ኣደ ሚሸል ኦባማ ኣብ መበል 86 ዓመተን ዓሪፈን

ምንጪ ስእሊ, Michelle Obama
ኣደ ቀዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ነበር ሚሸል ኦባማ ማርያን ሮቢንሰን ኣብ መበል 86 ዓመተን ዓሪፈን።
"ሮቢንሰን ብዓርቢ ንግሆ ብሰላም ዓሪፋ" ክብሉ ስድራቤት መግለጺ ሂቦም።
ማርያን ሮቢንሰን ካብ 2009 ክሳብ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ሸሞንተ ዓመታት ምምሕዳር ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዓብዪ ተራ ከም ዝነበረን ይዝከር።
ዝበዝሕ ግዜአን ድማ፡ ደቂ ባራክን ሚሸልን ኦባማ ዝዀና (ማልያን ሳሻን) ክልተ ደቂ ደቀን ኣብ ምሕብሓብ እየን ኣሕሊፈነኦ።
ሚሸል፡ ንኣዲኣ “ወትሩ ንዓይ ኣብ ዘድልየኒ ዘበለ ካብ ጐነይ ዘይትፍለ ማእገረይ" ክትብል ገሊጻተን።
“ማእገር መላእ ስድራቤትና እያ ነይራ፤ ሎሚ ድማ ካብዛ ዓለም ብሞት ክትፍለየና እንከላ ልብና ብሓዘን ተሰይሩ” ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
ባራክ ኦባማ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ’ውን፡ “ሓንቲ ማርያን ሮቢንሰን ጥራይ እያ ነይራ፤ ንሳ ጥራይ’ውን እያ ክትህሉ። እቲ ዝተረፈ ዕድሜና ድማ ብናታ ኣብነት ሓፍ ኢልና ክንነብሮ፡ ክንጽዕር ኢና” ኢሉ።
ብዛዕባ ምኽንያት ሞት ሮቢንሰን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ኣብ 1937 ዝተወልደት ሮቢንሰን፡ ባራክ ኦባማ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ምስ ተዓወተ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ቅድሚ ምምጽአን፡ ዝበዝሕ ህይወተን ኣብ ከተማ ቺካጎ እየን ኣሕሊፈንኦ።
ገለ ዕድሚአን ጸሓፊት ኰይነን ከሕልፈኦ እንከለዋ፡ ቕድሚኡ መምህር ናይ ምዃን ድሌት ከምዝነበረን ይንገር።
“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ፡ ስድራቤታትና ዋላ ሓደ ካባና ክግምቶ ዘይክእል ኩነታት ከጋጥሞ እንከሎ፡ ካብቲ ህቦብላ መዕቆቢና ኰይናቶ ጸኒሓ። ኣብ 2008 ኣብ ዝነበረ ናይ መረጻ ምሸት፡ ባራክ ኣብ ቀረባ እዋን ጾር ዓለም ክሽከም ምዃኑ ዜና ምስ ተሰምዐ፡ ኢዱ ሒዛቶ ዝነበረት ንሳ’ያ” ይብል መግለጺ ስድራ ኦባማ።
ኣብ 2008 ኦባማ ፈላማይ ኣፍሩቃዊ- ኣመሪካዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ታሪኽ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ሮቢንሰን ምስኡ ኣብ ሳሎን ከፍ ኢለን ውፅኢት ይፅበያ ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮቢንሰን ምስ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበረኦ ቃለ መሕትት፡ እቲ ሓድሽ ህይወት ንጓለንን ሰብኣይ ጓላን “እዚ ኣዝዩ ከቢድ ህይወት ክኸውን’ዩ” ዝብል ስምዒት ስለ ዘሕደረለን፡ ምስኦም ናብ ዋሽንግተን ክግዕዛ ግድን ከምዝዀነን ተዛሪበን።
“ብዛዕባ ድሕነቶም ድማ ይጭነቕ ነይረ። ብዛዕባ ደቂ ደቀይ ይጭነቕ ነይረ። እዚ’ዩ ናብ ዲሲ ክግዕዝ ዝገበረኒ”።
ሙሉእ ዕድሚ አንኣብ ቺካጎ ዘሕለፋ ሮቢንሰን፡ ኣብ 2009 ምስ ስድራቤት ኦባማ ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ተሰቒለን ናብ ፈረንሳ ክሳብ ዝበራ፡ ካብ ኣመሪካ ወጺአን ኣብ ነፋሪት ተሰቒለን ኣይትፈልጣን።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ኦባማ ሮቢንሰን “ዘይተምስል ሰብ እያ" ብምባል ክገልፀን እንከሎ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘሕለፈኦ ግዜ፡ “ምስ ተዓወትቲ ኦስካር ወይ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ግዜ ካብ ምሕላፍ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ኰይና ቴሌቪዥን ብምርኣይን ናብ ሓወልቲ ዋሽንግተን ኣብ ዝጥምቱ ዓበይቲ መሳኹቲ ዘለዎም ክፍሊታትን ኰይና ከተሕልፎ’ያ ትመርጽ ነይራ” ክብል መግለጺ ስድራ ኦባማ ይሕብር።
“እቲ እንኰ ጋሻ ክትረክብ ዝሓተተትሉ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥራይ እዮም” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሮቢንሰን፡ ናይ ነፍሰን ዓርሰ-ናጽነት ዝፈትዋ ብርትዕቲ ኣላይት ስድራ ከም ዝነበራ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







