ ብምንባሩ፡ ሰፊሕ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ ትብል።
"ኣብ ውሽጢ ጸጕርና ተሓቢኡ ሓደጋታት ዘስዕብ ነገር ከም ዘሎ ዘጠንቅቕ እዩ።"
ካብቶም ዝመጽኡኒ መልእኽታት፡ ሓደ ካብ ሮሸል እትበሃል ጓል ሓወቦይ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኣይ ወርሒ ትቝነን ነይራ።
ጸኒሓ ከም ዝነገረትኒ፡ "ቍኖ፡ ፍሉጥ ውሑስ ቅዲ እዩ ነይሩ።"
ብተለምዶ 'ቅዲ ጸጕሪ ኣፍሮ' ብዝብል ዝፍለጡ እዞም ቅድታት፡ ጸጕርኻ ክሳብ ክንደይ ንባእታታት ከም ዝተቓልዐ ዘየስግእን ሓደግኡ ዝጐደለን ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ነይሩ።

ደረጃ ንቕሓት
ዝያዳ ዘተሓሳስብ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ትሑት ንቕሓት እዩ።
ኣብ ትካል 'ኮንስዩመር ሪፖርትስ'፡ ሓላፊ መርመራ ድሕነት ፍርያት ጀምስ ሮጀርስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጸጕረን ተቘኒኑ እንተ`ሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ንኣዋርሕ፡ ምስ ጐዳእቲ ኬሚካላት 'ይጸንሕ' ስለ ዘሎ ስክፍታ ዝፈጥር እዩ።
ንጐዳእቲ ኬሚካላት ንነዊሕ እዋን ኣብ እትቃልዓሉ እዋን፡ ውህሉል ሓደጋ እዩ ዘስዕብ።
ንሱ ግን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ'ውን ኣስሚሩሉ፣ "እዚ ብደረጃ ቍጽጽር ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ መንጎ ናይ ገዛእ ርእስና ማሕበረሰባት'ውን ብዛዕባ ቅኑዕ ሓበሬታ ምክፋል ዝርርብ ክጅመር ተስፋ ንገብር፡" ኢሉ።
'ባዮግራደብል' እንታይ እዩ?
ኣብ ሰሜን ለንደን ኣብ ዝርከብ ጆሴ ፕሮፌሽናል ብረይዲንግ ስቱድዮ፡ ነቲ መጽናዕቲ ዝረኣያ ዓማዊል፡ እግሪ ኣየሕጸራን።
ጆሴ፡ ኣብ ሳሎን ምስኣ ዝሰርሓ ኣቢጋይልን ናኦሚን ደቃ፡ ካብ ሓደስቲ ዓማዊል ተገዳስነት ርእየን ኣለዋ።
ኣቢጋይል፡ ኣዴኣ ዝተሰርሐቶ ሓድሽ ቅዲ ስዒቡ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሕበኑ ዝሕብሩ ሓያሎ መልእኽትታት ካብ ዓማዊላ ከም ዝበጽሓ ትዛረብ።
ጆሴ፡ እቲ ርኽበታት "ዘሻቕል" እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ሳሎን ከምቲ ልሙድ፡ ዕደጋ ዓሚሩ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ርግጽ፡ ገለ ሒደት ዓማዊላ ግን በቲ ውጽኢት እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣንቀጥቂጠን ኣለዋ።
ኬሊ-ኣን ኣብ ሳሎን ጆሴ ንመጀመርታ ግዜኣ እያ ክትቝነን መጺኣ፣ እንተዀነ፡ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ነቲ ቅዲ ተላሚዳቶ ጸኒሓ እያ።
ነቲ መጽናዕቲ ምስ ኣንበበት 'ጥልመት' ከም ዝተሰምዓ ነጊራትኒ።
"ኩባንያታት ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ክገብሩ ምጽንሖም ኣዝዩ ዘሕዝን ይመስለኒ፣ ዝሓሸ ድማ ይግብኣና ይመስለኒ።"
ሕጂ ካብ ጐዳእቲ ኬሚካላትን ፕላስቲክን ነጻ ዝዀኑ ብራንድታት (ፍርያት) ትደሊ ኣላ - ብዙሓት መሓዙታ እውን ከምኡ ይገብራ ከም ዘለዋ ትዛረብ።
"ብዙሓት ብዛዕባ እዚ ዛዕባ ዘዘራረብኩወን ደቂ ኣንስትዮ፡ 'ባዮግራደብል' ዝሓሸ ፍርያት ከም ዝዀነ ይሰማምዓ፣ ንፕላኔትና'ውን ጥዑይ እዩ።"
ተፈጥሮኣዊ ጸጕሪ ሰብን ጸጕሪ እንስሳ ዘቤትን ጥራሕ እዮም 'ባዮግራደብል' ዝበሃሉ።
እዚ ማለት፡ ንሓያል ጸሓይ ብርሃን ወይ ንኸቢድ ኣየር ምስ ዘይቃላዕ፡ እቲ ምብስባስ ብኦርጋኒክ መልክዕ (ብተፈጥሮኣዊ) ንኽፍጸም ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Chelsea Coates
'ምንጪ ኣታዊ ጸለምቲ፡ ዝጐድእ'ዩ'
ኢፈኣኒ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ዝተፈላለዩ ቅድታት ቍኖ ክትፍትን ዝጸንሐት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ መጽናዕቲ ኣብ እትጽመድሉ እዋን ክትሕዞ ዝቐለለን ምቹእን ቅዲ ምዃኑ ትዛረብ።
ንሳ፡ ርኽበት እቲ መጽናዕቲ ዘሰክፍ ከም ዘይኰነ ብምምጓት፡ ሰባት መዓልታዊ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ዝተመስርሑ መግብታት፡ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ምስ'ዞም ከሚካላት (ካርሲኖጀን) ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ትሕብር።
"ብግልጺ ጥንቃቐ ክትገብር ዘድሊ እዩ፣ እንተዀነ፡ በቃ ናይ ግድን ነቲ ቅዲ ወይ ነቲ ጸጕሪ ምሉእ ብምሉእ ክትገድፎ ዝግበኣካ ኣይኰነን ዝመስለኒ።"
እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኣየቶም ጽሑፋት፡ "ንሰባት ኣብኡ ወፍሪ ከይገብሩ ከፍርሖም፡" ምዃኑ ስክፍታ ኣለዋ።
እዚ ድማ ኣብ ኢንዱስትሪ ጸጕሪ ንዝሰርሑ ብፍላይ ጸለምቲ ሰብ ሃብቲ ወሳኒ ምንጪ ኣታዊ ክጐድእ እዩ።
ኣብ 2021 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ 'ትሬዘር ትረስ' ዝተባህለ ንጸሊም ጸጕሪ ዝምልከት መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ብሪጣንያ ኣብ ዓመት 168 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ ፍርያት ጸጕሪ ከም ዘውጽኣ ኣረጋጊጹ።
ኣቐዲሙ ብ'ሎርያል' ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ኣብ ጸጕረን ከም ዘውጽኣ ይሕብር።
"ገለ ካብቲ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ እንገብሮ ታሪኻዊ፡ ባህላዊ ልምድታት ጌጋ ምዃኑ ካብ ምሕባር፡ ነገራት ውሑሳት ምዃኖም ንምርግጋጽ ዝያዳ ተወፋይነት ክርኢ ደስ እብለኒ፡" ትብል ኢፈኣኒ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







