ንዓመታት ጅሆ ዝተታሕዘ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓኪም ብዕጡቓት ኣልቓዒዳ ናጻ ተለቒቝ

ምንጪ ስእሊ, GIFT OF THE GIVERS/FACEBOOK
ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ሊብያ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ሓኪም ሃንደበታዊ ሓደጋ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ብዘለዎም እስላማዊ ሚሊሻታት ከም ከምዝተፈትሐ ተፈሊጡ።
ጊፍት ኦፍ ዘ ጊቨርስ ዝተበሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ፡ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ጅሆ ዝተታሕዘ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጌርኮ ቫን ደቨንተር “ብዘይ ቅድመ ኵነት ክፍታሕ” ከም ዘጣጥሐ ሓቢሩ።
ጌርኮ ቫን ደቨንተር፡ ኣብ 2017 ሽሞም ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ሊብያ ተታሒዙ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ማሊ ናብ ዝርከቡ እስላማዊ ዕጡቓት ከም ዝተሸጠን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣልጀርያ ከም ዝተፈትሐን እቲ ትካል ሓቢሩ።
ምንጪ ጸጥታ ማሊ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ወዲ 48 ዓመት ደቨንተር ኣብ ዶብ ማሊን ኣልጀርያን ከም ዝተፈትሐ ኣረጋጊጹ።
ብኔቶ ዝድገፉ ሓይልታት፡ ኣብ 2011 ነቲ ንሊቢያ ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ ሙዓመር ቓዛፊ ካብ ስልጣኑ ብምዕላው ካብ ዝቐትልዎ ንነጀው፡ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ሊብያ ሕጊ ኣልቦነት ሰፊኑ።
ማሊ ብወገና ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣታ ንእስላማውያን ዕጡቓት ትዋጋእ ኣላ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ትካል ገባሪ ሰናይ ጊፍት ኦፍ ዘ ጊቨርስ፡ ቫን ደ ቬንተር ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ጥዕናዊ ምርመራ ንክገብር ትካል ድሕነት ኣልጀርያ ናብ ሆስፒታል ከም ዝወሰድዎ ሓቢሩ።
“ምስ በዓልቲ ቤቱ ሸሪንን ወዱ ኣሸርን ንኽራኸብ ናብ ገዛኡ ንምምጻእን ኣብ ጥዕናኡ ዝህሉ ዝቕጽል መስርሕን ክንጽበ ኢና። ሽድሽተ ዓመታት፣ ስቓይን ፀሎት፡ ትዕግስትን ተስፋን ዓመታት እዮም ነይሮም” ክብል፡ ብመገዲ ፌስቡክ ሓቢሩ።
ኣብ ትካል ደሕነት ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ተዋፊሩ ዝነበረ ቫን ደ ቬንተር፡ ብ 3 ሕዳር 2017 ካብ ርእሰከተማ ሊብያ ትሪፖሊ 1 ሽሕ ኪሎሜትር ርሕቐት ናብ ዝርከብ ምንጪ ጸዓት ኣብ ዝከደሉ ዝነበረ እዩ ተጨውዩ።
ምስኡ ዝተጨወዩ ሰለስተ ቱርካውያን መሃንድሳት ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ንሱ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ።
ስድራኡ፡ ደ ቬንተር ንኽፍታሕ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ለበዋ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ጊፍት ኦፍ ዘ ጊቨርስ፡ ቅድም ክብል ኣብ ከባቢታት ሳሕል ተዓጊቶም ዝነበሩ ቫን ደቨንተርን ካልኦት ግዳያትን ኣብ ምፍታሕ ተሳቲፉ’ዩ።
መሻርኽቲ ኣልቓዒዳ ዝዀነ ጀማዓት ናስር ኣል ኢስላም ወል ሙስሊሚን ኣብ 2018 ንቫን ደቨንተር ንምፍታሕ 3 ሚልዮን ዶላር መበጆ ሓቲቱ’ኳ እንተነበረ፡ ትካል ጊፍት ኦፍ ዘ ጊቨርስ ብምርድዳእ፡ መጠን እቲ ገንዘብ ናብ 500 ሽሕ ዶላር ክወርድ ገይሩ።
ይዅን’ምበር ስድራ ቫን ደቨንተርን ዘስርሖ ትካልን ነቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ክኸፍሉ ብዘይ ምኽኣሎም፡ እቶም ዕጡቓት “ብዘይ ገለ ቅድመ ኵነት” ብቐዳም ከም ዝፈትሕዎ ትካሉ ኣፍሊጡ።
ብእስላም መቕርብ ዝብል ስያመ ዘለዎ ኣልቓዒዳን ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ካልኦት ጥሩፋት ጕጅለታትን፡ ብመገዲ መጭወይቲ ገንዘብ ከም ዝረኽቡ ይፍለጥ።
ኣብ 190ታት ኣብ ኣልጀርያ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሱር ዝሰደደ እዚ ጕጅለ፡ ካብ ዞባ ሳሕል ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ዝርከብ በረኻ ሳሕል፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ይንቀሳቐስ።
ቅድሚ ሕጂ ባዕዳዊ ገዛኢት ማሊ ዝነበረት ፈረንሳይ፡ ነዚ ጕጅለን መሻርኽቱን ንምምካት 5 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ማሊ ከም ዝለኣኸትን፡ ንመራሒ እስላም መቕርብ-ኣልቓዒዳ (AQIM) ዓብደልማልክ ድሮክደል ከም ዝቐተለትን ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







