በረኸት መንግስትኣብ፡ ካብ ንእሽቶ ዓዲ ወጺኡ ዝነገሰ 'ዑፍ በራሪት ደው ኢላ እትሰምዖ' በሃር ሃርሃሪ

በረኸት መንግስትኣብ

ምንጪ ስእሊ, Bereket Mengisteab/fb

ሽውሽውታ ንፋስ በረኻ፡ ወሓይዝ ሩባታት፡ ድምጺ ዝተፈላለያ ኣዕዋፍ፡ ዝንቅዉ ዝራብዓት፡ ዝቛቝዋ ደርሁ ወዘተ እናሰምዐ፣ ውቁብ መልክዓ መሬት፡ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዕምበባታትን በበይኖም እንስሳታትን. . . እናርኣየ፣ ማይ ዓዱ እናተሓጽበን መሬት ዓዱ እናዳህሰሰን፣ ዝተፈላለዩ ምዑዛት ተፈጥሮ እናሸተተ እዩ ዓብዩ።

ብ28 ሕዳር 1938 ከኣ ኣብ ሓንቲ ካብ ታሪኻውያን ዓድታት ኤርትራ ዝዀነት ሃዘጋ ተወሊዱ።

እዛ ካብ ኣስመራ ንሰሜናዊ ምዕራብ 16 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ፡ ከም ራእሲ ወልደንኪኤል ሰሎሞን፡ ዘርኣይ ደረስን ካልኦትን ኣዕኲኻ ዘዕበየት ዓዲ እያ።

ብዝተፈላለየ ሞያ ዝጥቀሱ ደቂ እኳ እንተለውዋ፡ ብስነጥበብ ግን ክንዲ በረኸት መንግስትኣብ ዝዓቢ ኣይወለደትን።

በረኸት መንግስትኣብ ካብ ንእሽቶ ዓዲ ወጺኡ ብፈጠራዊ ስርሓቱ ዓለም ዝሰርሐ ስነጥበበኛ እዩ።

በሃር ሃርሃሪ በረኸት መንግስትኣብ ጕዕዞ ህይወቱ ዛዚሙ ብ12 ሕዳር 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ኣሎ።

መምህር ሙዚቃ ባርኖባስ መብራህቱ፡ ንበረኸት ብሓጺር ቃላት ንምግላጽ ኣሸጋሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ምሉእ ህይወቱ ንዕቤት ኤርትራዊ ሙዚቃ ተወፍዩን ተቓሊሱን ዝተዓወተ ጅግና ስነጥበበኛ፡" ክብል ይገልጾ።

"ክሳዕ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ ሞያኡ ጸኒዑ ብቕዓቱ ዘመስከረ ኣቦ ታሪኽን ስነጥበብን ኤርትራ፡" ብምባል'ውን ንብቕዓቱ ይምስክር።

በረኸት ን65 ዓመታት ከየባተኸ ብብቕዓት ኣብ ሞያኡ ምቕጻሉ ንዓቕሙ፡ ጽንዓቱን ሞያዊ ፍቕሩን ዝገልጽ እዩ። እቶም ሓዲሙ፡ ዘይሙን ኣወሃሂዱን ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ዘብጽሖም ልዕሊ 300 ደርፍታቱ ድማ ሓወልቲ ምስክር እዮም።

ባርኖባስ ንበረኸት ብፍሉይ ዘድንቐሉ ኣብ ምንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ፡ "ኣብቲ ንሱ ዝኣምነሉን ዘድምዓሉ ሙዚቃዊ ቅዲን፡ ናቱ ሙዚቃዊ ቅዲ ፈጢሩ፡ ጸኒዑ፡ ክብሪ፡ ታሪኽን መበቈልን ሙዚቃ ኤርትራ ከይስረቕ፡ ከይብከል፡ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዝቃለስ ምዃኑ ብዙሕ አድንቖ፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"በረኸት ዓሪፉ ምስ ሰማዕኩ፡ ዝተሰምዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ምስ በሃር በረኸት መንግስትኣብ ኣብ ኮሚቴ ማሕበር ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ኤርትራ ንብዙሕ ዓመታት ብሓደ ሰሪሕና፡ ጽቡቕ ስነጥበባዊ ዝምድና ፈጢርና፡ ከም ኣቦ፡ ከም ኣያ፡ ከም መሳርሕቲ ከኣ ብዙሕ እናፍቖ።"

ፈልሲ ስነጥበባዊ ጕዕዞ በረኸት ብዓል ሃዘጋ

በረኸት መንግስትኣብ

ምንጪ ስእሊ, SM

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በረኸት ብሞጓሰን ሕርሻን ካብ ዝነባበሩ ሓረስቶት እዩ ተወሊዱ፤ ኣብ ትሕቲ ኣቦኡ ኣቶ መንግስትኣብ ባይሩን ኣደኡ ወይዘሮ ኣበባ ደባስን ኰይኑ ምስ ኣሕዋቱ ማሚቑ ዓብዩ።

ከም ኵሎም መዛንኡ ደቂ ሃዘጋ ድማ ጥሪት እናኣውፈረን ኣብዑር እናጸመደን ስድራኡ ይሕግዝ ነይሩ። ቀልጢፉ ዝተራእየ ተውህቦኡ ኢደ-ጥበብ እዩ። ንዝተፈላለየ መዓላታት ዝውዕል ንዋት ምግዛእ የድልዮም ኣይነበረን፣ ዝርኣያ ንምድጋም ዘይጽግሞ ዝነበረ በረኸት፡ በተን ወሓለታት ኣእዳው ሰሪሑ የዳሉ ነበረ።

ኣብ ከባቢኡ ሻምብቆ ዕንዱር ወይ ሕኑን ዝጻወቱ፡ ክራር ዝሃርሙ ይርኢ ነበረ'ሞ፡ ልቡ ተሰሊቡ ናቱ ክሰርሕ ሓለነ። ፈለማ ሻምብቆ ንምስራሕ እኳ እንተ ሓሰበ ተኽሊ ሻምብቆ ግና ኣብ ከባቢኦም ኣይነበረን።

በረኸት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ጋዜጠኛን ኣባል ማትኣ ዝነበረን ኣስመሮም ሃብተማርያም ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ከምዚ ክብል ይዝክር፤ "ሻምብቆ ስለ ዘይነበረ፡ ጕልዒ ቈሪጸ፡ ውሽጡ ሰርሲረ፡ እተን ቀዳዳት ኣበይ ምዃነን ብግምት ኣንኲለ ሰሪሐያ።"

በታ ዝሰርሓ ሻምብቆ ድማ ከመይ ከም ዝጽወት ተማሂሩ መለኻ። ነቶም መዛንኡ ድማ ኣብ ጕስነቶም የዘናግዖም ነበረ። ሻምብቆ ብሕልፊ ኣብተን ቀዳሞት ሙዚቃዊ ስርሓቱ ትስማዕ እያ።

ቀጺሉ ክራር ክሰርሕ ነቐለ። እቲ መሳርሒታት ኣብ ቀረባን ብቐሊልን ክረኽቦ ስለ ዘይከኣለ ድማ ክጣበብ ነበሮ።

"ኣደይ ሓዊ ትኣጕደላን ቡን ተፍልሓላን ዝነበረት ሰሪቐያ ወፊረ። ቈርበት ንምርካብ'ውን ተሸጊረ። ሽዑ ንሓደ ቍሩብ ጕብዝ ዝበለ ምራኽና ካብ ገማግም ጸድፊ ኣጽዲፈዮ። ጓሳ ካራ ኣይገድፍን እዩ - ዘድልየኒ ቈርበት ወሲደ ኣብቲ ዝነበሮ ጸድፊ ገዲፈዮ፡" ይዝክር።

ነቲ ቈርበት ኣልፊዑ ኣብታ መፍልሒ ቡን ናይ ኣደኡ ጠሚሩ፡ ዕንጸይቲ ጸሪቡ ምስ ኣዳለወ፡ ስልክታት እዩ ተሪፉዎ። ካብቲ ኣብ ዓዶም ወርቂ ዝዕድን ዝነበረ ሰብ፡ ቀጢን ስልኪ ሰሪቑ ብምውሳድ ኣዳለዋ፣ ለመዳ'ውን።

በረኸት መንግስትኣብ

ምንጪ ስእሊ, Bereket Mengsteab

ድምጺ ከይሓወሰ ዘስምዖም ዝነበሩ መዛንኡ፡ "ድረፈልና፡" እናበሉ ምስ ኣተባብዑዎ ኣብ ከባቢ ዓዶም ክድረፍ ካብ ዝሰምዖም ዝነበረ ደርፍታት ክዝይም ጀመረ።

ናብ ኣስመራ ጥሪት ኰነ እኽሊ ክሸይጥ - ኣብ ማልሳኡ ድማ ዘድልዮም ክገዝእ - ይኸይድ ነበረ። ክጕብዝ ስለ ዝጀመረ ምስ መዛንኡ ኣብቲ ደቀባት ዝዘናግዑሉ ዝነበሩ ኣባሻውል ስዋ ክሰቲ ምስ ደቂ ዓዱ ከላግስ ጀመረ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ (1950ታት)፡ ብዓል ኣምለሰት ኣባይ፡ ኣበባ ኣስፋሃን ካልኦት ደቂ-ተባዕትዮን ክደርፉ ርኣየ።

ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ዓዱ፡ "ነዚ ወዲ ክራር ሃቡዎ እሞ ከስምዓና፡" ኢሎም ለመንሉ። ሓደ ክልተ ደርፊ ድማ ደረፈ።

እንተዀነ፡ ካብ ስድራቤቱን ደቂ ዓዱን ሃራሚ ክራር ክኸውን ብዙሕ ተቓውሞ ነበሮ።

"ነተን ዝሰርሐን ዝነበርኩ ናይ ኪነጥበባት መሳርሒታት ብሕልፊ ኣቦይ ሰቢሩ ወዲኡወን እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ገረብ ሰቒለየን እየ ዓዲ ዝኣቱ ነይረ፡" ብምባል ክሳዕ ክንደይ ተጻብኦ ከም ዝነበሮ ይገልጽ።

"ብስድራቤት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብደረጃ ዓዲ እየ ዝጽላእ ነይረ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዘበናት፡ ዓድና ወራራት ዝከላኸሉ ዝና ዝነበሮም መራሕቲ ስለ ዝነበሩዋ፡ ነዛ ዓዲ ራእሲ፡ ዓዲ ደገዝማቲ ዓዲ ዋጦት ገይሩዋ ዝብል ኣዘራርባ ነይሩ።"

በረኸት እቲ ባርቤሪ

በረኸት መንግስትኣብ

ምንጪ ስእሊ, Bereket Mengsteab

በረኸት ካብቲ ተቐባልነት ዝሰኣነሉ ኵነታት ንምርሓቕ ኣብ 16 ዓመቱ ኣብ ኣስመራ ክቕመጥ ጀመረ። ሕጂ'ውን ናይ ዕለት እንጌራኡ ንምርካብ ኣብተን ወሓለታት ኣእዳዉ ተመርኰሰ - ፈለኛሞን ምቕምቃም ጸጕርን።

ፈለማ ኣብ መደበር ፈለኛሞ ኰይኑ ክልተ ዓመት ሰርሐ፣ ቀጺሉ ድማ ንፉዕ ቀምቃማይ ብምዃን ብዙሓት ዓማዊል ኣጥረየ።

እንዳ ቀምቃማይ ብዙሕ ሰብ ዝኣትዎ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ህልው ፖለቲካ ኤርትራ ኣፍልጦኡ ክሰፍሕ ጀመረ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ በብሸውዓተ እናተወደቡ ቃልሶም ምስ ዘካይዱ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ክላለን ክራኸብን ከኣለ።

ኣብ መጋቢት 1958 ብሰራሕተኛታት ዝተወደበ ኣንጻር እታ ብፈደረሽን ምስ ኤርትራ ዝተጸምደት ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣድማ (ሾቦሮ) ተኻየደ።

ተመሃሮ'ውን ተጸንቢሮ'ሞ፡ እቲ ኣድማ ናብ ግጭት ኣምሪሑ ሰባት መይቶምን ኣማኢት ቈሲሎምን።

በረኸት ነቲ እዋን፡ "'ማርያም ተለመንየ / ጐበዝ ይነብዕ ኣሎ ማርቻበዲ ኰይኑየ፡' እናተባህለ ዝድረፈሉ ዝነበረ ግዜ እዩ፡" ብምባል ይዝክሮ።

"ኣስመራ ጽቡቕ ህይወት እዩ ነይሩዋ፣ ዝሓርቕ፡ ዘንጸርጽር ኣይትርእን። ደሓር ግን እናተቐየረ ከይዱ።"

ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ

በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Bereket Mengsteab

በረኸት በቲ ሓደ ኵነታት ስድራኡ በቲ ካልእ ድማ ብሰንኪ ፖለቲካ ህይወት ኤርትራ እናበኣሰ ብምምጻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጸው በለ። ንኽልተ ዓመታት ድማ ባርቤሪ ኰይኑ ዓየየ።

ሓደ ዘይተሓስበ ኣጋጣሚ ግን ንህይወቱ ንዘልኣለም ቀየሮ።

ኣብ ኣስመራ ጫማ ዲዛይን ዝገብር ዝነበረ ተኽለ በየነ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መምህር ትልሂት ናይ ቀሃስ (ቀዳማዊ ሃይለስላሰ) ትያትር ኰይኑ ጽቡቕ ህይወት ይመርሕ ነበረ'ሞ፡ ኤርትራውያን ቀምቀምቲ ከም ዘለዉ ሰሚዑ ናብ ቦታኦም ከደ።

በረኸት ጽቡቕ ገይሩ ቀምቂሙዎ፣ ተኽለ መግቢ ክጋብዞ ተተሓሒዞም ከዱ።

ተኽለ ናበይ ክንከይድ ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ በረኸት ኣብ ተኽለሃይማኖት ዝበሃል ገዛውቲ ናብ እትርከብ ቤት መግቢ ክወስዶ መረጸ። ተኽለ ኣብ ዓበይቲ ሆቴላት እምበር ናብ ከምኡ ቦታታት ከይዱ ይፈልጥ ኣይነበረን።

ተኽለ ነታ ህሞት ክዝክር እንከሎ፡ "ኣብኡ ምስ በጻሕና ጋመታት ነይረን፡ 'እውይ በረኸት መጺኡ' ኢለን ክራር ሃብኦ። ኣነ ድማ እዚ ቀምቃማይ ክራር እንታይ ክገብራ እዩ ኢለ። ቃንዩዋ፣ ደርፊ ጀሚሩ። ቃናኡ ጥዑም ምዃኑ ምስ ርኣኹዎ ስራሕ ከእትዎ ኣለኒ ኢለ ሓሲበ፡" ይብል።

ብድሕሪኡ፡ ንሓላፊ ቀሃስ ትያትር ነጊሩ፡ ፈቲነሞ ሓሊፉ፣ ብ75 ብር ንወርሒ ተቘጽረ። እቲ ደራፋይ በረኸት ድማ ክወጽእ ጀመረ።

ጐድኒ-ጐድኑ ብምሸታዊ እናተማህረ ሻሙናይ ክፍሊ በጽሐ።

በረኸት እቲ ደራፋይ

በረኸት ኣብ ስትድዮ ክራር እናተጻወተ

ምንጪ ስእሊ, Berekete Mengsteab

ኣብቲ ክሳብ 300 ኣባላት ዝነበሩዎ ቀሃስ ትያትር በረኸት እዩ ሓደ ብትግርኛ ዝደርፍ ነይሩ። ስለዝዀነ፡ እንተላይ ንትግራይ ይውክል ነይሩ።

ኣብ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ምርኢታት ደርፍታት ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ኢብራሂም መሓመድን ካልኦትን ይደግም ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ ትያትር ክቕጽል እንተዀይኑ ግጥምን ዜማን ክደርስ ስለ ዝነበሮ ክፈታትን ተደረኸ። ብ1961፡ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጀመረሉ ዓመት፡ "ዕምባባ መስከረም፡" እትብል ቀዳመይቲ ደርፉ ደረሰ።

"ዕምባባ መስከረም፡ ፍቕረይ ወትሩ ለምለም

ከኾብ ናይ ወጋሕታ፡ ብርሃን ኵሉ ዓለም

በቲ ጸላም ለይቲ ንዓኺ ዘከርኩ

ኣብ ሓሳብ ጥሒለ እናኣስተንተንኩ

ብኣኺ ክቓኒ ክራረይ ኣልዓልኩ

እደርፈልኪ ኣለኹ ፍቕረይ እናበልኩ።" እናበለ ብዘመናዊ ህርመት ዘዜማ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ረኸበት።

በረኸት እቲ ኣብ ኣስመራ ዝጀመሮ ርክብ ምስ ሓራካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ቀጺሉዎ እዩ። እዛ ደርፊ ምስቲ ህልው ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ብውስጠዘ ከም ዝደረፋ እዩ ዝገልጽ።

"እዛ ደርፈይ'ውን ምስቲ ድሮ ብውሑዳት ሰባት ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ'ያ ትተኣሳሰር፣ ብግሉጽ ግን ክትብሎ ኣይትኽእል ኢኻ። ብረታዊ ቃልሲ ምስ ተጀመረ፡ ስነጥበብ፡ ህዝቢ ኣብ ምጕስጓስን ምንቃሕ፡ ጥራይ ዘይኰነ ውዳበታት ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ስለ ዝነበሮ ምስዚ ኣተኣሳሲረ'የ ሰሪሐያ።"

ኣብ 1962 ንፈለማ እዋኑ ናብ ሱዳን ምስ ቀሃስ ትያትር ዑደት ኣካየደ። ምስ ዕዮታት ዓበይቲ ሱዳናውያን ደረፍቲ ኣሕመድ ሙስጦፋ፡ ዑስማን ሑሴን፡ ሰሊፍ ከሊፋ፡ መሓመድ ወርዲን ካልኦትን ብዕምቈት ክላለ ዕድል ረኸበ።

ቀጺሉ ናብ ብዙሓት ሃገራት ስለ ዝገሸ፡ ባህልን ልምድን ዝተፈላለዩ ህዝብታት ክፈልጥ ብምኽኣሉ ርድኢቱ ኣብ ዓለምን ሙዚቃን ዓሞቐ።

በቲ ግዜ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣይነበሩን፣ ብሕልፊ ብዛዕባ ጥበብ ከዋግዖ ዝኽእል ዳርጋ ኣይነበረን። ስለዝዀነ ድማ ብዙሕ ጽምዋ ነበሮ፤ "ንበይነይ ኰይነ ንበይነይ፡ ዘዛርበኒ ስኢነ፡" ኢሉ ዝደረፈ በቲ ግዜ'ቲ እዩ።

በረኸት፡ ከምቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ዝነበሩ ብዙሓት ደርፍቲ ንስርሓቱ ክልተ-ሰለስተ ትርጓመታት ብዘለዎ ገይሩ እዩ ዝደርፎ ዝነበረ።

ህቡብነት በረኸት ኣብ ኤርትራ

በረኸት ኣብ ኤርትራ ከይተፈልጠ እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህቡብነት ኣጥርዩ። ስለዝዀነ ድማ እዩ ምስተን ኣብቲ እዋን ኣብ ኣስመራ ፍሉጣት ዝነበራ ባንድታት (ማምሃል፡ ማተደ፡ ማትኣ፡ ዘርኣይ ደረስ ወዘተ) ስሙ ዘይጥቀስ።

ኣብ 1966 ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ዝተተኽለ ራድዮ ስርሑ ክጅምር ኣብ ፈተነ ነበረ። ኣብቲ ግዜ 'ራድዮ መንደፈራ' ይበሃል ነይሩ፣ ደሓር 'ራድዮ ኣስመራ' ተቐዪሩ።

ንፈተነ መደባት ክፍኑ ምስ ጀመረ "ዕምበባ ዓደይ ተፋቐሩለይ. . ." ብእትብል ደርፉ እያ ፈነዋኣ መዊሳ። "ደቂ ዓደይ ኵላትኩም ዕምባባ /

ስምዑኒ ክራረይ ከዛርባ፡" ኣብ ብዙሕ ሰማዒ በጽሐት። በረኸት ድማ ኣብ ዓዱ ብዝያዳ ክፍለጥ ጀመረ።

በረኸት በቶም ኣብ ኣስመራ ኰይኖም ዝደርፉ ዝነበሩ (ከም ማትኣ ዝኣመሰሉ) 1080 ኪሎሜትር ርሒቑ ሓቦ ይሰንቕ ከም ዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 1969/70 'ሃሪ ማዕተበይ' እትብል ደርፉ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ዝነበረ ምፍልላይ ክትእርም ዝፈተነት ደርፉ ዘርጊሑ።

"ሃሪ ማዕተበይ፡ ዓሽየ'ምበር ኵላቶም ሰበይ

ሓደ መልክዕ፡ ሓደ ባህልና

ኣውራጃታት ከይፈላለና

ኣሕዋት ኢና የብልናን ጓና።"

በሃር ስነጥበበኛ በረኸት ኣብ 2020 ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ሃብቶም ወልደዮሃንስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ነዛ ደርፊ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፤

"ኣብ መወዳእታ 1960ታት ህዝቢ ብዝግባእ ስለ ዘይነቕሐ፡ ንኣሳልጦ ዓንቃፊ ዝዀነ ኣተሓሳስባን ምንዕዓቕን ነይሩ።

ገዛእቲ እውን ብሃይማኖት፡ ዓሌትን ቋንቋን ሃጓፍ ክፈጥሩ ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ዝነበረ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ ንምእራምን ሓድነት ንምፍጣርን፡ ፍቕሪ እንተልዩ እዩ ዝቐንዓናን ፈጣሪ ዝድግፈናን ብምባል እየ ደሪፈያ።"

ምቛም መቓልሕ ጓይላ

ኣብ 1974 ንቀሃስ ትያትር ብፍቓዱ ሓዲጉ፡ ናቱ ቤት ሙዚቃ ከፈተ። ጐድኑ ጐድኑ ድማ ምስ ከም ብዓል በየነ ፍረ፡ በየነ ሃይለማርያም፡ እምባየ ሃብቱ፡ መሓሪ ዝኣመሰሉ ኰይኑ "መቓልሕ ጓይላ" ዝተባህለት ጕጅለ ኣቘሙ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ተዓልዩ ደርግ ኣብ እግሪ ተኽሉ ነይሩ።

ንግዜኡ፡ ከም ድላይኩም ድረፉ ተባሂሉ ስለ ዝነበረ ድማ ነቲ ዝተራሕወ ዕድል ተጠቒሙ ንብዙሓት ተፈለጥቲ ደርፍታቱ ሽዑ ሰርሐን።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ምስታ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ የገልግል ነበረ።

ኣብ ዓሰብ ዝገበሩዎ ምርኢት፡ ብዙሕ ሃገራዊ ስምዒት ስለ ዘለዓዓለ፡ እቶም ወደብቱ ተኣሲሮምን ተረሺኖምን። ብ1975 በረኸትን ብዙሓት ብጾቱን ድማ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታትን ተጸንበሩ።

በረኸት፡ "ተፈላሊና ኢና ከይደ ተዓዚረ / ርሒቐ ካባኺ ሃገረይ ኣፍቂረ፡" ኢሉ ዝደረፈላ ብዓልቲ ኪዳኑ፡ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርግ ተመቚሓ። ደቈም ድማ ብዘይ ኣቦን ኣደን ተረፉ።

"ከዊሉዋ ግመ፡ ተሸፊና ጣቓ

ትሰምዓኒ ዶኾን፡ ብጣዕሚ ኣርሒቓ

ከመይ'ለ ክኸዶ፡ ነዊሑ መንገዳ

ዘላቶ ሃገራ፡ ርሒቑኒ ዓዳ።"

በረኸት ኣብ ገድሊ ኣብ ርእሲ ከም ተጋዳላይ ዝካፈሎ ውግኣት ብዙሕ ደርፍታት እዩ ደሪፉ። ጕጅለ ባህሊ ተሓኤ ካብ ሜዳ ናብ ሃገራት ኣዕራብ እናኸዱ'ውን ህዝቢ የነቓቕሑ ነይሮም።

በረኸት ብረት ሒዙ ኣብ ገድሊ ዝተሳእሎ

ምንጪ ስእሊ, Berekete Menegsteab

መግለጺ ስእሊ, በረኸት ኣብ ገድሊ

በረኸት ካብ ገድሊ ናብ ስደት

በረኸት በቶም በይኖም ዝተረፉ ደቁ ኣይቀሰነን፣ "በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተኣሰረትን ደቀይ ብዘይ ኣላዩ ንበይኖም ምስ ተረፉን፡ ደቀይ ንምሕጋዝ ብ1980 ካብ ሜዳ ናብ ዓዲ ዓረብ ወጺአ፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝነበረሉ ብዙሕ ደርፍታት ኣፍርዩ እዩ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ከም የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ ሓጐስ ብርሃነ፡ ሳሚ ብርሃነ፡ እንጅነር ኣስገዶም ወልደሚካኤል፡ ማሕሙድ ከሓኖ ወዘተ ኣብ ስዑድያ ይቕመጡ ነይሮም። ኵሎም ካሴታት ብምስራሕ ድማ ንሙዚቃ ኤርትራ ክብ ኣቢሎሞ እዮም።

በረኸት፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ምስ ኰነት ብ1993 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ድማ ኣርኣያ ብምዃን ከየባተኸ ሰሪሑ።

"ብስምኩም ደሪስና፡ ቃኒና፡ ደሪፍና

ገና ከሎ ሰውራ፡ ብዙሕ ከይሰጐመ

ግጥምናን ዜማናን፡ እንድዩ ዝቐደመ

ከም ሓያል ክረምቲ፡ ዘሰንዮ ግመ

ነጋሪት ድምጽና፡ ጀጋኑ ምስ ዓደመ

ትንቢታዊ ቃልና፡ እንቋዕ ተተርጐመ።"

እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንጕዕዞ ህይወት በረኸት ብሓጺሩ ዝገልጽ ደኣ'ምበር ንስነጥበባዊ ስርሓቱ ዝትንትን ኣይኰነን። ብመዳይ ስነጥበባዊ ትንተና ንዕዮታቱ ብዕምቈት ምግላጽ ድማ ዝግባእ እዩ።

"ኣዕዋፍ ክራማት ሓጋይ ዝገሻ

ተመሊሰንዶ ኵለን ብሓፈሻ፣

ደሃየንስ'ኳ ሰሚዐ ነይረ

ብዕላል ዕላል ሰሚዐ ወረ

እንታይ ደኣ ኰይነን ደንጒየናና

ፍር-ፍር ዘይብላ በቲ ገደና።

ክርእየን ደልየ ክወናጀራ

ብጥዑም ድምጸን እናዘመራ

ሕንጨ ምስ ዋሪ እዘን ጕራምራ

ናፊቐ'ለኹ ተሎ ብረራ።

ተቐያዪሮም ንፋስ ዓለማት

ሓጋይ ሓሊፉ ኣትዩ ክራማት

ድምጽኽን ራህዋ ራህዋ'የ ራህዋ

ኣዕዋፍ ዘምራ ኣይትጸምዋ።

ደበና ግመ ዓሲሉ ሰማይ

መሬት ለምሊሙ ሃሪሙዎ ማይ

ኣኸዛ ኰይኑ በርቂ ነጐዳ

ተመሊሰንዶ ርሑቕ ዝኸዳ። (. . .)"

ድምጻዊ በየነ ፍረ ኣብ 1999 ምስ ዓረፈ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ጽጌናይ ንበረኸት መንግስትኣብ ቃለመሕትት ኣካይዳትሉ ነይራ።

"በየነ ክደርፍ እንከሎ፡ ክትበርር ዝጸንሐት ዑፍ ደው ኢላ እያ ትሰምዖ፡" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።

ነዛ መግለጺኡ፡ እዚ ንወለዶታት ብስርሓቱ ዘተኣሳሰረ በሃር ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ክንመልሰሉ፡ "በረኸት ክደርፍ እንከሎ፡ ክትበርር ዝጸንሐት ዑፍ ደው ኢላ እያ ትሰምዖ።"