እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
የመን፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጕምቲ
ኣብ ሰንዓ የመን፡ ሰበስልጣን ሑቲ፡ ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ክግልገልሎም ዝፀንሑ ኣብያተ ክርስትያናት ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ኣመንቲ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ሓቢሮም።
ኣብ የመን ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣምልኾ ዘካይድ ከምዝነበረ ዝዛረብ ኣቶ ኣብርሃም በቀለ፡ ንደቁ ቋንቋን ኣምልኾን ዘምህረሉ ቤተክርስትያን ኣብ በዓል ልደት ብሰበስልጣን ሑቲ ከምዝተዓጽወ ገሊጹ።
ኣብታ ርእሰ ከተማ፡ ንልዕሊ 23 ዓመታት ዝነበረ ኣብርሃም፡ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ቀዲሙ ዘመተ ከምዝተፈፀመላን ድሕሪ በዓል ልደት ድማ ከምዝተዓጽወትን ገሊጹ።
ኣብ ሰንዓ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከም ዝነበረት እትዛረብ ፕሮቴስታንት ጓለንስተይቲ እውን፡ ቅድሚ 25 ዓመት ቪክቶር ብዝተባህለ ህንዳዊ ዝተመስረተት ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላውያን መምለኺ ቦታ እውን ከምዝተዓፀወትን እቲ መስራቲ እውን ከምዝተኣሰረን ገሊጻ።
ነታ ከተማ ተቘፃፂሮም ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ቅድሚ እታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ነታ ብፓስተር ቪክቶር እትምራሕ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝዘመቱ ዝገለጸት ኰይና፡ መጽሓፍ ቅዱስን ገለ ንዋያትን እውን ከምዝወሰዱ ገሊጻ።
ኣቶ ኣብርሃም በቀለ ብወገኑ፡ ሰበስልጣን ሑቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን መጺኦም፡ "ገንዘብን ንብረትን ዘሚቶም" ክብል ገሊጹ።
ኣቶ ኣብርሃም ኣብ ሰንዓ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እትመሓደር ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ቅድሚ 25 ዓመት ብኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ነበር ዝተመስረተት ምዃና ኣረዲኡ።
ኣቶ ኣብርሃም፡ እታ ቤተክርስትያን ፈለማ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝነበረት፡ ድሒሩ ግን ኣብ ሰንዓ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረት ይዛረብ።
እታ ኣብ ሰንዓ ከባቢ ሓዳ እትርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ንኣመንቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ትህብ ከምዝነበረት፡ "ኢትዮጵያውያን ኣስላም ህጻናት ከይተረፈ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንምምሃር ናብታ ቤተክርስትያን ይመፅኡ ነይሮም" ይብል።
ኣብርሃም፡ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ብ2000 ዶላር ንወርሒ ይካረ ከምዝነበረን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እውን ተሰቒልዎ ከምዝነበረን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብርሃም፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝተፈላለየ በዓላት ተረኺቦም በረኸት ክህቡ ጀሚሮም ከምዝነበሩ ገሊፁ።
ቅድሚ ሕጂ ብመንግስቲ የመን ኣፍልጦ ከምዝረኸቡ እቶም ኢትዮጵያውያን ይገልፁ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ባንዴራ ወሪዱ፡ ኣብቲ ኣፍደገ ከም ዝተዓሸገ ዝገልጽ ምልክታ ተለጢፉ ኣሎ።
ኣቶ ኣብርሃም ከም ዝብሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ቅድሚ ሕጂ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ዘምልኹሉ ቦታ ከምዝነበረ፡ ሕጂ ግን "ኣብዚ ስርዓተ ኣምልኾ ምክያድ ኣይፍቀድን" ብምባል ተዓሺጉ ከምዘሎ ይዛረብ።
እተን ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ስርዓት ኣምልኾ ዝፍፅሙለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተዓፀዋሉ ምኽንያት ብዝምልከት ካብ ሰበስልጣን ሑቲ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።
ኣብርሃም፡ ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ታቦት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ናብ ካልእ ቦታ እንተ ተሰጋገረ'ኳ፡ ዝኾነ ጽምብል ኣብ ቀጽሪ እታ ቤተክርስትያን ብዓቢ ድምቀት ይበዓል ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ኣብርሃም፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ግን ኣብኡ ብስሩዕ ዘገልግል ዝነበረ ካህን ከምዝነበረ፣ ሰበስልጣን ነቲ ካህን ብምጽዋዕ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓሸጉዋ ሓቢሩ።
እታ ወንጌላዊት ቤተክርስትያንከ?
ቢቢሲ ዘዘራረባ ኢትዮጵያዊት ወንጌላዊት፡ እታ ብፓስተር ቪክቶር ዝተመስረተት ቤተክርስትያን ብሰበስልጣን ሑቲ ምስ ተዓፅወት፡ ንውሕስነታ ከም ዝሰግአት ገሊጻ።
"ንባዕለይ ፈሪሐ ኣለኹ። ኣብቲ ፓስተር ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ እየ ዝነብር። ናይ መዘምራን ኣልባሳትን ካልእ ናይ ቤተክርስትያን ንዋያትን ምሳይ ኣሎ።"
ኣብታ ንኣስታት ን25 ዓመታት ዝጸንሐት ቤተ ክርስቲያን፡ ክሳብ 400 ዝግመቱ ወንጌላውያን ኢትዮጵያውያን ክግልገሉል ከምዝፀንሑ ብምግላጽ፡ ካልኦት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ እውን ብሰንኪ እዚ ኣገልግሎት ደው ኣቢለን ምህላወን ሓቢራ።
እቲ ምስ በዓልቲ ቤቱን ወዱን ኣብ የመን ዝነብር ፓስተር፡ ኢትዮጵያውያን ኣብታ ማእከል ከምልኹ ከም ዝፈቅድን፡ ሓሓሊፉ መጠናዊ ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዝገብር'ውን ትዛረብ።
ኣብዚ እዋን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያንን ወንጌላውያንን ዘምልኹሉ ቦታ ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ማእከላት ኢትዮጵያውያን ዝተወሰደ ስጕምቲ ምዕጻው ብዝምልከት ዝምልከቶም ኣካላት ንምርካብን ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
የመን ናብ ኲናት ሓድሕድ ቅድሚ ምእታዋ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብኡ ክሰርሑ ይስደዱ ነይሮም፣ ድሕሪኡ ድማ ኢትዮጵያውያን ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ክኣትዉ ከም መተሓላለፊ መስመር ክጥቀሙላ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 16 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ከምዝርከቡን፣ ካልኦት ብዙሓት ድማ ዘይተመዝገቡ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ይእመን።