ሽሙን ቋንቋኡን ዘይፍለጥ መወዳእታ ብህይወት ዝነበረ ወደ'ባት ሞይቱ

እቲ ሰብኣይ ብ2018 ጥራይ እዩ ተራእዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, FUNAI

ኣብ ብራዚል ሓደ ንብሕቱ ብህይወት ተሪፉ ዝነበረ ወደባት ከም ዝሞተ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

እዚ ሽሙ ዘይፍለጥ ሰብኣይ፡ ንዝሓለፉ 26 ዓመታት ካብ ሰብ ተፈልዩ ኣብ ፍጹም ባሕታዊ ህይወት’ዩ ክነብር ጸኒሑ።

ዓሚቝ ጕድጓድ ኵዒቱ ይነብር ስለ ዝነበረ ‘እቲ ናይ ጕድጓድ ሰብኣይ’ ተባሂሉ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ፤ ገሊኦም ጐዳጕዲ ንመጻወድያ [ሃድን] እንስሳት ክጥቀመሎም እንከሎ፡ ገሊኦም መሕብኢኡ ነይሮም።

ኣስክሬን እዚ ውልቀሰብ ብ23 ነሓሰ ድሕሪ ኣጕዶኡ ኣብ ቃሬዛ መሳሊ ዓራት ተረኺቡ፤ ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ዘርኢ ምልክታት ከኣ ኣይተረኽበን።

ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከባቢ 60 ዓመቱ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እዚ ሰብኣይ፡ ኣባል ኣብ ከባቢ ሮንዶኒያ ተባሂላ እትጽዋዕ ምስ ቦሊቪያ እትዋሰን ግዝኣት ይነብሩ ናይ ዝነበሩ ‘ታናሩ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ደቀባት ኰይኑ፡ እንኮ ብህይወት ዝጸንሐ ምዃኑ ይንገር።

መብዛሕትኦም ኣባላት እዚ ዓሌት፡ ኣብ 1970ታት መሬቶም ከስፍሑ ይደልዩ ብዝነበሩ ሓረስቶት ተቐቲሎም ተባሂሉ ይእመን።

ብ1995፡ ብህይወት ዝነበሩ ሽዱሽተ ካብዞም ዓሌት ዘይሕጋዊ ዓደንቲ ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ክቕተሉ እንከለው፡ እዚ ሰብኣይ እንኮ ብህይወት ዝተረፈ ኰይኑ ጸኒሑ።

ትካል ጕዳያት ደቀ'ባት ብራዚል፡ ብ1996’ዩ ሃለዋት እዚ ሰብኣይ ፈሊጡ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንድሕነቱ ብዝብል ነቲ ከባቢ ክቈጻጸሮዎ ጸኒሑ።

ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ልሙድ ስርሖም ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ እምበኣር ኣስክሬኑ ኣብ ድሕሪ ሓንቲ ኣጕዶ፡ ብኽንቲት ሕንጻይ ተሸፊኑ ኣብ ቃሬዛ ረኺቦምዎ።

ክኢላ ደቀ'ባት ማርሴሎ ዶስ ሳንቶስ ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሰብኣይ ክመውት ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ' ሰብነቱ ብኽንቲት ሸፊኑ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።

“ካልእ ዝዀነ ምልክት መጥቃዕቲ ስለ ዘይነበረ፡ ሞቱ ይጽበ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ብምባል፡ ኣስክሬኑ ቅድሚ ምርካቡ ቅድሚ 40 ወይ 50 መዓልታት ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ንዝሓለፉ ዓመታት እቲ ሰብኣይ ዝሰርሖም ኣጉዶታት ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, J PESSOA/SURVIVAL INTERNATIONAL

ብሕማም ተለኺፉ ከይከውን ድማ መርመራ ኣስከሬን ተኻይዱ እዩ።

ምስ ሰባት ተራኺቡ ስለ ዘይፈልጥ፡ ዝዛረቦ ዝነበረ ቋንቋ ኣይፍለጥን፤ ዓሌቱ ካበየናይ ብሄር ከም ዝዀነ’ውን ኣይፍለጥን።

ብ2018፡ ኣባላት ትካል ደቀ'ባት ብራዚል፡ ኣብቲ ጫካ ክስእልዎ ፈቲኖም ነይሮም። ድሕሪኡ ግን ኣይተራእየን።

ኣስክሬን እዚ ውልቀሰብ ዝረኸበ ኣልጋየር፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰርሖም ልዕሊ 50፡ ሰለስተ ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጕድጓድ ዝነበሮም ኣጓዱ ከም ዝነበርዎ ተዛሪቡ።

እዚኦም፡ መንፈሳዊ ቦታታት ኰይኖም ከገልግልዎ ጸኒሖም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ይብል። ካልኦት ግን መሕብኢኡ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ።

እቲ ሰብኣይ፡ ዕፉንን ካሳቭን ተኺሉ መዓር’ውን ይእክብ ከም ዝነበረን ከም ፓፓያን ባናናን ዝኣመሰሉ ፍረታት’ውን ተኺሉ ከም ዝነበረን ዘርእዩ መረዳእታታት ተረኺቦም።

ብመሰረት ሕጊ ብራዚል፡ ደቀባት ናይ ውርሲ መሬቶም ክጥቀሙ መሰል ኣለዎም፤ ግዝኣት ደቀ'ባት ታናሩ ድማ ካብ 1998 ጀሚሩ ተሓዚኡ ጸኒሑ።

ኣብ ዙርያ እቲ 8070 ሄክታር መሬት ዘለው ከባቢታት ንሕርሻ ከገልግሉ'ኳ እንተጸንሑ፡ ነበርቲ ግን ናብቲ ግዝኣት እቶም ደቀ’ባት ከይንኣቱ ተኸልኪልና ዝብል ቅሬታ የቕርቡ ነይሮም።

ኣብ ብራዚል፡ ኣስታት 240 ዓሌታት ደቀ'ባት ዘለው ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ካብ ዘይሕጋዊ ዓደንትን ሓረስቶትን ብዝወርዶም መጥቃዕቲ ንሓደጋ ዝተቓልዑ’ዮም።