ኣሜሪካ፡ 'ኢራን ላዕለወይቲ ወተሃደራዊ ደጋፊት ሩስያ እያ'

ድሮናት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ርክብ ሩስያን ኢራንን ናብ ምሉእ ሽርክነት ምክልኻል ከምዝበረኸ ኣሜሪካ ገሊጻ።

ሩስያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ ከምዘላ ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ገሊጹ።

ኣሜሪካ፡ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ቀተልቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ ይሓስባ ከምዘለዋ ዝገልጽ ጸብጻባት ርእያ’ያ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣውስትራልያ ንሩስያ ኣንጻር ዩክሬን ክትጥቀመለን እትኽእል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምቕራቦም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኢራናውያንን ሓደ ኢራናዊ ትካልን እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሩስያን ኢራንን ዘሎ ምትሕብባር ጎሊሑ ክረአ እንከሎ፡ ዩክሬን፡ ሩስያ መጥቃዕትታታ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ተጠቒማ ክትብል ከሲሳ።

ኢራን፡ ፈለማ ናብ ሩስያ ዝኾነ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘይሰደደት ድሕሪ ምኽሓዳ፡ ድሒራ ቅድሚ ወራር ዩክሬን ገለ ሰዲዳ ከምዝነበረት ተኣሚና።

ኪርቢ ኣብ መንጎ ኢራንን ሩስያን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ ዝግበር ሽርክነት ንዩክሬን፡ ጎረባብቲ ሃገራት ኢራንን ማሕበረሰብ ዓለምን ጎዳኢ ከምዝኸውን ገሊጹ።

"ሩስያ ምስ ኢራን ኣብ ከም ምምዕባል ኣጽዋር፡ ስልጠና ዝኣመሰሉ መዳያት ክትተሓባበር ትጽዕር ኣላ" ዝበለ ኪርቢ፡ ሩስያ ሄሊኮፕተራትን ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ሓዊሱ "ንኢራን ምዕቡል ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ክትህባ" ትሓስብ ከይትህሉ ከምትሰግእ ሓቢሩ።

መራሕቲ ሩስያን ኢራንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኢራን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ደጋፊት ሩስያ ኮይና ኣላ..." ኢሉ።

"ሩስያ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ዩክሬን ንምውቃዕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ክትጥቀም ጸኒሓ'ያ፡ እዚ ድማ ንሚልዮናት ዩክሬናውያን ሓይሊ፡ ሙቐት፡ ወሳኒ ኣገልግሎታት ክስእኑ ገይሩ'ዩ። ሎሚ ኣብ ዩክሬን ዝርከቡ ሰባት ብሓቂ ብሰንኪ ተግባራት ኢራን ይሞቱ ኣለዉ።"

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ ንርእይቶ ኪርቢ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኢራን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ወተሃደራዊ ደገፍቲ ሩስያ ኮይና ምህላዋን፡ ኣብ መንጎአን ዘሎ ርክብ ንዓለማዊ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑን ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጸመ "ጽዩፍ ስምምዓት" ኢራን ኣማኢት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ ሩስያ ከምዝሰደደት ሓቢሩ።

ወሲኹ’ውን፡ ሩስያ "ንኢራን ወተሃደራውን ቴክኒካውን ደገፍ ትህብ ኣላ፡ እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ መሻርኽትና ከምኡ'ውን ኣብ ኣህጉራዊ ጸጥታ ዘስዕቦ ሓደጋ ዝውስኽ'ዩ" ኢሉ።

ሩስያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሓዊሱ ተወሳኺ ኣጽዋር ክትሕዝ ኣብ እትፍትነሉ ዘላ እዋን፡ ኢራን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ እትህቦ ደገፍ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ክዓቢ ምዃኑ ይሕብር።

ዩክሬን፡ ኢራን ንሩስያብ17 ጥቅምቲ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ዝቐተለ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ "ካሚካዘ" ዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘቕረበት ትኸስስ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክሬን ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ተውድቕ ከምዘላን ገሊጹ።

ሎሚ ቀዳም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "እቲ ቀረብ ሰብኣልቦ ነፈርቲ፡ ኢራን ኣብ ምብራስ ዓለማዊ ጸጥታ እትጻወቶ ተራ መርትዖ እዩ። እዚ ዝርዝር [እገዳ] ነቶም ንሩስያ ንዋታዊ ደገፍ ዝህቡ ሳዕቤን ከምዘጋጥሞም ዘጉልሕ'ዩ" ኢላ።

ብተወሳኺ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ወዲ 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምሟቱ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ጸረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ፡ ንኻልኦት 19 ሰባትን ፖሊስ ሞራል ኢራን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣካላት ስጉምትታት ከምዝወሰደት ኣፍሊጣ።