ኬንያውያን ሰልፈኛታት፡ ምስ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ዝገጥሙ ዘለው መንእሰያት

ነቶም ኣብ ተቓውሞ ኬንያ ዝተቐትሉ መናእሰይ ንምዝካር ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ጸሎት

እቶም ብሰንኪ ሓድሽ ውጥን ወሰኽ ግብሪ ኣብ ኬንያ ዝተላዕሉ ተቓውሞታት መንእሰያት፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ቤተክርስቲያን ልዑል ጸቕጢ ፈጢሮም ኣለው።

ኣብዛ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ሓዊሱ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ክርስትያን እዩ።

እቶም መንእሰያት እታ ቤተክርስቲያን ጸግዒ መንግስቲ ብምባል ይኸሱ።

ኣብ ልዕሊ ነቲ መስበኽያ ቤተ-እምነት ከም መድረኽ ፖለቲካ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ዘለው ፖለቲከኛታት ድማ ስጕምቲ ክውሰድ ጸቕጢ ገይሮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆ ስዒቡ ምላሽ ሂቦም'ዮም።

ነቶም ኣብቶም ኣንጻር ወሰኽ ግብሪ ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ብፖሊስ ዝተቐትሉ መናእሰያት ንምዝካር ዝተኣከቡ ካብ ኣብ ናይሮቢን ከባቢኣን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጽኡ መንእሰያት ክኣ ፍሉይ ስርዓተ ቅዳሴ ኣዳልዮም።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ሆሊ ፋሚሊ ባዚሊካ ተረኺቦም ነቶም ዝሞቱ ጸሎት ገይሮም።

ቅድሚ ሰሙናት፡ ሰንበት ዝካየድ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ቅዳሴ እታ ቤተክርስቲያን በቶም ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ብምኻድ ዝጭርሑ ዝነበሩ መናእሰያት ተረቢሹ ነይሩ።

እዞም ጀን-ዚ ብዝብል ኣጸዋውዓ ዝፍለጡ መናእሰያት፡ ቤተክርስትያን ነቲ ኣንጻር ወሰኽ ግብሪ ዝገብርዎ ዘለዉ ተሪር ወፍሪ ኣይትድግፎን ዘላ ዝብል ቅርታ ኣለዎም።

ኣቡን እታ ቤተክርስትያን ሳይሞን ካሞሞኤ ሰሚዕናኩም ኢና ብምባል ከእምኖም ይፍትን።

“ከም መጠን መንእሰያት ሓሓሊፉ በታ ቤተክርስቲያን ከይተረፈ ክትሓርቁ ከም እትኽእሉ እፈልጥ’የ። ንዓኹም ንምግልጋል ዘለና ውፍይነት ከነሐድሶ ንደሊ፤ ክንጋገ ንኽእል ኢና . . . ኣምላኽ ንኹላትና ይቕረ ይበለልና”።

ብተወሳኺ ሕልምታቶም ንምስዓብ ትዕግስቲ ክገብሩን ብቤተክርስቲያን ክምርሑን ኣብ እዋን ተቓውሞታት ካብ ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ክነስሑን ምዒዱ።

“ክንስእነኩም ኣይንደልን፡ መንእሰያትና ክንስእን ኣይንደልን ኢና። ካቶሊካውያን ጳጳሳት ነዚ ወለዶ ከይስእኑዎ ኣዝዮም ይሻቐሉ ኣለዉ” ብምባል ሰላሞምን ህይወቶምን ክሕልው ተማሕጺኑ።

ሓደ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ መንእሰይ፡ “ንመጀመርታ ግዜ፡ ቤተክርስትያን መንእሰያት ዕቱባት ምዃኖም ትግንዘብ ዘላ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ይብል።

ንሱ፡ እቶም ተቓውሞታት ቅድሚ ናብ ዓመጽ ምቕያሮም ክሳተፍ እንከሎ፡ “ከምኡ’ውን ቤተክርስትያን ብሓቂ ኣብ ጎንና ከም ዘይነበረት ይስምዓኒ። እቲ መንእሰይ ዝያዳ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ፡ ካብታ ቤተ ክርስቲያን ንላዕሊ ውጽኢት ኣምጺኡ’ዩ። እቲ ፕረዚደንት ካብታ ቤተ ክርስቲያን ንላዕሊ ጸግዒ እቲ መንእሰይ ዝወስድ ዘሎ ይመስል” ኢሉ።

ኣብቲ ብ25 ሰነ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣስታት 39 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካላት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣንጻር እቲ እማመ ግብሪ ጸቕጢ ገይረን እየን፤ እንተዀነ መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ተቓውሞታት ምስ ወጽኡ’ዩ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ እቲ ውጥን ንክስርዝ ተገዲዱ።

ንሱ ጥራይ ኣይኰነን።

እዞም መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ-ክርስቲያንን ፖለቲካዊ ትካላትን ዘሎ ዝምድና ኣይፈትውዎን፤ ይኹንኑዎ ክኣ ኣለው።

ኣብያተ ክርስቲያናት ስነ-ስርዓት ጸሎት ኣብ ዘካይዳሉ ዝነበረ እዋናት፡ መራሕቲ እታ ቤተክርስቲያን ናብ ቤተ መንግስትን መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዚደንትን ትኸዱ ኢኹም እናበሉ ክነቕፉዎም ተራእዮም’ዮም።

“እቲ ፕረዚደንት ነታ ቤተክርስትያን ይገዝኣ’ዩ ዘሎ ኢልና ኢና ንኣምን” ይብል መሻክ ምወንድዋ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት “መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ፖስታ ሒዞም (ኣብ ጐኒ) ፈጸምቲ ስራሕን ቀወምቲ ኣባላት መንግስትን ይረኣዩ’ዮም። ከም መናእሰይ ክኣ እዚ ኣይኰንናን እንደሊ፤ ክልወጥ ኣለዎ”።

ሓደ ካብቲ ዝጠለብዎን ዘዐወቱዎን ለውጢ፡ እቶም “ሃራምቤ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ፖለቲከኛታት ንቤተክርስቲያን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ዝህብሉ ልምዲ ጠጠው ክብል ምግባር’ዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈያታት ወትሩ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ጸሎት ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህሉ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም።

ነዚ ደው ክብል ዝዓለሙ #OccupyChurch ብዝብል ጐስጓስ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ነይሮም።

ገሊኦም’ውን፡ ፕረዚደንት ሩቶ ኣብቲ ብቤተክርስትያን ዝምወል መደብ ክሳተፍ የብሉን ይብሉ ነይሮም። ንሱ’ውን ንመርገጺኦም ደጊፉ።

“ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይኹን ኣብ ካልእ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ዘለው መንበረ ጵጵስና ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ንምፍጻም ክንጥቀመሎም የብልናን። ቅኑዕ ኣይኰነን” ክብል ተዛሪቡ።

ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወግዓዊ ወፈያታት ከይገብሩ ኣጊዱ፤ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ዝተዋደደን ግሉጽን ወፈያ ክህሉ ዝገብር ኣሰራርሓ ከማዕብል መምርሒ ሂቡ።

እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ግን ኣካል ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ባህሊ እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነቲ መስበኽያ ቤተክርስቲያን ከም መድረኽ ጐስጓስ ተጠቒምሉ’ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ኬንያ (NCCK) ረቨረንድ ክሪስ ኪንያንጁይ፡ “ፖለቲካዊ መልእኽቲታቱ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝድረኽ’ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሰባት ክርስትያናዊ መንግስቲ ከም ዘለዎም ዀይኑ እዩ ዝስምዖም” ይብል።

ሩቶ ዝጥቀመሎም ክርስትያናዊ ተረኻት ድማ ብዙሓት ፓስተራት ንዕኡ ተሓታቲ ንምግባር ከም ዘጸገመሎም ገሊጹ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ “ወናኒ ብርኪ ምምሕዳር ሩቶ” ዝዀኑ’ዮም ዝመስሉ።

“ፕረዚደንትና ኣብ ኣትራኖስ ቤተክርስቲያን ኰይኑ’ዩ ዝዛረብ። መስበኽያ/ኣትራኖስ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ? ንዕኡ ግን ክትሓቶ ኣይትኽእልን። ስለዚ፡ ኣብ ፖለቲካን ዓንኬላት ቤተ ክርስቲያንን ኬንያ ኣዝዩ ሓያል ሰብ ኰይኑ ኣሎ። ጀን-ዚ ይሓቱ ኣለው፤ ንሕና ኣብ መንጐ መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጦ ኣይክኣልናን ይብሉ ኣለው” ኢሉ።

ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኬንያ መብርሂ’ኳ እንተሓተተ ወሃቢ ቃል ኣብዚ ሕጂ እዋን ርእይቶ ክህብ ከም ዘይክእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ድሕቲ እቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ካቢንኡ ከም ዝበተነ ይፍለጥ። ኣብ ኣገልግሎት ጸጥታ እታ ሃገር’ውን ምምሕያሻት ይገብር ኣሎ።

ፕሬዝደንት ሩቶ ነቶም ተቓውሞታት ስዒቡ እቲ ዘቕረቦ እማመ ወሰኽ ግብሪ ክስረዝ ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ሩቶ ነቶም ተቓውሞታት ስዒቡ እቲ ዘቕረቦ እማመ ወሰኽ ግብሪ ክስረዝ ገይሩ

ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ እዛ ሃገር መንእሰይ ብምዃኑ፡ መንእሰይ ቀጻሊ መልክዕ ፖለቲካ እታ ሃገር ኣብ ምቕራጽ ልዑል እጃም ክህልዎም ከም ዝኽእል ይግመት።

እቲ ፕረዚደንት ሕጂ ንመናእሰይ ክሰምዕ ጀሚሩ ኣሎ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን’ውን ከምኡ።

ቅዳሴ ኣብ ዝዛዘመሉ ዝነበረ እዋን ሚቸሊ ምቡጉዋ “ንሕና ቤተ ክርስቲያን ኢና” ኢሉ።

“ቤተ ክርስቲያን ዘይትድግፈና እንተዀይና፡ ንርሕቓ። ንሕና እንተዘይሃሊና ቤተ ክርስቲያን ኣይክትህሉን እያ። ስለዚ፡ ንቅሬታና ክሰምዑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ንሕና ቤተ ክርስቲያን ኢና”።

ቀሺ ኪንያንጁይ፡ እታ ቤተክርስቲያን ምስ መንእሰያት ኬንያ ዘለዋ ማሕበራዊ ውዕል ይልሕልሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣመራርሓ ኤንሲሲኬ ኬንያ መገዲ ሱዳን ከይገጥማ ስክፍታ ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ።

ኣብ ሱዳን ዝተላዕለ ሰውራ መንእሰያት ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ተሰናኺሉ’ዩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ።

“እቲ ፕረዚደንት [ነዚ ቅልውላው] ከህድኦ ብምኽኣሉ ሕጕሳት ኢና፤ ምኽንያቱ እማመ ፋይናንስ ሕጊ ኰይኑ ንክጸድቕ እንተዝፍርም ነይሩ፡ እንታይ ከም ከጋጥም ከም እንኽእል ኣይንፈልጥን” ኢሉ።

ረቨረንድ ኪንያንጁይ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ኬንያ [ኤንሲሲኬ] ዋላ’ውን ብወግዒ ኣይኹን ነቲ እማመ ከም ዝተቓወሞ ሓቢሩ።

ኣብ ቀጻሊ ግን “ንጡፍ፣ ርኡይ ብምዃን፡ ድምጽን ንቕሓትን ሕብረተሰብ ንምዃን . . . ነቲ ስርዓት ክእርም ዝኽእል” ስትራቴጂ ከም ዝኽተል ሓቢሩ።

“ብገለ መልክዑ ጀን-ዚ ስራሕ ጐይታ ከም ዝሰርሑ ኢና ንርእዮም፡ እዚ ድማ ንብዙሓት ፓስተራት ክበራበሩ ዝገበረ ነገር ይመስለኒ”።